Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሽወደን ፊናልንድን ቱርኪን ኣብ ሰፋሕቲ ጒዳያት ምስምምዐን ተገሊጹ።

ሽወደን ፊንላንድን ቱርኪን ኣብቲ ኣብ ማድሪድ ስፔይን ዝተኻየደ ዋዕላ ኔቶ ስምምዕ ብምኽታመን፡ እዘን ክልተ ሃገራት ኖርዲክ ናብ ኔቶ ዘእተወኦ ናይ ኣባልነት ሕቶ ብስሉጥ ይኸይድ ምህላዉ ተገሊጹ። እዘን ክልተ ሃገራት፡ ቱርክ ግብረሽበራውያን ኢላ ንዝበየነቶም ውድባት ይድግፋ እየን ብዝብል፡ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ መሰላ ተጠቒማ እዘን ሃገራት ኣባላት ኔቶ ከይኮና ዓጊታ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሰለስቲአን ሃገራት ዝኸተማኦ ናይ ምርድዳእ ሰነድ፡ ንጒዳያት …

Read More »

ቱርኪ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላ።

ቱርክ፡ ፊንላንድን ሽወደንን ብቕድሚ ትማል ሰሉስ፡ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ምኽታመን ተፈሊጡ። ብመሰረት እዚ ምርድዳእ፡ ቱርክ ሃገራት ኖርዲክ ኣባላት ኔቶ ንከይኮና ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ድምጺ ብድምጺ ንይ ምውዳቕ መስርሕ ከተልዕሎ ተሰማሚዓ’ላ። እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ልዕሊ ግብረሽበራውያን ንዝግበር ቃልሲ ሰደድ ኣጽዋርን ምትሕብባርን ዘጠቓልል ምዃኑ ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶለንበርግ ገሊጹ’ሎ። ምስ ቱርኪ ዝተገብረ ውዕል፡ ኣብ ሽወደን ዘሎ ዴሞክራስያዊ መሰል ዝቕይር ከም ዘይከውን፡ ሚኒስተር …

Read More »

ዳይረክተር ባይቶ ኖርወይ ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ወሪዳ።

በዓልመዚ ምክልኻል ዳታ ኖርወይ፡ ን ባይቶ ኖርወይ ዘይቅርዑይ ድሕነት ቴክኖሎጂ ኮምፕዩተር ከም ዝጥቀም ብምሕባር ናይ 2 ሚልዮን ክሮና መቕጻዕቲ ድሕሪ ምብያኑ፡ ዳይረክተር ባይቶ ኖርወይ (ስቶሪንግ) ማርያን ኣንድርያሰን ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ወሪዳ’ላ። ኣብ ነሓሰ 2020፡ ኣብ ባይቶ ኖርወይ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም እተግበረን፡ ሩስያ ፈጻሚት እዚ ገበን ክትከውን ትኽእል እያ ተባሂሉ ምንባሩን ዝፍለጥ እዩ። ካብቲ እዋን ንደሓር፡ ኣብ ኣታሕዛ ዳታ ሸለልትነት ክረአ …

Read More »

ሽወደን ምስ ብራዚል ኣብ እተካይዶ ግጥም መሸጣ ቲኬት ክብረወሰን ይሕዝ።

ትማል ምሸት ሽወደን ምስ ብራዚል ኣብ ሃገራዊ ስታድዬም–ስቶክሆልም– ኣብ ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ፡ 34,000 ቲኬታት ከም እተሸጠ ሰደቓ ስፖርት ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ።. እዚ ኣብ ግጥም ደቀንስትዮ ኲዕሶ እግሪ ክብረወሰን ዝሓዘ ቊጽሪ መሸጣ ትኬት ክኸውን ከም ዝኽእል እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ኣብ 2019 ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ምስ ጀርመን ኣብ እተራኸበትሉ ኣህጒራዊ ግጥም 25,882 ቲኬታት ተሸይጡ ምንባሩ ጸብጻባት …

Read More »

ፌይስቡክ ተኣፋፊ ሓበሬታ ሰባት ከም ዘይሰትር ተኸሺሑ።

ሬድዮ ሽወደን ናይ ሓሶት ኦንላይን ቤተ መድሃኒት ብምፍጣር ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ፡ እዚ ገዚፍ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ተኣፋፊ ሓበሬታ ከም ዘይድምስስ ከተረጋግጽ ምኽኣላ ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና ፌይስቡክ፡ ተኣፋፊን ግላዊን ሓበሬታታት ሰባት ክድምስስ ብዝኽእል ኣገባብ ከም እተሃንጸን ምስ ሕክምና ወይ ጒዳይ ጾታዊ-ርክብ ዝተሓሓዝ ሓበሬታ ውልቀሰባት ብቕጽበት ከም ዝድምስስን እቲ ትካል ሓቢሩ። ይዂንምበር ፌይስቡክ ብቋንቋ ሽወደን ዝኣትዉ ሓበሬታታት ከጻሪ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ …

Read More »

