Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ኖርወይ፡ ምብራቕ ፊንማርክ (Finnmark) ባዶ ከይተርፍ ስግኣት የንጸላልዎ።

ምብራቕ ፊንማርክ(Finnmark)፡ ብዘይ ሰብ ከይተርፍ ዓብዪ ስግኣት ኣንጸላልይዎ ምህላዉ ብምምልካት፡ ሓንቲ ኮሚተ ኣብዚ ዞባ ትሑት ቀረጽ፡ ነዊሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜን ዝወሓደ ናይ በረራ ዋጋን ክተኣታቶ ዝብል እማመ ምቕራባ ተገሊጹ። መራሒ ቆንስል ምብራቕ ፊንማርክን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ቫድሶን ቬንች ፒደርሸን፡ እዚ ቦታ ከም መፈተንታ ጥቕሉሉ መፍትሒታት ጌርካ ክረአ ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ፡ መንግስቲ ረብሓታት ቆልዑ ብዕጽፊ ብምውሳኽ፡ ናጻ ናይ ቆልዑ ክንክን ብምቛም፡ ከምኡ’ውን ዝሓሰረ ናይ …

Read More »

ባይቶ ኖርወይ ንወነንቲ ኣኻልብ ተሪር መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ።

ኖርዌጃውያን ወነንቲ ኣኻልብ፡ ጽንክር ዝበለ ሕጊታት ክስዕቡ ዝድንግግ እማመ ክሓልፍ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ሽወደን (ስቶርቲንግ) ዝሓለፈ ረቡዕ ምስምማዖም፡ ኖርወይ ቱደይ ኣመልኪታ። ብመሰረት እቲ እማመ፡ ወንነቲ ኣኻልብ ከልቦም ሰባት፡ እንስሳታት፡ ንብረት ወይ ካልእ ነገራት ከይጐድእ ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ NRK ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ወንነቲ ኣኻልብ፡ እቲ እንስሳ ዘድልዮ ረቛሒታትን ስልጠናን ምምላኦም ርግጸኛታት ክኾኑ ከድልዮም እዩ ተባሂሉ። እዚ እማመ ባይቶ ክሳብ ግንቦት 24 ክዛዘም …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ሽወደን ብዝሒ ዘለዎ ዕጸ ፋርስ ሒዛ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ ሽወደን ብዝሒ ዘለዎ ሓሽሽ ምስ ናርኮቲክ ምትእስሳር ዘለዎም መድሃኒታትን ካልኦትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም፡ ሬድዮ ሽወደን ካብ ፖሊስ እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ብምጥቃስ ሓቢራ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ ክሳብ 23 ኲንታል ሓሽሽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። እዚ ምስ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ናይ 14 ቶን ኣሃዝ እንክነጻጸር፡ ዘገርም ወሰኽ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ እዋን ለበዳ ዝነበረ ናይ ምንቅስቓስ …

Read More »

ዔርዶጋን ን ሽወደን ክቃወም ዝደረኾ ውሽጣዊ ፖለቲካ ሃገሩ እዩ ተባሂሉ።

ቱርኪ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰላ ተጠቒማ ክትቃወም ምዃና ምጥንቃቓ ብመቓን ውሽጣዊ ፖሊስ እታሃገር ክረአ ከም ዝግብኦ ሓንቲ ተመራማሪት ገሊጻ። ብምኽንያት ቊጠባዊ ቅልውላው ፕረሲደንት ቱርኪ ጠይብ ዔርዶጋን ኣብ ህዝቢ ዝጸንሖ ተቐባነት እናንቈልቈለ ክመጽእ ምስ ምጽንሑ ንሱ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ እዩ ዝጽዕር ዘሎ ክትብል ኣብ ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን እትሰርሕ ቢት ሃማራገን  ገሊጻ’ላ። ቀዳመይቲ …

Read More »

ሽግር ኣባይቲ ሽወደን ሕጂ’ውን ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ።

ልዕዒ ክልተ ሲሶ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝለወን፡ ብፍላይ ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ኣባይቲ ንምርካብ ከም ዝሽገሩ፡ ሃገራዊ ቦርድ ኣባይቲ ውጥንን ህንጻን ሽወደን ኣብ ቀረባ ኣዋን ዘሳለጦ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብ ቦርድ ምምሕዳር Västra Götaland ሰራሕተኛ ክፍሊ ኣሃዱ ስደተኛታትን ምውህሃድን፡ ከምኡ’ውን ኣካያዲት ናይቲ ኣብ ምድላይ ኣባይቲ ምኽሪ ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነት፡ ፒያ ሰቨሪንሰን ቃለ ምሐትት ኣካዪዳ …

Read More »

ሓድሽ ሕጊታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መፍረ እንቋቚሖ ኖርወይ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ተባሂሉ።

