Thursday , May 2 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ “እወ” ዝብል ድጋፉ ሂቡ።

ትማል ሰንበት፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ “እወ” ዝብል ድጋፉ ብምሃብ፡ ታሪኻዊ እዩ ዝተባህለሉ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ። ድሕሪ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ናይ ምዃን መርገጺኣ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ምዃና፡ ከተፍልጥ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ። እዚ ኣብ ኣኼባ ቦርድ ሰልፊ ዝተበጽሐ ውሳነ፡ እቲ ሰልፊ ንዓሰርተታት ዓመታት ሕዝዎ ዝጸንሐ መርገጺ ዝቐየረ ኮይኑ፡ ሽወደን ኣባልነት ኔቶ ንኽትሓትት መንገዲ ዝጸረገ ውሳነ …

Read More »

ሱልበሪ፡ “ኖርወይ ንድሕነት ፊንላንድ ኣበርክቶ ክትገብር ኣለዋ”

ኔቶ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ተጻብኦን ወራርን ሩስያ እዩ፡ ክትብል ኤርና ሱልበሪ ትማል ሓሙስ ገሊጻ። ክሳብ ክልቲአን ሃገራት፡ ብወግዒ ናብቲ ወተሃደራዊ ሽርክነት ዝጽንበራ፡ ኖርወይ ን ፊንላንድ ድሕነታዊ ኣበርክቶኣ ከተዕዝዝ ይግባኣ እዩ ክትብል ተላብያ። “ፊንላንድ፡ ሕጂ ናብ ኔቶ ክትጽንበር እትደልየሉ ዘላ ምኽንያት፡ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ሩስያ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ተግባራታ፡ NATO ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ንኸስፋሕፍሕ ምኽንያት …

Read More »

ሽወደንን ብሪጣንያን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘጠቓልል ስምምዕ ከቲመን።

ሽወድንን ብሪጣንያን፡ ሓዲአን መጥቃዕቲ ምስ ዝወርዳ እታ ኻልእ ሓገዝ ከተበርክት፡ ዝብል ውዕል ዘጠቓልል ስምምዓት ትማል ረቡዕ ክቲመን ተባሂሉ። እዚ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል፡ ሽወደን ናብ ኪዳን ስሜን ኣትላንቲክ ክትጽንበር ትወስን ኣይትሰውን ብዘየገድስ፡ ኣብ ትግባረ ክውዕል ምዃኑ፡ ቀዳሞት ሚኒስተራት እተን ሃገራት ገሊጾም ኣለዉ። “ሽወደንን ብሪጣንያን፡ ኲናት ወይ ኣዕናዊ ኲነታት ምስ ዝገጥመን፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን ኣለዋ” ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣብሪሃ’ላ።

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኖርወይ 40.1 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ሂባ። –ሶርያ ዝለዓለ መጠን እዚ ረድኤት ተቐቢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኖርወይ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት 40.1 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ሂባ። ሶርያ ብተኸታታሊ ንሻድሻይ ግዜ ዝለዓለ መጠን እዚ ረድኤት ተቐቢላ ተባሂሉ። እዚ መጠን ረድኤት ምስ ናይ ዓመተ 2020 እንክወዳደር ናይ 600 ሚልዮን ክሮና ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። 50% ካብዚ ረድኤት (ኣስታት 20 ቢልዮን ክሮና ኣቢሉ) ብ Norad ዝተዋህበ ኮይኑ፡ 32% (13 ቢልዮን ክሮና) ኣብ ኦስሎ ካብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ፡ ዝተረፈ መጠን ድማ …

Read More »

ዝበዝሑ ፊንላንዳውያን ናብ ኔቶ ምጽንባር ይድግፉ እዮም ተባሂሉ።

76% ካብ ህዝቢ ፊንላንድ፡ ሃገሮም ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ NATO ክትከውን ከም ዝድግፉ፡ ን Yle ወኪሉ ዝተገብረ ሓደ ሳየንሳዊ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ካብቶም ኣብዚ ዳህሳስ ሕቶ ዝቐረበሎም ሰባት፡ እቶም 12% ጥራይ ነዚ ተቓዊሞም ኣለዉ። ብፍላይ ድሕሪ ቃልዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሉ ዩክሬይን፡ ፊንላንድ ናብ NATO ንምጽንባር ሕቶ ከተእቱ ኣለዋ ዝብሉ ዜጋታት፡ ቊጽሮም ብናህሪ ምውሳኹ ተገሊጹ’ሎ። ቅድሚ 24 ለካቲት ዝጀመረ ወራር ሩስያ፡ ናብ ኔቶ …

Read More »

ሓደ ሚኒስተር፥ “ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ እንተኾይነን ሓይሊ ምክልኻል ኖርዲክ ክድንፍዕ እዩ”

