Friday , May 3 2024

ቊጽሪ ኣሞራታት ፐረግሪን ብ 40% ኣንቈልቊሉ።

ቊጽሪ ኣሞራታት ፒረግረን ብዘሰንብድ ኣገባብ ካብቲ ናይ ዓሚ ብ 40% ምጒዳሉን ናይዚ ምኽንያት ድማ ሕማም ሰኦኣል ኣዕዋፍ ክከውን ከም ዝኽእልን ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቆጸራ እዞም ኣዕዋፍ ከም ዝካየድን ኣብዚ ዓመት ዝተረኽበ ኣሃዝ ብዘሰንብድ ኲነት ኣዝዩ ኣንቈልቊሉ ከም እተረኽበን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ኲነታት ጥዕና ኣዕዋፍ ንምምርማር መታን ክከኣል፡ ኣብ ጎደና ዝሞቱ ኣዕዋፍ ዝረኸበ ኲሉ፡ ናብ ሃገራዊ ትካል ክታበት ከረክብ፡ ኣብ ማሕበር ኣዕዋፍ ኖርቦተን ክኢላ ኣኦዋፍ በርት-ኦቭሊንድስትሮም ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com