Friday , April 26 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ሓድሽ ሕጊታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መፍረ እንቋቚሖ ኖርወይ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ተባሂሉ።

ፍርያት እንቋቚሖ ኖርወይ፡ እንተነውሐ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ጥራይ ክሽየጡ፡ ብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ተወሲኑ። ኣቐዲሙ እዞም ፍርያት፡ ክሳብ 35 መዓልታት ኣብ ስካፋለ ክጸንሑ ይፍቀደሎም ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። “ሃገራት ደቡብ ኣውሮጳ ናይ መግቢ ውሕስነትን ንኽረጋገጽ ሕርሻዊ ፍርያት ኖርወይ መስዋእቲ ክኸፍል የብሉን። ንብርክት ዝበላ ዓመታት፡ ኖርዌጃውያን ዓማዊልና ሳልሞኔላ ዘይብሉ እንቋቖሖ ክሽምቱ ኣብ ምግባር ተዓዊትና ኢና፡፡ ስለዚ ድማ፡ ካብዚ ሕጊታት ሕድገት ክግበረልና ይግባእ እዩ” ክብል፡ ትሪነ ቨግ ካብ ናቱራ ን ጋዜጣ ኔሸን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። እዚ መምርሒታት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ እንድሕሪ ተግባራዊ ኮይኑ፡ ወጻኢታት መጓዕዝያ ዓመታዊ ብ 65 ሚልዮን ክሮና ክውስኽ እዩ ክብል ቫግ ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com