“ሽወደንን ፊንላንድን፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ሽርክነት ኔቶ እንተኾይነን፡ ሓይሊ ምክልኻል ኖርዲክ ክድንፍዕ እዩ” ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ትማል ሰሉስ ን ሬድዮ ሽውደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ። ሚኒስተር ፒተር ሁልትክቪስት፡ ብዛዕባ ምጽንባር ኔቶ ተጠራጣሪ መርገጺ ሒዙ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ጒዳይ ኣባልነት፡ ሽወደን መርገጺኣ እተፍልጠሉ መዓልቲ ቀሪቡ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፡ ኣብ ሕጂ በጺሑ ድዩ ሓሳቡ ቀዪሩ፡ ክብል ንዝቐረበሉ ሕቶ ሁልትክቪስት ጎስዩዎ ሓሊፉ’ሎ። ንሽወደን ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ …

Read More »

ቦሪስ ጆንሰን ሎሚ ረቡዕ ናብ ሽወደን ክበጽሕ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ምስ ሽወደናዊት መዘናኡ ማግዳሌና ኣንደርሾን ንምርኻብ፡ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሽወድን ክኣቱ እዩ ተባሂሉ። ድሕሪ’ዚ ቦሪስ ጆንሰን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ንምርኻብ፡ ናብ ሄልስንኪ ክብገስ እዩ። እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ኣሰካፊ ድሕነታዊ ጒዳያት፡ ከምኡ’ውን ክልተኣዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ኣመልኪቶም ክዛተዩ እዮም ክብል ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ’ሎ። ክልቲኣቶም መራሕቲ፡ ድሕሪ ናይ ምሳሕ እንግዶት፡ ኣብ ሃርፕሱንድ ጋዜጣዊ ዋዕላ ክህቡ እዮም–ብመሰረት …

Read More »

“ምስላም ኖርወይ ደው ይበል” ዝተባህለ ውድብ ክምርመር ጻውዒት ቀሪቡ።

“ምስላም ኖርወይ ደው ይበል” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ (SIAN)፡ መርመራ ኽግበረሉ፡ ብርክት ዝበሉ ማሕበራዊ ስነፍልጠታውያን፡ ፖለቲከኛታት ከምኡ’ውን ወሃብቲ ህዝባዊ ርእይቶ ጻውዒት ኣቕሪቦም ተባሂሉ። እዞም ከተምቲ፡ ዳይረክተር ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ ኖርወይ፡ ንንጥፈታትን መግለጺታትን እዚ ጎነጻዊ ዝበልዎ ውድብ ውድብ ክምርምሮ ሓቲቶም ኣለዉ። “እዚ ውድብ፡ ተግባራቱ ነዚ ሕጂ ዝጎሃሃር ዘሎ ገበናት ምኽንያት ይኾኑ ስለ ዘለዉ፡ ብደረጃ ሃገር መርመራ ክግበረሉ ከም ዝግባእ፡ ኣብ ጒዳይ ጥሩፋት ጒጅለታት …

Read More »

ስደተኛታት ዩክሬይን ብድሆታት ኣባይቲ ይገጥሞም ኣሎ ተባሂሉ።

ምስ ወለንተኛታት ኣጸጋዕቲ ዝቕመጡ ገለ ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ኣባይቲ ናይ ምርካብ ብድሆ ኣጋጢምዎም ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ እዋን ነዊሕ ናይ ምህሮ ዕረፍቲ እዞም መጸጋዕቲ ናብ ቤቶም ክምለሱ ስለ ዝኾኑ፡ ወቕቲ ሳመር ነቶም ሓደስቲ ኣባይቲ ዝደልዩ ስደተኛታት ዩክሬይን ኣሸጋሪ ናይ ምጽባይ ግዜ ክኸውን እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እታ ሬድዮ ናታልያ ንዝተባህለት፡ ኣብ ዕረፍቲ ግዜኣ እትሰርሕን ደቃ እተምህርን ዩክሬናዊት ኣዘራሪባ ኣብ ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ስደተኛታት ዩክሬይን ኣብ …

Read More »

CIA: ሩስያ ናይ ኑክሌር መጥቃዕቲ ክትገብር ምዃና ዘርኢ ምልክታት የለን።

ሩስያ፡ ኣብ ዩክሬይን ኣብ እትገብሮ ዘላ ኲናት፡ ኣጽዋራት ኑክሌር ክትጥቀም ብዛዕባ ምዃና ዝኾነ ምልክታት የለን፡ ክብል ኤጀንሲ ስለያ ኣመሪካ CIA ገሊጹ። “ንሕና፡ ማሕበረኮም ስለያ፡ ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ኣብ እትገብሮ ዘላ ኲናት፡ ኣጽዋራት ኑክሌር ክትጥቀም ብዛዕባ ምዃና ዝኾነ ምልክታት ኣይረኸብናን” ክብል ዋና ጸሓፊ እቲ ኤጀንሲ፡ ቢል በርንስ ብ ቐዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሩስያ ን ዩክሬይን ድሕሪ ምውራራ፡ ኣጋጢምዋ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ኑክሌራዊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com