Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ሓዊ ብምዉላዕ ዝጽንበል ባዓል ቫልቦሪ ሎሚ ዓመት ከምዘይህሉ መንግስቲ ሽወደን ይሕብር።

ዓመት መጸ ካብ እዋን በረድን ዛሕልን ናብ ጸሓይን ዋዕን ዝእተወሉ እዋን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ድሮ ባሕቲ ግንቦት፣ ሓዊ ብምዉላዕ ዳሜራ ብዝመስል ኣገባብ ዝጽንበል ባዓል ቫልቦሪ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ በቲ ልሙድ ባህላዊ ኣገባብ ክባዓል ከምዘይክእል መንግስቲ ከምዝወሰነ ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምባርይ ሓቢሩ። ንሱ ኣብዚ ሎሚ ማዓልቲ ዘካየዶ ጋጤጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ንቡር ኩነታት ስለዘየለና ንቡር ባህላዊ ኣገባባትና ክንገብር ዘፍቅድ እዋን …

Read More »

መጠነ ሞት ስቶክሆልም ናብ ደረጃ ኒውዮርክ ይገማገም ኣሎ ክብል ሓደ ፕሮፌሰር ብሪጣንያ ገሊጹ።

ብሪጣንያዊ ፕሮፌሰር ሕማማት ለበዳ ኒል ፈርጉሰን ኣብ ስቶክሆልም ዘሎ መጠን ሞት ሕሙማት ኮሮና እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉን ምስ ኒውዮርክ ዝወዳደረሉ ደረጃ ይሓኲር ምህላዉን ገሊጹ። ካብ 19.4 ሚልዮን ተቐማጦ ከተማ ኒውዮርክ ዛጊት ዝሞቱ 16599 ምብጽሖምን እዚ ማለት ድማ ኣብ ሓደ ሚልዮን 850 ሰባት ይቕዘፉ ምህላዎምን ዘመልክት እዩ። ኣብ ስቶክሆልም ኣሃዝ ሞት 1209 ምዃኑን ምስ 2.3 ሚልዮን ተቐማጦ እታ ከተማ እንክወዳደር ኣብ ሚልዮን …

Read More »

ሽወደን ኣብ ኣብያተ መግብን መስተን ተወሳኺ ስጉምቲ ትወስድ።

ሽወደን ኣብ ኣብያተ መግቢ ዝካየድ ምክትታል ክትውስኽ ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ዓማዊል ተፈናቲቶም ክእንገዱ ምግባር ዓብዪ ግድል ይኾኖም ምህላዉ ወነንቲ እዘን ትካላት ይዛረቡ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ባራት፥ ኣብያተ መግቢን ሻሂን  ስጋብ ምዕጻው ስጉምትታት ኣብ ትገብረሉ ዘሎ እዋን ዓማዊል ዘድሊ ሕግታት ኣብ ምትግባር ክተሓባበሩ ብዛዕባ ምዃኖም ግድል ኮይንዎም ምህላዉ ወነንቲ እዘን ትካላት ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ማእከላይ ስቶክሆም ወነንቲ ካፌን ቤትመግቢም ዝኾነ …

Read More »

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም እቲ ቀደም ዝነበረ ሎሚ የለን፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንሄለን ክፈልጣ ከለኹ፡ በቲ ኣብ ትምህርቲ ዝነበራ መንፍዓትን፡ ንስድርኣን ፈለጥታን ብትህቦ ክብርን’ዩ፡ እንተ ሎሚ ግና ኣይግድንን። ኣብታ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምሰጋገሪ ዝጥቐሙላ ሃገረ ግሪኽ፡ ምስ ሄለን ጎፍ ንጎፍ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ብኣጋጣሚ ምስ ተራኸብና፡ እታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ሄለን፡ ኣብ ገለ ሸነኻ ተቀይራትኒ ከምዘላ ክረጋግጽ ግዜ …

Read More »

