Friday , April 26 2024
Foto: Trond Reidar Teigen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኖርወር፡ ሃሩር ሓድሽ ትርጒም ክወሃቦ እዩ።

ኣብዚ ሳመር፡ ኖርወይ ሓድሽ ትርጒም እንታይነት ማዕበላት ሃሩር ከተውጽእ እያ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ረቛሒ፡ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ሃሩር ግድነት ከም ማዕበል ሃሩር ኣይክምደብን እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ሃሩር ኣብ መጠን ሙቐት 28 ዲግሪ ሼልሴስ እዩ ተመዲቡ ጸኒሑ። ሕጂ ግና እዚ ክቕየር እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ምደባ ሃሩር ዝበሃል ካብ 28 ዲግሪ ሼልሰስ ንላዕሊ ኮይኑ ንልዕሊ ሓሙሽተ መዓልታት ብተኸታታሊ  ዝጸንሕ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ እዋን ሃሩር ሙቐት ለይቲ ካብ 16 ዲግሪ ሼልሰስ ዘይውሕድ ክኸውን ኣለዎ– ብመሰረት ተመራማሪት ክሊማ ሄልጋ ተረሳ ቲሊ ታጀት ካብ ትካል ሜትሮሎጂ ኖርወይ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com