ፍርያት እንቋቚሖ ኖርወይ፡ እንተነውሐ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ጥራይ ክሽየጡ፡ ብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ተወሲኑ። ኣቐዲሙ እዞም ፍርያት፡ ክሳብ 35 መዓልታት ኣብ ስካፋለ ክጸንሑ ይፍቀደሎም ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። “ሃገራት ደቡብ ኣውሮጳ ናይ መግቢ ውሕስነትን ንኽረጋገጽ ሕርሻዊ ፍርያት ኖርወይ መስዋእቲ ክኸፍል የብሉን። ንብርክት ዝበላ ዓመታት፡ ኖርዌጃውያን ዓማዊልና ሳልሞኔላ ዘይብሉ እንቋቖሖ ክሽምቱ ኣብ ምግባር ተዓዊትና ኢና፡፡ ስለዚ ድማ፡ ካብዚ ሕጊታት ሕድገት ክግበረልና ይግባእ እዩ” ክብል፡ ትሪነ ቨግ …

Read More »

ሽወደንን ፊንላንድን ን ኣባልነት ኔቶ ሕቶአን ኣእትየን።

ትማሊ ረቡዕ፡ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ፡ ኣምባሳደራት ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ናይ ኣባልነት መመልከቲኦም ኣእትዮ ኣለዉ። ሽወደን፡ ናብዚ ወተሃደራዊ ጥምረት ብምምልካት፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ሒዛቶ ዝነበረት ናይ ዘይሻራነት ፖለቲካ ትገድፍ ብምህላዋ፡ እዚ ውሳነ ታሪኻዊ እዩ ተባሂልሉ’ሎ። ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሃንስ ስቶለተንበሪ፡ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኸየደ ጽንብል፡ “ንፊንላንድን ሽወደንን እንቋዕ ብደሓን መጻእክን ክብለን እደሊ” ኢሉ’ሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣምባሳደራት ሽወደንን ፊንላንድን፡ ሎሚ ናይ ኔቶ ኣባልነት ንምእታው …

Read More »

ኣባል ናይቶ ኖርወይ ነበር ሼሎግ ናኪም ኣብ መበል 81 ዕድሜኣ ዓሪፋ።

ንነዊሕ እዋን መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኮይና ዘገልገለት ኖርዌጃዊት ፖለቲከኛ ሼላግ ናኪም፡ ኣብ መበል 81 ዕድሜኣ፡ ብሰኑይ ዓሪፋ። ስድራቤታ፡ ብዛዕባ ሕልፈታ ምእዋጆም ጋዜጣ ሞስ ኣቪስ ጽሒፋ’ላ። ሼላግ፡ ከም ምክትል ወኪል ኮይና ከተገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1989 እያ ከም ቀዋሚት ወኪል ኡስፎልድ ኦይር ኮይና፡ ናብ ባይቶ ኖርወይ (ስቶርቲንግ) ተመሪጻ። ንሰለስተ ተኸታታሊ ግዜያት ድማ፡ ክሳብ 2001 ኣገልጊላ’ያ። ካብ 1976 ክሳብ 1987 ኣብ ቆንስል ሞስ ሲቲ፡ ካብ 1984 …

Read More »

ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ “እወ” ዝብል ድጋፉ ሂቡ።

ትማል ሰንበት፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ “እወ” ዝብል ድጋፉ ብምሃብ፡ ታሪኻዊ እዩ ዝተባህለሉ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ። ድሕሪ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ናይ ምዃን መርገጺኣ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ምዃና፡ ከተፍልጥ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ። እዚ ኣብ ኣኼባ ቦርድ ሰልፊ ዝተበጽሐ ውሳነ፡ እቲ ሰልፊ ንዓሰርተታት ዓመታት ሕዝዎ ዝጸንሐ መርገጺ ዝቐየረ ኮይኑ፡ ሽወደን ኣባልነት ኔቶ ንኽትሓትት መንገዲ ዝጸረገ ውሳነ …

Read More »

ሱልበሪ፡ “ኖርወይ ንድሕነት ፊንላንድ ኣበርክቶ ክትገብር ኣለዋ”

ኔቶ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ተጻብኦን ወራርን ሩስያ እዩ፡ ክትብል ኤርና ሱልበሪ ትማል ሓሙስ ገሊጻ። ክሳብ ክልቲአን ሃገራት፡ ብወግዒ ናብቲ ወተሃደራዊ ሽርክነት ዝጽንበራ፡ ኖርወይ ን ፊንላንድ ድሕነታዊ ኣበርክቶኣ ከተዕዝዝ ይግባኣ እዩ ክትብል ተላብያ። “ፊንላንድ፡ ሕጂ ናብ ኔቶ ክትጽንበር እትደልየሉ ዘላ ምኽንያት፡ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ሩስያ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ተግባራታ፡ NATO ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ንኸስፋሕፍሕ ምኽንያት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com