ኣብ መላእ ሽወደን ናይ ትራፊክ መቕጻዕቲ ብሞባይል ክኸውን እዩ።

ኣብ መላእ ሽወደን ንዝግበር ጥሕሰት ትራፊክ ዝዳረግ መቕጻዕቲ ብመንገዲ ኣብ ሞባይል ናይቶም ሰራሕተኛታት ዝተጻዕነ ፕሮግራም ክፍጸም ምዃኑ ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ፕሮግራም ዝኾነ ብኢድ ተጻሒፉ ዝኣቱ ሓበሬታ ከይተጸበየ፡ ናብቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ሰብ ብቐጥታ ናይ መቕጻዕቲ ቅብሊት ከምዝሰድድ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ነቲ ብፖሊስ ትራፊክ ዝዕመሙ ተወሰኽቲ ስራሓት ዝያዳ ግዜ ንምሃብ ከምዝሕግዝን ንናይ መቕጻዕቲ ኣገባባት ዘቃላጥፍን እዩ። እቲ ኲባንያ ብዓርቢ …

Read More »

ኣብ ግዜ ለበዳ ተቐባልነት ሶሾል ደሞክራትስ ክብ ይብል።

ብመሰረት ግምገማ ኖቩስ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሶሻልደሞክራት ተቐባልነቱ ክብ ከምዝበለ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን ተቐባልነት ሰልፊ ሶሻልደሞክራት ብልዕሊ 30 ሚእታዊት ደገፍ ከምዝረኸበን፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝነበሮ ብኣስታት 7 ሚእታዊት ከምዝወስኸ እዩ እዚ ጸብጻብ ዝሕብር።ይኹንምበር እቲ መላፈንቱ ዝኾነ ስለፊ ሓምላይ ደገፉ ካብቲ 4 ሚእታዊት ንታሕቲ ከምዝወረድ ሓቢሩ፡ በዚ መሰረት ክላወ እዚ ሰልፊ …

Read More »

ፕረሲደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ በዓል ንምሕላፍ ምብልሓት ከም ዘድሊ ሓቢራ።

ሕማም ኮሮና ኣብ ኣውሮጳ ይላብዓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ሰባት ብምኽንያት በዓል ብኸመይ ክጓዓዙ ከም ዝኽእሉ ዛጊት ንጹር ኣንፈት የሎን። ዝሓለፈ ሰሙን ፕረሲደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫንደር ሊን ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ ጒዕዞ ውጥንን ምሕዛእን ከየካይዱ ኣጠንቂቓ ኔራ። ምስ ፖርቱጋላዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ከኣ ብዛዕባዚ ገለ ተወሳኺ መብርሂ ሂባ’ላ። ንሳ ሰባት ን ማሕበራዊ ምፍንታትን ጽሬትን ኣብ ግምት ዘእቱ በዓል …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲ ዝያዳ ዝሓለፋ 11 ዓመታት ምጒዳሉ ተገሊጹ።

ብረቡዕ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሽወደን ንዓሰርተ ሓደ ዕመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዋጋ ምጒዳል ምርእዩ ተገሊጹ።ብ መሰረት ኣብ መዔደሊ ነዳዲ Circle K ከምኡ’ውን OKQ8 ዝነበረ ዋጋታት ኦክቴን ጋዞሊን ካብ 13.38 ናብ 12.28 ክሮና/ሊትሮ ኣጒዲሎሞ ዘለዉ። ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዋጋ ነዳዲ ካብ 2009 ንደሓር ክንድዚ ዝኣክል ምጒዳል ኣርእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ከምዚ ፈለጥ ብ ደርጃ ዓለም ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዋጋታት ነዳዲ …

Read More »

16 ስደተኛታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ይገብሩ።

ካብ ሽወደን ንሃገሮም ንኽባረሩ ዝተወሰነሎም ኣብ ፍሌን (Flen) ዝተባህለ ቦታ ዝርከቡ 16 ስደተኛታት ሎሚ ናይ መግቢ ምሕራም ተቛውሞ ከምዝጀምር ተፈሊጡ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ኣብ ግዜ ለበዳ ቫይረስ ምውሳድ በቲ ቫይረስ ከይጥቅዑ ስግኣታት ዝፈጥር ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ማሽታ፡ ስቶክሆልም፡ ንኽባረር ዝጽበ ዝነበረ ሓደ ስደተኛ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሂወቱ ከምዝሰኣነን ዝዝከር እዩ። ኣብ ግዜያት በዓል ፋሲካ ኣብ ሎንግብሂድ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ …

Read More »

ህይወት ኣብ ጉዕዞ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com