ብዕሸሎም ኣሸገርቲ መግቢታት ዝጥዕሙ ካብ ኣለርጂ ከም ዝገላገሉ ተገሊጹ።

ዕሸላት ቆልዑ ካብ ሰለስተ ወርሖም ኣትሒዞም ጠስሚ ፉል፡ ጸባን እንቋቚሖን ከም ዝወስዱ ምግባር፡ ካብ ቊጠዐ ኣካላት (ኣለርጂ መግቢ) ክከላኸለሎም ከም ዝኽእል፡ ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ከምኡ’ውን ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ እተገብሩ መጽናዕቲታት ኣመልኪቶም። ዝርዝር እዚ መጽናዕቲ ኣብ ሳየንሳዊ መጽሄት ዘ ላንሴት ተሓቲሙ’ሎ። ብመስረት እዚ መጽናዕቲ፡ ሰለስተ ወርሒ ዝዕድሜኦም ዕሸላት ንሰለስተ ኣዋርሕ፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሳዕ ኣብ ሰሙን እዚ መግቢታት ብውሑድ መጠን ክወስዱ፡ ድሕሪኡ ኸኣ …

Read More »

ሽወደንን ፊንላንድን ምስ ፕረሲደንት ቱርኪ ክራኽባ እየን።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ እታ ሃገር እትኸዶ ዘላ መስርሕ ምጽንባር ኔቶ ኣመልኪታ ምስ ፕረሲደንታት ፊንላንድን ቱርኪን ንመጀመርታ እዋን ገጽ ንገጽ ክትራኸብ እያ ተባሂሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ቱርኪ ከም ኣባል ወተሃደራዊ ሽርከነት ሰሜን ኣትላንቲክ መጠን፡ ዘለዋ ናይ ድምጺ መሰል ተጠቒማ ንኣባልነት ሽወደንን ፊንላንድን ዓጊታ ብምህላዋ እዩ። ሰለስቲአን ሃገራት ቅድሚቲ ኣብ ማድሪድ ዝካየድ ጒባኤ ኔቶ ክራኸባ እየን ተባሂሉ’ሎ። እዚ እናኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ …

Read More »

ኖርወር፡ ሃሩር ሓድሽ ትርጒም ክወሃቦ እዩ።

ኣብዚ ሳመር፡ ኖርወይ ሓድሽ ትርጒም እንታይነት ማዕበላት ሃሩር ከተውጽእ እያ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ረቛሒ፡ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ሃሩር ግድነት ከም ማዕበል ሃሩር ኣይክምደብን እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ሃሩር ኣብ መጠን ሙቐት 28 ዲግሪ ሼልሴስ እዩ ተመዲቡ ጸኒሑ። ሕጂ ግና እዚ ክቕየር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ምደባ ሃሩር ዝበሃል ካብ 28 ዲግሪ ሼልሰስ ንላዕሊ ኮይኑ ንልዕሊ ሓሙሽተ መዓልታት ብተኸታታሊ  ዝጸንሕ እዩ። …

Read More »

ኣብ ሃርኖሳንድ ዘሎ ጒዳይ ሽቕለት ቀንዲ ዛዕባ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ከም ዝኸውን ተገሊጹ።

ዝመጽእ መስከረም ንዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ህዝቢ 290 ምምሕዳራት ከተማ ናብ ነቚጣታት መድመጺ ክኸይድ ዝድርኹ ብዙሓት ጒዳያት ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ሃርኖሳንድ፡ ጒዳይ ሽቕለት ነቶም ነበርቲ ኣብኣ ምንባር ንክቕጽሉ፡ ከምኡውን ሓደስቲ ሰፈርቲ ናብታ ቦታ ንኽመጹ ወሳኒ ረቛሒ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቆንስል እቲ ምምሕዳር እታ ከተማ፡ ዝሓለፈ ዓመት ሚልዮናት ክሮና ብምስላዕ ዝያዳ ሰባት ናብ ስራሕ ክዋፈሩ፡ ከምኡውን ናይ ነዊሕ እዋን ውጥን ልምዓት …

Read More »

ሓደ ፖለቲካዊ ስነፍልጠተኛ፡ ገለ ወግዒታት ባይቶ ዳግመ ግምት ክግበረሎም ኣለዎ።

ድምጺ ባጀት ጽድያ ኮነ ኢሎም ድሕሪ ምውዳቕ፡ ከምኡ’ውን ናይ ተቓወምቲ ሰልፊታት ናይ ምምሕያሽ ድምጺ ብምውዳቕ መንግስቲ ልዑል ጡረታ ዘለዎ ሓድሽ እማመ ባጀት ጽድያ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ከውጽእ እዩ ተባሂሉ። እዚ ኣብ ባይቶ እንድሕሪ ተዓዊቱ፡ ሕዳጣን መንግስቲ እተመሓድር ዘላ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግድሌና ኣንደርሾን ናይ ገዛእ ሰልፋ ባጀት እተካውነሉ ናይ ፈለማ ግዜ እዩ ክኸውን። ኣብ ባይቶ ዝነበረ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com