Thursday , May 2 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሽወደን፡ 220-ሜትሮ ዝቚመቱ ናይ ንፋስ ተርባይን ወዲቑ።

ካብ ሳንድቫል ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ጸዓት ንፋስ ቪክሾ፡ ተተኺሉ ዝነበረ 220 ሜትሮ ዝንውሓቱ ናይ ንፋስ ተርባይን፡ ዝሓለፈ ቀዳም ወዲቑ ከም እተሓምሸሸ ተፈሊጡ። በዚ ሓደጋ ዘጎድአ ሰብ የለን። እንተኾነ ግና፡ ጒጅለ ክኢላታት ምኽንያት እዚ ሓደጋ ክሳብ ዘጻርዩ፡ እዚ ሕርሻ ጸዓት ንፋስ ተዓጽዩ ክጸንሕ እዩ—ክትብል ማዕከን ዜና SVT ጸብጺባ’ላ። እዚ ምውዳቕ ብምኽንያት ካብቲ ተርባይን ዝዘረቘ ዘይቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝበለ …

Read More »

ቊጽሪ ኣሞራታት ፐረግሪን ብ 40% ኣንቈልቊሉ።

ቊጽሪ ኣሞራታት ፒረግረን ብዘሰንብድ ኣገባብ ካብቲ ናይ ዓሚ ብ 40% ምጒዳሉን ናይዚ ምኽንያት ድማ ሕማም ሰኦኣል ኣዕዋፍ ክከውን ከም ዝኽእልን ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቆጸራ እዞም ኣዕዋፍ ከም ዝካየድን ኣብዚ ዓመት ዝተረኽበ ኣሃዝ ብዘሰንብድ ኲነት ኣዝዩ ኣንቈልቊሉ ከም እተረኽበን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ኲነታት ጥዕና ኣዕዋፍ ንምምርማር መታን ክከኣል፡ ኣብ ጎደና ዝሞቱ ኣዕዋፍ ዝረኸበ ኲሉ፡ ናብ ሃገራዊ ትካል ክታበት …

Read More »

ጋንታ ኣትለቲክስ ሽወደን ብምኽንያት ኮቪድ ተሰናኺላ።

ጋንታ ኣትለቲክስ ሽወደን፡ ኣብቲ ኣብ ዩጂን-ኦሬገን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ዝጀመረ ሻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም፡ መሰናኽል ከም ዘጋጠማ ተገሊጹ። እቲ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣሰልጣኒ ማራቶን እታ ጋንታ ክርስትያን ሙንት፡ ብኮቪድ ብምልካፉ እያ እታ ጋንታ መኻልፍ ኣጋጢምዋ ዘሎ ተባሂሉ’ሎ። “እዚ ሓማቕ ዜና እዩ፡ እቲ ሕማም ካብዚ ንላዕሊ ኣስፋሕፊሑ ከይህሉ ተስፋ እገብር” ክትብል ኣሰልጣኒት እታ ጋንታ ካሻ በርክቪስት ገሊጻ’ላ።.

Read More »

ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ብዛዕባ ታሪኹ ጸብጻብ ከቕርብ እዩ።

ኣብ 1980ታት፡ ንሰልፊ ዴሞክራሲ ዝመስረቱ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሽወደን፡ ካብ ሕሉፍ የማናውያን ባእታታት ዝመጹ ዓሌታውያንን ናዚስታውያንን እዮም ኔሮም፡ ክብል እቲ ሰልፊ ን ታሪኹ ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ ቀዳማይ ክፋል ሰነዳዊ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። እዚ ሰልፊ፡ ካብቲ “ሽወደን ንሽወደናውያን” ዝብል ጭርሖ ዘጋውሕ ዝነበረ ሕሉፍ የማናዊ ምምጽኡን፡ ቀንዲ መለለዪኡ እዚ ዓሌታዊ ጭርሖ ምንባሩን፡ ነዚ ጸብጻብ ዘዳለወ ተመራማሪ ታሪኽ ቶኒ ጉስታፍሰን ገሊጹ። ነዚ ሰልፊ ዝመስረቱ …

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ዛጊት 1.3 ቢልዮን ክሮና ይኸስር።

ብምኽንያት ኣድማ ሰራሕተኛታት; መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (SAS) ዛጊት ናይ 1.3 ቢልዮን ክሮና ክሳራ ከም ዘጋጠሞ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። ዛጊት; ልዕሊ 2,550 በረራታት ክስረዙ እንከለዉ; በዚ ድማ ልዕሊ 270,000 ገያሾ ብኣሉታ ከም እተጸልዉ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ትማል ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ሰራሕተኛታት  መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣድማ፡ መዓልታዊ ናይ 100-130 ሚልዮን ክሮና ሽወደን ክሳራ የስዕብ …

