Friday , April 26 2024

ፌይስቡክ ተኣፋፊ ሓበሬታ ሰባት ከም ዘይሰትር ተኸሺሑ።

ሬድዮ ሽወደን ናይ ሓሶት ኦንላይን ቤተ መድሃኒት ብምፍጣር ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ፡ እዚ ገዚፍ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ተኣፋፊ ሓበሬታ ከም ዘይድምስስ ከተረጋግጽ ምኽኣላ ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና ፌይስቡክ፡ ተኣፋፊን ግላዊን ሓበሬታታት ሰባት ክድምስስ ብዝኽእል ኣገባብ ከም እተሃንጸን ምስ ሕክምና ወይ ጒዳይ ጾታዊ-ርክብ ዝተሓሓዝ ሓበሬታ ውልቀሰባት ብቕጽበት ከም ዝድምስስን እቲ ትካል ሓቢሩ።

ይዂንምበር ፌይስቡክ ብቋንቋ ሽወደን ዝኣትዉ ሓበሬታታት ከጻሪ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ እቲ ትካል ዛጊት መልሲ ኣይሃበሉን ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com