Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ፋብሪካ ባተሪ ብደለይቲ ስራሕ ኣዕለቕሊቑ–ልክዕ ሞያ ዘለዎ ምርካብ ግና ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ሰሜን ሽወደን–ስኬልፍ– ዝርከብ ፋብሪካ ባተሪ ኖርዝቮልት፡ ኣብ ወወርሒ 3,500 ናይ ስራሕ ሕቶታት ይመጾ ምህላዉ፡ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ይዂንምበር፡ እቲ ኲባንያ ናይ እማን በዓልሞያ እዚ ዓውዲ ንምርካብ ይሽገር ምህላዉ እታ ሬድዮ ንሰብመዚ እቲ ኲባንያ ብምጥቃስ ገሊጻ’ላ። ኣብ ትካል ባተሪ ንምስራሕ ዘኽእሎ ሞያ ዘለዎ ኣባል ጽገና፡ ከምኡውን ኣጽረይቲ ኢንዱስትሪ ይደልዩ ምህላዎም በዓልቲ መዚ ርክባት እቲ ኲባንያ ሳና ባክስትሮም …

Read More »

ቊጠባ ሽወደን ካብ ትጽቢት እተገብረሉ ንላዕሊ ይዓቢ’ሎ።

ምስ ወርሒ ግንቦት ዝነበረ ዕቤት እንክነጻጸር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ሽወደን ብ 0.6% ምዕባዩ ካብ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ሽወደን እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። እዚ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ዝፈጠነ ዕቤት ምዃኑ እቲ ስታቲስቲክስ ኣረዲኡ’ሎ። ኣብ ፈለማ ርብዓዊ ዓመት ዝደኸመ ቊጠባ ስለዝነበረና ወሰኽ ክህሉ ተጸቢና ኔርና ኢና፡ እንተኾነ ግና “እዚ ኣሃዝ ካብቲ ትጽቢት ዝገበርናሉ ዝለዓለን ዝበለጸን እዩ” ክብል ዋን ክኢላ …

Read More »

ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሽወደናውያን ካብ ሎሚ ኣትሒዞም ከድምጹ ክኽእሉ እዮም።

ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ሽወደናውያን፡ ንናይ 2022 ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ድምጾም ካብ ሎሚ ኣትሒዞም ምሃብ ክጅምሩ ምዃኖም ተገሊጹ። ኣብ ህድሞራ ሽወደን ዝቕመጥ ዝነበረ፡ ሕጂ ኣብ ስፔይን ግራን ካናርያን ዝነብር ዳንኤል ሞሊን፡ ን ሬድዮ ሽወደን P4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ መድመጺ ወረቐት ኣብ ግዜኡ ክበጽሖ ይጽበ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ኣብ 2018፡ ኣስታት 92 000 ሽወደናውያን፡ ኣብ ዝቕመጥዎ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ብደብዳበ ምድማጾም፡ ኣብ በዓልመዚ …

Read More »

ኣብ መንገዲ ኣየር ሉፍታንሳ ኣድማ ይካየድ ኣሎ።

ኣስታት 20,000 ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ሉፍታንሳ፡ ንእማመ ደሞዝ እቲ ኲባንያ ብምቅዋም፡ ንልዕሊ ሓደ መዓልቲ ዝጸንሕ ኣድማ ምጅማሮም ተፈሊጡ። እዚ ኣድማ ን 134,000 ገያሾ ምጽላዉ፡ ካብን ናብን ኖርወይ ዝግበሩ 13 በረራታት ከኣ ከም እተሰረዙ– ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። ናይ ሰሉስ ሓዊስካ፡ ልዕሊ 1,000 በረራታት፡ ብረቡዕ ድማ ዳርጋ ኲሎም በረራታት ብሰንኪ እዚ ኣድማ ከም እተሰረዙ፡ ወኪል ዜና AFP ኣረዲኣ። “ኣብ ዋና ማእከልና ፍራንክፈርት፡ …

Read More »

ኖርዌጃያን መግቦም ባዕሎም ከፍርዩ ከም ዝደልዩ ተፈሊጡ።

ዋጋታት ዝብልዑ ኣትክልቲን ዘርኢ እዞም ኣትክልቲን ኣብ 2022 ኣዝዮም ምውሳኾም ካብ ማእከላት ጀራዲን ዝወጹ ጸብጻባት ኣመልኪቶም። በዚ ድማ፡ እትበልዖ ባዕልኻ ምፍራይ ኣብ ስድራቤታት ሽወደን ልማድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። “ወነንቲ ጀራዲን መግቦም ባዕሎም ክኽእሉ ዕላማ ጌሮም ዝንቀሳቐሱሉ ንጹር ኣዝማምያ እዩ። ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ መሸጣ ዘርኢ ዝብልዑ ኣትክልቲ፡ ክሳብ 51% ወሲኾም ኣለዉ” ክብል– ኣብ ሃግላንድ ኣካያዲ ዳይረክተር፡ ኦዪንድ ክሮን ንጋዜጣ ኔሽነን …