Read More »

ኤርና ሶልበርግ መጽሓፍ ከተሕትም እያ።

ኤርና ሶልበርግ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት እተሕትማ መጽሓፍ ትጽሕፍ ኣላ። ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ዝያዳ ሰባት ብኸመይ ክጽንበሩ ይኽእሉ ዝብል ኣርእሰተ ነገር ቀንዲ ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ንሕና ብዕድመ እናደፋእና ንመጽእ ምህላውና ጽብቕ እዩ፡ እንተኾነ ግና እዚ ኣዝዩ በዳሂ እዩ ክኸውን፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣብ ኖርወይ ዕድመ ናይቶም ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ሰባት እናተሸምረረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። እዚ ብድሆ፡ ምስ ገንዘብ ዘይኮነ ምስ ጡረታ …

Read More »

ዝቕባበ ሽወደን ናብ ዝለዓለ መጠን ይድይብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ መጠን ዝቕባበ ሽወደን መሊሱ ወሲኹ ናብ 8.5% ምድያቡ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፋ 30 ዓመታት ካብ እተራእዩ መጠን ዝቕባበታት፡ እቲ ዝለዓለ እዩ–ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን። ምኽንያት ናይዚ ልዑል ዝቕባበ፡ ምውሳኽ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ፡ ነዳዲን መግቢን እዮም ተባሂሉ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ሽወደን፡ ዝቕጽል ውጥን ንምስላጥ፡ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ክራኸብ እዩ–ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን።  

Read More »

ኢራናዊ እሱራት ፖለቲካ ብምርሻኑ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ሓሚድ ኑሪ ዝተባህለ ኢራናዊ ዜጋ፡ ኣብ ሃገሩ እናሃለወ እሱራት ፖለቲካ ብግፍዒ ብምርሻኑ፡ ወረዳ ስቶክሆልም ንናይ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ከም ዝፈረዶ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ኢራናዊ ገበነኛ፡ ኣብ 1980ታት እዩ ነዚ ገበን ፈጺምዎ። በዚ ድማ ብቕትለትን ምጥሓስ ኣህጒራዊ ሕጊን ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ’ሎ። ኣብ 1988 ኣብ ኢራን ኣብ 32 ከተማታት ክሳብ 5000 ሰባት ብጅምላ ብግፍዒ ከም እተረሸኑ ትካል “ህዩማን ራይትስ ዋች” ኣብ ዘውጽኦ …

Read More »

ኖርወይ፡ ስደተኛታት መንእሰያት ንግብረ-ሰዶማዊ ርክባት ከም ዘይድግፉ ተገሊጹ።

ሓደ ርብዒ ካብቶም ቀዳማይን ካልኣይን ወለዶ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጡ ስደተኛታት፡ ብዛዕባ ግብረሰዶማዊ ጾታዊ ርክብ ኣሉታዊ ርእይቶ ከም ዘለዎም፡ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ወለዲ እዞም ስደተኛታት መንእሰያት ዝመጹለን ሃገራት፡ ኣብዚ ጒዳይ ጽልዋ ከም ዘለዎም ተመራማሪት FAFO ኤሪካ ብራኔን ስቲሪ ገሊጻ’ላ። ወለዶም ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ምዕራብ ኤስያ፡ ከምኡውን ኣፍሪቃ ካብ ዝኾኑ እቶም ኣስታት 25% ዝኾኑ መንእስያት፡ “ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት ጾታዊ ርክብ …

Read More »

ሎሚ ምሸት ኖርዌጃውያን ንምድሪ ዝቐረበት ዓባይ ወርሒ ክርእዩ እዮም።

ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ናብ ምድሪ ዝቐረበትን ካብቲ ንቡር ቊሩብ እትገዝፍን ምልእቲ ወርሒ ከም እትረአ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ምሸት ኖርዌጃውያን ኣብዛ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ ምልእቲን ዕብይ ዝበለትን ወርሒ ኣብ ሰማያት ክርእዩ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እታ ሎም ምሸት እትረአ ወርሒ፡ ካብታ ንብርቲ ብ 7% እትዓቢ ከም እትከውን ድምቀታ እውን ከም ዝውስኽን “ኢላስትሬትስ ሳየንስ” ዝተባህለ መጽሔት ገሊጹ’ሎ። ወርሒ ናብ ፕላኔትና ኣብ ዝቐረበ ኦርቢት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com