Thursday , May 16 2024

ስራሕን ቁጠባን

ብመሰረት ሓበሬታ ስካትቨርከት ሎሚ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ድጂታልዊ ፖስታ ሳጹን ኪቭራ እነዳልወሉ ዕለት ሙዃኑ ይሕብር።

ብመስረት ሓበሬታ በዓል መዚ ስካትቨርከት ዓመታዊ ግብሪ መንግስቲ ነወራርደሉ ካብ ዕለት 1 መጋቢት ዝጅሚር ብሙዃኑ ኩሉ ሰብ ብዝቐልጠፈ ግብሪ መንግስቲ መታን ክወራርድ ድጂታልዊ ፖስታ ሳጹን ማለት ኪቭራ ከዳልው ይሕብር። እዚ ካብ ኣፕሊከሸን ኣብ ሞባይላትና ነውርዶ ብ ሽም ኪቭራ ዝፍለጥ ኮይኑ ኩሉ ሰብ ኣብ ሞባይላቱ ወይ ኣብ ካልእ መሳለጥያ ዘዳልወሉ ዕለት ሎሚ ናይ ዕለት 27 ለካቲት ናይ መጨርሻ ግዜ ምዃኑ እዚ …

Read More »

ሲሶ ዝኾና ምምሕዳራት ከተማ ባጀት ማሕበራዊ ድሕነት ከጒድላ ምዃነን ተገሊጹ።

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ናይ ሎም ዓመት ባጀት ማሕበራዊ ድሕነት ክጒድል ምዃኑ ዳህሳስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ። ሓደ ካብ ሕምሲት ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ምጒዳል እዚ ባጀት ኣብ ዓይነት ማሕበራዊ ድሕነት ርኡይ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ እምንቶ ከም ዘለወን እቲ ዳህሳስ ኣመልኪቱ’ሎ። “ገለ ምምሕዳራት ከተማ እዚ ወጻኢታት ከቢዱወን እዩ ጸኒሑ” ክትብል ዋና ክኢላ ስነቚጠባ ኣኒካ ዋልስኮግ ሓቢራ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ እዘን ምምሕዳራት ከተማ …

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ናይ ኤለትሮኒክ ክሮና ባጤራ ኣገልግሎት ፈተነኡ ጌሩ።

ሽወደን ፋልመይቲ ናይ ዲጂታል ባንክ ኣገልግሎት ንምሃብ ቀዳማይ ፈተነኣ ጌራ’ላ። እዚ ፈተነ ዕዉት እንተኾይኑ ኣብ ክፍሊት ምዕቋርን ምውጻእን ባጤራ ብምውዓል ገንዘብ ካብ ማሕፉዳ ናብ ሞባይል ኣፕሊኬሽን ንምስግጋር ከም ዝቕጽል ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ማእከላይ ባንክ ብሪጣንያ ዩሮዞን ጃፓንን ስዊዘርላንድን ዲጂታል ባጤራ ተግባራዊ ንምግባር ይንቀሳቐሳ ምህላወንን ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ምንቊልቋል ካሽን ካብ ሊብራ ፌስቡክ ዝመጸ ሓያል ውድድርን ባንካታት ናብ ዲጂታላዊ ባጤራ ንኽዘዝዋ …

Read More »

ካብ ዓሰርተ ኲባንያታት እተን ሾብዓተ ብሕጽረት ቦታ ስራሕ ይስቐያ ኣለዋ ተባሂሉ።፡

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ሸሞንተ ሰብመዚ መንግስቲ 150 ዝተፈላለያ ከምኒ ኲባንያታት ህንጻ፥ ስነጽባቐን፡ መግቢን ጽገና ኣቕሑን ዝተሃንጻሉ ቦታን ድሕሪ ምምርማሮም እዮም ኣብ ከምዚ ዝበለ መደመደምታ በጺሖም ዘለዉ። ብመሰረት እቲ እዚ በዓልመዚ ኣከባቢ ዘውጽኦ መደምደምታ ሓደ ካብቲ ጠንቂ እዚ ኲነታት ግቡእ ውሕስነት ዘይህባ ማሺናት፥ ካብ ከይትወድቕ ውሕስነት ዘይህብ ብርኽ ዝበለ ስራሕን ካልእን ይርከብዎም። “ብሰንኪ ስራሕ ኣብ ሕደጋ ዝወድቕ ሰብ ክህሉ ፍጹም …

Read More »

መጠነ ዕብየት ህዝቢ ሽወደን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳኣንቆልቆለ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ካብ 2013 ጀሚሩ መጠነ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን እንዳኣንቖልቆለ ምምጽኡ ተገሊጹ። ብመስረት ዝወጸ ሓዱሽ ስታትስትክስ ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን ብመጠኑ እዃ እንተወስከ፣ ዓመታዊ መጠነ ዕብየት ግን ካብ 2013 ኣዝዮ ይጎድል ሙህላዊ ሰብ መዚ ይገልጹ። ብመስረት ማእከል ስታትስትክስ ሽወደን ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን 10,327,589 ክኸውን ከሎ ምስ ዝሓልፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ 97,404 ጥራይ ብምውሳኽ፣ ካብዚኦም ብዝሒ ደቂ ተባዕትዮ 53,376፣ …

