Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ቤተመዘክር ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ምስክርነታት ከአንግድ እዩ።

ካብ ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ካብ ብሱል ጥረ ዝደሓነን ኣብ 1948 ናብ ሽወደን ዝኣተወን ቶብያስ ራወት፡ ብዲጂታላዊ መልክዕ ገዛእ ርእሱ ሕቶታት ህጻናት ክምልስ እዩ ተባሂሉ። እዚ ብኦንላይን ዝግበር ምርኢት፡ ካብ መላእ ኣውሮጳ ኣብ ሽወደን ንፈለማ እዋን ዝኽፈት ዘሎ ሓድሽ ቤተመዘክር ጅምላዊ ህልቂት ኣይሁድ እዩ። ናይቲ ቤተመዘክር ሓላፊት፡ ካትሪና ሆትማን እዚ ሓድሽ ቤተመዘክር ንምኽፋት ሓድሽ ሓለፍነት ዘሰክም እዩ ተባሂሉ።

Read More »

ማክያሪኒ ተፈሪዱ።

ክኢላ ኦፐሬሽን ጎረሮ ፓውሎ ማክያሪኒ፡ ኣብ ሰባት ኣካላዊ ጒዳት ብምውራዱ፡ ትማል ሓሙስ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሶልና ውሳነ ፍርዲ ከም ዝሃቦ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።. ንሱ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ትካል ካሮሊንክሳ ስቶክሆልም ምልዋጥ ኣካሊት ጒርጒም ኣብ ዘካይደለን ዝነበረለን ሰለስተ ስርሒታት፡ ኣካላዊ ጒድኣት ብምውራዱ እዩ ተኸሲሱ ጸኒሑ። ሰለስቲኦም ሕሙማት፡ ጸኒሖም በቲ ጒድኣት ከም ዝሞቱ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ማክያሪኒ ግና ሞቶም ምስቲ ዘካየድዎ ሕክምና …

Read More »

ማላላ ናብ ኦስሎ ክትበጽሕ እያ።

ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ማላላ ዩሳፍዚ ምስ ዋና ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ሄንሪክ ትዩን ሓዊስካ ፍሉይ ፖለቲካዊ ርክብ ንምግባር ናብ ኖርወይ ክትኣቱ እያ።. ማላላ ዩሳፍዚ ኣብ መበል 17 ዕድሜኣ ኣብ 2014 ዝነኣሰት ተዓዋቲት ሽልማት ምዃና ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት ፖለቲከኛ ዓቃባዊ ሰልፊ ኣሚር ሼኽ ዝገበረላ ዕድመ ማላላ ምስ በዓልቤታ ናብ ኖርወይ ክትኣቱ እያ። ብርክት ዝበሉ ፖለቲከኛታት ኖርወይ ክትረክብ ምዃና እውን NTB ጸብጺቡ’ሎ። “ምስ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ መስተ ብዝተኣሳሰር 371 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።

ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ኖርወይ ዝኽሰት ምስ መስተ ዝተሓሓዝ ምፕት ንክውስኽ ምኽንያት ምዃኑ ተገሊጹ።  ኣብ 2020 ከምኡ’ውን 2021፡ ብጠቕላላ ኣብ ኖርወይ 758 ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዝተተሓሓዘ ሞት ከም ዘጋጠመ፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2018 ከምኡ’ውን 2019 ምስ ዘጋጠመ መጠነ ሞት (650) እንክወዳደር ወሰኽ ምርኣዩ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። ዓሚ ጥራይ፡ 371 ምስ ኣልኮላዊ መስተ እተተሓሓዙ ሕማማት ምምዝጋቦም፡ ካብ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ እተረኽቡ ኣሃዛት የመልክቱ። ኣብ ትካል …

Read More »

ምምሕዳራት ከተማ ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ይዳለዋ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሳምንታት፡ ምምሕዳራት ከተማታት ሽወደን ን ዩክሬናውያን ስደተኛታት ኣባይቲ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ክወሃቦም፡ ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ከተማ ክንደይ ክቕበሉ ምዃኖምን ብፍሉይ ቀመር ክዳሎ ምዃኑ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና፡ እዘን ምምሕዳራት ከተማ ነዞም ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣባይቲ ዘይረኸቡ፡ እንታይ ክቕርባ ከም ዝግብአን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከም ዘይብለን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። መንግስቲ እንታይ ሓላፍነት ኣብ እንግድዐአን ወዲቑ ምህላዉ ዝርዝር ዝበለ ሓበሬታ ስለዘይሃበን፡ ምምሕዳራት ቅሬታ …

Read More »

ፓይሎታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ኣድማ ከካይዱ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።

ፓይሎታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (SAS)፡ ካብ ሰነ 29 ኣትሒዞም ኣድማ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ። በዚ ኣድማ 250 መገሻታት፡ መዓልታዊ ድማ 45,000 ተጓዓዝቲ ክጽለዉ ይኽእሉ እዮም። መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ፋይናንሳዊ ሽግራት የጋጥሞ ምህላዉ፡ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ርብዒ ዓመት ጸብጻቡ ድማ ናይ 1.6 ቢልዮን ክሮና ክሳራ ከም ዘጋጠሞ ገሊጹ’ሎ። ምስቲ መንገዲ ኣየር ዝግበር ሓድሽ ሓባራዊ ስምምዕ ምፍራሱ ካብ ማሕበር ፓይሎታት ሽወደን ማርቲን ሊንድግረን ይገልጽ። መንገዲ ኣየር …

Read More »

ኖርወይ፡ ካብ ለካቲት 25 ንደሓር ዛጊት 18,035 ሓተትቲ ዕቚባ ዩክሬናውያን ተመዝጊቦም።

ዝሓለፈ ሰሉስ ብጠቕላላ 135 ሓደስቲ ዩክሬናውያን ሓተትቲ ዕቚባ ናብ ኖርወይ ምእታዎም ተፈሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 455 ሓደስቲ ዩክሬናውያን ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ኖርወይ ከም እተመዝገቡ ኖርወት ቱደይ ዘኪራ’ላ። ብሰንበትን ሰኑይን ድማ 16 ን 29 ን ሓደስቲ ኣመልከትቲ ዕቚባ ዩክሬይን ተመዝግቦም ኣለዉ-ብመሰረት እታ መርበብ ሓበሬታ። ካብ ለካቲት 25 ኣትሒዙ ዘሎ ሓፈሻዊ ገምጋም ሰደተኛታት ዩክሬይን ዘቕረበ ዳይረክቶሬይት ስደተኛታት ኖርወይ (UDI)፡ ዛጊት 18,035 ሓተትቲ ዕቚባ ዩክሬናውያን ተመዝጊቦም ምህላዎም …

Read More »

ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጸንከረ እገዳታት ክትጽዕን ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

መራሒት ሰልፊ ሊበራል ጉሪ ሜልቢ፡ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጸንከረ እገዳታት ክትጽዕን ከም ዝግባእ ድሕሪ ምምልካት፡ ዛጊት እቲ መንግስቲ ብዘይካ ምእጋድ ወደብ ካልእ ምንም ወስታ ኣገዳ ብዘይ ምግባሩ ነቒፋ። ኣብ ምጅማር ወርሒ ግንቦት፡ እዚ ምእጋድ ወደብ ንመራኽብ ሩስያ ኣብ ትግባረ ከም ዝወዓለ ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት እዚ እገዳ፡ መራኽብ ሩስያ ብምኽንያት እቲ ሃገረን ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር፡ ኣብ ወደባት …

Read More »

ዴንማርክ፡ ልዕሊ 200 ዩክሬናውያን ስራሕ ረኺቦም።

203 ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ብመሰረት ዝወጸ ፍሉይ ሕጊ፡ ስሉጥ ፍቓድ መንበሪ ድሕሪ ምርካቦም፡ ድሮ ስራሕ ምጅማሮም ካብ ዴንማርካዊ ኤጀንሲ ዕዳጋ ሽቕለትን ምቚጻር ስራሕን ዝተረኽበ ሓድሽ ዳታ ኣመልኪቱ። ኣብ ጆብኔት ዝተባህለ ስራሕ ንምርካብ ዝድልል መርበብ ሓበሬታ፡ 4800 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቓቕቶም (ሲቪኦም) ኣእትዮም እኳ እንተለዉ፡ ዛጊት 203 ጥራይ ስራሕ ምርካቦም፡ ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ገና ስራሕ ንምርካብ ይጋደሉ ምህላዎም ዘመልክት …

Read More »

ፖሊስ፡ ባርዕ ትራልሃታን ገበነኛታት ሕነ ንምፍዳይ ዘሳወርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ሽዱሽተ ከባቢታት ትሮልሃታን (ምዕራብ ሽወደን) እተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ኮነ ኢልካ እተሳወረ ክኸውን ይኽእል እዩ– ዝብል ጥርጣረታት ከም ዘለዎም፡ ፖሊስ ገሊጾም። ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ናይ መካይን መዐሸጊ፡ ሰብ ዘይሰፈሮም ኣባይቲ፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበላ መካይን በቲ ባርዕ ከም እተሃሞኻ፡ P4 Väst ገሊጻ’ላ። ኣብ ትራልሃታን፡ ኣብ ናይ ደቓይቕ ፍልልይ ብርክት ዝበለ ምስዋር ሓዊ ከም እተኸስተ፡ እዚ ድማ ባህርያዊ ዘይኮነስ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com