Friday , May 3 2024

ሽወደን፡ 220-ሜትሮ ዝቚመቱ ናይ ንፋስ ተርባይን ወዲቑ።

ካብ ሳንድቫል ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ጸዓት ንፋስ ቪክሾ፡ ተተኺሉ ዝነበረ 220 ሜትሮ ዝንውሓቱ ናይ ንፋስ ተርባይን፡ ዝሓለፈ ቀዳም ወዲቑ ከም እተሓምሸሸ ተፈሊጡ።

በዚ ሓደጋ ዘጎድአ ሰብ የለን። እንተኾነ ግና፡ ጒጅለ ክኢላታት ምኽንያት እዚ ሓደጋ ክሳብ ዘጻርዩ፡ እዚ ሕርሻ ጸዓት ንፋስ ተዓጽዩ ክጸንሕ እዩ—ክትብል ማዕከን ዜና SVT ጸብጺባ’ላ። እዚ ምውዳቕ ብምኽንያት ካብቲ ተርባይን ዝዘረቘ ዘይቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝበለ እቲ ዜና፡ ሰባት ካብቲ ቦታ ክርሕቁ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። መርመራ ምውዳቕ እዚ ተርባይን ሎሚ ሰኑይ ክጅመር እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com