Friday , May 3 2024

ጸወታ ኬፕ ቨርደን- ኢትዮጵያን

ድሕሪ ሰሓቢ ግጥም ካሜሮንን ቦርኪናፋሶን፡ እታ ዝበዝሑ ተጻወትታ ምስ ኣብ ጋንታት ፖርቱጋል ዝጻወቱ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርደን፡ እታ ብጀካ ሓደ ተጻዋታይ ካልኦት ኣብ ደገ ዝጻወት ዘይብላ ኢትዮጵያን እየን ን ሜዳ ወሪደን።
ጸወታ ብ ማእከላይ ረስኒ ኣብ ማእከል ሜዳ እኮ ይካየድ እንተበረ ኣብ መበል 7 ደቒቕ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርደ #ጁልዮ #ታቫሬስ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈተነሉ ብ ተኸላኻላይ #ያሬድ #ባየህ ተሓንኲሉ ስለ ዘወደቐ ዳኛ ን ያሬድ ብጫ ን ታቫሬስ ክኣ ነጻ ቅላዕ መቕጻዕቲ እኮ እንተሃቦም፡ እታ ፋወል ብ VAR ክትምርመር ስለ ዝተወሰነ ዳኛ ን ያሬድ ብ ቐይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ኣበራርዎ ኢትዮጵያ ካብ ድሕሪ 10ደቒቕ ብ 10 ተጻወቲ ክትቅጽል ተገዲዳ።
ብ 4-3-3 ጸወታ ዝሓንጸጸ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ቅዲ ጸወታ ናብ 4-2 -3 ብምቕያር ን ኣከፈፋሊ መስዑድ መሐመድ ብ ተኸላኻሊ ምኞት ደበበ ተኪኡ መስመር ምክልኻል ኣደላዲልዎ።
ጸወታ ቀዳማይ እብረ ብ ጸብለልነት ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርደ ብዘይ ሽቶ ድሕሪ ምቕጻሉ ኣብ መበል 45 ደቒቕ ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ #ሮድሪገዝ ዝቖረጻ #ታቫረስ ብ ርእሱ ገጭዩ ውጽኢት ትቕይር ሽቶ ብ ምምዝጋቡ ብ መሪሕነት ኬፕ ቨርደ ን ዕረፍቲ 1-0 ወጽየን።
ድሕሪ ዕረፈቲ ኢትዮጵያ ርኡይ ናይ ተኻለኸልቲ ሃጓፍ እኮ እነተበራ ሓላው ልዳታ ተኽለማርያም ሻንቆ ዘርኣዩ ምንቅስቓስ ግን ኣዝዩ ዝንኣድ ኔሩ።
ኣብ መስመር ምጥቃዕ ውን ኣቡበከር ናስር ዝሓሸ መጥቃዕታት እኮ ይገብር እንተነበረ ኣጥቃዓይ ጌታነህ ከበደ ግን ክሕግዞ ኣይክኣለን።
ኣሰልጣኒ ኢትዮጵያ ጸወታ ኣብ ምዝዛሙ ን ኣቡበከር ናስር በቲ እንኮ ኣብ ኣልጀርያ ዝጻወት ሙጂብ ቃስም ን ሱራፌል ዳኛቸው ክኣ ብ በዛበህ መለዮ ወላ እንተቐየሮም ን ውጺኢት ግን ክቕይሮ ብዘይ ምኽኣሉ ጸወታ ብ ዓወት እታ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ታሪኽ ዘይብላ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርደ 1-0 ተዛዚሙ።
ዋንጫ ኣፍሪቃ ን ጽባሕ ኣብ ምድብ B ተደላዲለን ዘለዋ ሴነጋል vs ዚምባብዌ ከምኡ ውን ጊኒ vs ማላዊ ግጥም ከካይዳ እየን።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com