Read More »

ቨስትላንድ፡ ሓደ ኣቦ ብዓሌታዊ ዘረባ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።

ኣብ ቨስትላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ወዲ 13 ዓመት ተመሃራይ ህጻን ዓሌታዊ ጸርፊ ዘዘውተረ ሰብኣይ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ናብ ቤት ፍሪ ክቐርብ እዩ– ክትብል ጋዜጣ በርገንስ ቴንድ ጸብጺባ። ደቂ ተኸሳሲ ንባዕላቶም፡ ካብ ሕዳጣን ጒጅለታት ዝውለዱ ብምዃኖም ከምዚ ዝበለ ዓሌታዊ ቃላት ክጥቀም ኣይክእልን እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ጠበቓ ተኸሳሲ ገሊጹ’ሎ። ደቂ ተኸሳሲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኻልኦት ቆልዑ ከም ዘሰራጥዩ ድሕሪ ምቅልዑ፡ ኣመሓዳሪ …

Read More »

ሽወደን ካብ ግጥም ዩሮ 2022 ተሰናቢታ።

ብቕድሚ ትማል ሰሉስ፡ ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሽወደን ኣብ ዩሮ 2022 ምስ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ፍርቂ መዛዘሚ 4 ብ 0 ተረቲዓ–ካብቲ ጸወታ ተሰናቢታ’ላ። እዚ ውጽኢት፡ ንምሉእ ጸወታ ይውክል እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘይብላ፡ ሓንቲ ካብ ምርኡያት ተጻወትቲ ጋንታ ሽወደን ኮሶቫረ ኣስላኒ ገሊጻ’ላ። ሽወደን ካብዚ ጸወታ ድሕሪ ምስንባታ፡ ጋንታ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ መወዳእታ ናይ ዋንጫ ግጥም ምስ ጀርመን ወይ ፈረንሳይ …

Read More »

ኲባንያታት ቴክኖሎጂ ሽወደን ብንውሓት መስርሕ ኤጀንሲ ስደተኛታት ብኣሉታ ተጸልየን።

ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን፡ መስርሕ ምውዳእ ስራሕ ፍቓድ እናተደናጎየ ክመጽእ ምጽንሑ ተገሊጹ። እዚ ለውጢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝለዓለ ምንባሩን፡ ካብ 2 ሰሙን ናብ ብርክት ዝበላ ኣዋርሕ ክናዋሕ ተጌሩ ምህላዉን፡ ኣብ ኲባንያ ቴክኖሎጂ ኔክሰር፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ላርስ ክራይ ገሊጹ’ሎ። ካብ ዝሓለፈ ሰነ ኣትሒዙ ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ፍቓድ ስራሕ፡ ነዚ ተርእዮ ኣበርክቶ ምግባሩ፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኖርወይ፡ ኲናት ዩክሬይን ሕጽረት ጎማ ዊንተር ከስዕብ እዩ ተባሂሉ።

ብምኽንያት እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ናይ ወራር ኲናት፡ ኣብ ዝመጽእ ዊንተር ሕጽረት ጎማ መኪና ዊንተር ክኽሰት ከም ዝኽእል፡ ኢንዱስሪ ጎማ ገሊጹ። ሓደ ሲሶ ካብቲ ኣብ ኖርወይ ኣብ ዕዳጋ ዝውዕል ጎማ ኣብ ሩስያ ዝፈሪ ኮይኑ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እተነብረ እገዳ፡ ኖርወይ ኣብታ ሃገር እተፍርዮ ዝነበረት ጎማ ደው ከም ዝብል ምግባራ፡ ጋዜጣ ነታቭሰን ንንባብ ኣብቂዓ’ላ። “ሩስያ፡ …

Read More »

ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ኣዝዮም ዝነኣሱ ዓሳታት ሄሪንግ ይወጹ ምህላዎም ጅለብቲ ገሊጾም።

ቊጽሪ ዓሳታት ሄሪን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝዩ ከንቈልቊል ምጽንሑ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ባልቲክ ዓሳ ዝገፉ ጀለብቲ ዓሳ ገሊጾም። እዚ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ/ሰለሰተ ዓመታት ብፍላይ ኣዝዩ ተጋኑኒ ከም እተራእየ እቶም ጀለብቲ ወሲኾም ኣመልኪቶም። እዚ ምዕባለ ብ ሃገራዊ ኤጀንሲ ምምሕዳር ማያትን ባሕሪን እውን ምስትውዓል ከም እተገብረሉ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ምኽንያት ናይዚ ተርእዮ ብመራኽብ ዝካየድ መጠነ ሰፊሕ ምግፋፍ ዓሳ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com