Friday , May 17 2024

ስራሕን ቁጠባን

Harmony Media መጽሄት 31 ጥሪ 2021

Read More »

Harmoy media News 29/ 01/ 2021

Read More »

ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ንክታበት ኣስትራ ዘኒካ ኣፍልጦ ሂብዎ

ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት (EMA)፡ ንፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝኾነ ክታበት፡ ኣፍልጦ ከምዝሃበን፡ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ከምዘፍቀደን ሓቢሩ ክብል ስቬኒስካ ዳግብላደት ንሓደ ኤውሮፓዊ ምንጪ ብምጥቃስ ኣመሓላሊፉ። ብምሉአን እተን ውዕል ዝተፈራረምናየን ኩባንያታት፡ ፍርያት ክታበተን፡ ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ተፈላጥነት ብምርካበን፡ ሑጉሳት ኢና። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ፡ መስርሕ ምርኽኻብ እዩ ክኸውን ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽወደን፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ገሊጻ። ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ …

Read More »

ኣብ ኢንሾፒን ዝርከብ መሐንበሲ ቦታ፡ መርዛም ጋዝ፡ ሉሒኹ

ኣብ ኢንሾፒን (Enköping) ዝርከብ ፔፓሮትስቦደት (Pepparrotsbadet) ዝተባህለ መሐንበሲ ቦታ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ፡ ክሎሪን ዝተባህለ ጋዝ ብምልሓኹ፡ ብምልኦም ሰራሕተኛታት፡ ካብቲ ቦታ ከምዝወጹ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ኣብቲ ማይ፡ እንታይ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ኬሚካላዊ ቀመም ብምሕዋሱ፡ እቲ ንሂወት ደቂ ሰባት፡ ኣስጋኢ ዝኾነ ክሎሪን፡ ክፍጠር ተኻኢሉ ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት መድሕን፡ ሄንሪክ የኒሹ፡ ገሊጹ። ብምልኦም ሰራሕተኛታት ካብቲ ቦታ ከምዝወጹን፡ ዝወረደ ሓደጋ ከምዘየለን ተፈሊጡ ኣሎ። ናይ …

Read More »

መጓዓዝያ ባቡር SJ፡ ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ደው ምባል ከቋርጽ መጽናዕቱ ጀሚሩ

ኣባላት ኩባንያ SJ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩምላ (Kumla)፡ ኦሬብሮ፡ ብቐጺሊ ተጻብኦታት ስለዘጋጠሞም፡ ባቡር ናይቲ ኩባንያ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ደው ምባል ንኸቋርጽ ዘኽእሎ መጽናዕታት ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኩባንያ SJ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ምስ ፖለቲከኛታትን ፖሊስን ዘካየዶ ኣኼባ፡ ፍረ ከምዘይረኸበሉ ሓላፊ መሸጣታት ኩባንያ SJ፡ ያን ሺርክ፡ ገሊጹ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩምላን ሃልስቤሪን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላትና፡ ናይ ቃላት ምፍርራህን …

Read More »

ኦስሎ: ንምህናጽ ሓድሽ መስመር ባቡር ተፍቅድ

ካብ ርእሰ ከተማ ሽወደን: ስቶክሆልም: ናብ ርእሰ ከተማ ኖርዌይ: ኦሶሎ: መስመር ፈጣን ባቡር ንምዝርጋሕ ዝቐረበ ሓሳብ: ብወገን ኖርወይ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ተፈሊጡ∷ ሕጂ ተሪፉ ዘሎ: መንግስቲ ሽወደን : ብዛዕባ’ዚ ፕሮጀክይ ዘቕርቦ ውሳነ ጥራይ እዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ቅድሚ ገለ መዓልታት: ሚኒስተር ትሕተ ቕርጺ ኖርወይ: ሃገሩ ኣብ ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ክትሳተፍ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጡ ኔሩ። “እንድሕሪ ነገራት ብጽቡቕ …

Read More »

ሽወደናዊ ሆስፒታል፡ ዕውት ዝኾነ ናይ ኢድ ምትካል መጥባሕቲ ኣካይዱ

ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሶልግሪየንስካ፡ ዮተቦሪ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ስንክልቲ፡ ዕዉት ዝኾነ ናይ ኢድ ምትካል መጥባሕቲ ምክያዱ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ከም ምኑ ዝንገረሉ ዕዉት ምልዋጥ ኣካላት ወዲ ሰብ እዩ። እተን ክልተ የእዳው፡ ካብ ሓደ ክፋል ኣካላቱ ዝልግስ ሰብ ዝተረኽባ ኮይነን፡ እታ ስንክልቲ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ክልተ የእዳዋ  ብሰንኪ ረኽሲ ከም ዝሰኣነተን ተገሊጹ። እቶም ነዚ መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓካይም፡ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝረኸቡ ስደተኛታት ሓካይም፡ ክብረ ወሰን ሒዙ

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ካልእ ሃገር ተማሂሮም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሕክምናዊ ሞያኦም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዘሰላስሉ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ዓመተ 2020፡ ክብረ ወሰን ክሕዝ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 279 ስደተኛታት ሓካይም፡ ብሞያኦም ንኽሰርሑ ካብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽወደን፡ ፍቓድ ምርካቦም ተፈሊጡ። ካብ ዓመተ 2011 ጀሚሩ፡ ማእከላይ ገምጋም ቁጽሪ ናይቶም ፍቓድ ዝወሃቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ሓካይም፡ 196 ምንባሩ ይዝከር። ሬድዮ ሽወደን፡ ምስ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆሎምን ደቡባዊ ክፋል ሽወደንን፡ ልዑል መጠን በረድ ክወርድ ምዃኑ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ

ሎሚ ሓሙስ፡ ኣብ ካልማር፡ ኦስተርዮትላንድ፡ ሶደርማንላንድን ስቶክሆሎምን ልዑል መጠን በረድ ክወርድ ምዃኑን ኣብ ስቶክሆሎም ድማ እቲ ኩምራ በረድ ክሳብ 20 ሴንቲሜተር ዝበጽሕ ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክፈጥር ከምዝኽእል በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኩምራ በረድ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሴ.ሜ. ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ  ብምፍጣሩ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ናይ ተሽከርከርቲ፡ ከቢድ ጸገም ፈጢሩ ምጽንሑ ይዝከር። ስለዚ፡ መኪና ትመርሑ ሰባት፡ ናይ ምንሽርታት ሓደጋ …

Read More »

ዜናታት ሃርሞኒ ሜድያ 27 ጥሪ 2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com