Read More »

ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኮሮና ገለ ስራሓት ኣብ ሽወደን ይጠፍእ ምህላዉ ተገሊጹ።

ፕረሲደንት ንግዳዊ ቻምበር ስቶክሆልም ኣንድርያስ ሃትዚገርጊዩ ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ዕቤት ዕዳጋ ሽቕለትን ቊጠባን ኣሉታዊ ጽልዋ ከስፍን ተኽእሎ ከም ዘለዎን ኣጠንቂቑ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገብሮ ቃለመሕትት ምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ብዙሕ ስራሕ ንኽዕጾ ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ሽወደን እንተስ ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ብግሎባላዊ ምዕባለታት ተጸላዊት ሃገር እያ ድማ ኢሉ። ብዙሓት ኣህጒራዊ ንጥፈት ዘካይዱን ኣብ ሽወደን ጨናፍሮም፡ዝኸፈቱን ትካላት ድሮ …

Read More »

ብኣጠቓቕማ ኢንተርኔት ሽወደናውያን ኣብ ቅድሚት ይስርዑ።

ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ብዝሒ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ምስ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ብምውድዳር ካብ መላእ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሽወደናውያን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከም ዝስርዑ ካብ ዩርስታት ዝተረኽበ ናይ ዓመተ 2019 ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን ኣስታት 98% ካብ ሽወደናውያን ኢንተርኔት ተጠቂሞም። ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 87% ካብ ኣብ መላእ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝነብሩ ሰባት ኢንተርኔት ከምተጠቀሙን መብዛሕትኦም ድማ ኣብ …

Read More »

ሚኒስተር፡ ሽወደን ዓቢ ቁጽሪ ስደተኛታት ክትቅበል ኣይከተፍቅድን እያ።

ኣብ ዝቕጽል ዓመታት መንግስቲ ሽወደን ዓቢ ቁጽሪ ናይ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ከምዘይትቕበልን እቲ ዝዓበየ ኣድህቦ ናይ መንግስቲ ድማ ብኸመይ ኣገባብ እቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ስደተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ናይ ሽወደን ክወሃሃዱ ከምዝኽእሉ ምጽዓር ምዃኑ ሚኒስተር ምሕበራዊ ውሕስነት፡ ኣርዳላን ሺካራቢ፡ ምስ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ። ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ሽወደን ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ክትቅበል ምዃና እቲ ሚኒስተር ሓበሬታ ካብ ምሃብ …

Read More »

ኤርትራዊያን ተቐማጦ ምምሕዳር ኡፕቪዲንገ ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ምዕሩይነትን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ዞባ Kronoberg ምምሕዳር Uppvidinge ዝነብሩ ኤርትራዉያን ንኩነታት ስእነት ስራሕን ምዕሩይነትን ኣብቲ ምምሕዳር ብምቅዋም ድምጾም ኣስሚዑም፣ ንሳቶም ንዘሎ ማእከላይን ዝታሓተን ስራሕ ናይ ምርካብ ቅድመ ኩነት ኣማሊኦም እንዳሃለዉ ዕድላት ስራሕ ብዘይምርካቦም፣ ተጸበይቲ ክኾኑ ከምዝተገደዱ፣ እቲ ምምሕዳር ንጉዳዮም ኣቓልቦ ብዘይማሃቡን፣ ዘሎዎም መረረ ብሰላማዊ ሰልፊ ብምስናይ፣ ተቓዉሞኦም ናብ ፖለቲከኛታትን ኣማሓደርትን እቲ ምምሕዳር ከምዘቕረቡ ንምድላዉ ክፍሊ ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም። ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ …

Read More »

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ዋጋ ሪልእስቴት ገለ ምውሳኽ ከም ዘመዝገበ ተገሊጹ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዕዳጋ ኣባይቲ ሽወደን ሒደት ምውሳኽ ምርኣዩ ተገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ዝተፋነናያ ዓመት ምርግጋእ ኣርእዩ ምንባሩ ድማ ተዘኪሩ። ሪል እስቴት ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልምን ማልምን 2% ወሰኽ ዋጋ ከም ዘመዝገበ ድማ ናይ ወርሒ ጥሪ ጸብጻብ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ’ሎ። ወርሒ ጥሪ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ኣብ ድላላን ሸመታን ሪል እስቴት ናይ 10 ሚእታዊት ምጒዳል ከም ዘርኣየ፥ ብፍላይ ድማ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com