Saturday , May 18 2024

ውህደት

ኩባንያ ቮልቮ ን1250 ካብ ሰራሕተኛታቱ ከፋኑ እዩ ተባሂሉ

ዓርሞሾሽ ኩባንያ መካይን ቮልቮ ወጻኢታቱ ንምቅናስ ኣብ ዝቕጽል ካልኣይ ፍርቂ ዓመት ኣስታት 4100 ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ከፋኑ መደብ ከምዘለዎን ካብዚኣቶም እቶም 1250 ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝሰርሑ ዘለዉ ክኾኑ እዮም ክብል ከም ዝገለጸ TT ሓቢሩ። ጸረ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ተባሂሎም ዝተወስዱ ስጉምታት ኣብ ልዕሊ ውጽኢት ናይ ፍርያትና ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሮም። ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ መጠን ጠለብ ናይ ፍርያትና …

Read More »

ኣንጻር መርበባት ቀርሰና ዝዓለመ ዓቢ ስርሒት ብፖሊስ ሽወደን ይካየድ ኣሎ።

እዚ ብ ዩሮፖል ዝተወሃሃደ ስርሒት ፖሊስ ኣህጒራዊ መርበብ ቀርሰና ንምብታኽ ሚልዮናት መሸጣ ምዝገባ መስመር ተሌቪዥን ንምቊጽጻር ዘንቀደ እዩ ክብል SVT ሎሚ ሓቢሩ። ኣብዚ ስርሒት ካብ ሽወደን ጥራይ 60 ኣባላት ይሳተፉ ምህላዎምን ዛጊት ኣማኢት ኣድራሻታት ተሌቪዥን ብምክትታል ምርካቦምን ተገሊጹ። ካብዚ ቀርሰና ተሊቪዥን ገበነኛታት ገዚፍ መኽሰብ ከም ዝግሕጡ ይፍለጥ። ኣብ ሽወደን እቲ ዝዓበየ መርበብ ተሌቪዥን Iptvking ኮይኑ ክሳብ 30 ሽሕ ዝበጽሑ ተመዝገብቲ …

Read More »

ኣብ ወርሒ ግንቦት ብሓደጋ ትራፊክ 19 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጥራይ ብሓደጋ ትራፊክ 19 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 1000 ሰባት ከምተጎድኡን ኣሃዛዊ ጸብጻባት መጓዓዝያ ሓቢሮም ክብል TT ሓቢሩ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት/2020 ዝሞቱ ሰባት ምስቲ ዓሚ ዝነበረ ቁጽሪ ዝመሳሰል እዩ። ካብ ማእከላይ ገምጋም ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝሞቱ ሰባት ግን ብቁሩብ ከምዝውሕድ ይፍለጥ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ሞተር ሳይክል ዝዝውሩ ሰባት ግዳያት ናይ …

Read More »

ምምሕዳር ኩንኤልቭ፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝርአ ዝነበረ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምቁጽጻር ከም ተዓወተት ተፈሊጡ

ኣብ ምምሕዳር ኩንኤልቭ ዝርከባ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝኾነ ናይ ኮሮና ቫይረስ መልከፍቲ ብዘይ ምምዝጋበን ነቲ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ከምዝተዓወታ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ምምሕዳር ኩንኤልቭ ኣብ መጀመርታ እዋናት ለበዳ፡ ንሰራሕተኛታት እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ኣብ ምቁጽጻር እቲ ለበዳ ዓቢ ተራ ከም እተጻወተ ዝንገረሉ መሸፈን ገጽ (munskydd) ንኽገብሩ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይዝከር። እኹል ናውቲ መከላኸሊ ምቕራብን ዝግባእ መደባት ጽሬት ምትግባርን …

Read More »

በዓል መዚ ስምዕታታት፡ ዋጋ ትኬት ናይ ዝተሰረዙ መደባት ናብ ዓማዊል ክምለስ ኣዘኻኺሩ

 በዓልመዚ ህዝባዊ ስምዕታታት (ARN)፡ ዋጋ ትኬት ናይቶም ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ዝተቛረጹን ዝተቐየሩን መደባት ናብ ዓማዊል ክምለሱ ከምዝግባእ ምዝኽኻሩ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። እዚ በዓልመዚ ኣብ መንጐ ኲባንያታትን ዓማዊልን ዘሎ ክርክራት ምድቓስ ሓደ ካብ ስርሑ እዩ። ናይቲ ኮሚሽን ኣቦመንበር፡ ማርኩስ ኤግረን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ” ዝኸፈለሉ ዘይረኸበ ዓሚል ገንዘቡ ክምለሰሉ መሰሉ እዩ” ኢሉ። መግለጺ እዚ በዓልመዚ ዝመጸሉ ምኽንያት …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ንሓገዝ መንገዲ ኣየር SAS ዝውዕል ናይ ብልዮናት ክሮነር ገንዘባዊ ፈሰስ ክገብር ወሲኑ

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ምፍላስ ናይ ኩባንያ SAS ንምድሓን 5 ቢልዮን ክሮነር  ዝግመት ገንዘባዊ ፈሰስ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ኩባንያ SAS  ካብ ዴኒማርክ እውን ሓገዝ ክረክብ እዩ። ሚኒስተር ፕቶጀክታት ሽወደን፡ ኣቶ ኢብራሂም ባይላን ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ክልቲአን ሃገራት ክሳብ 12.5 ቢልዮን ክሮነር ገንዘባዊ ፈሰስ ክበርክታ ምዃነን ክብል ሓቢሩ።  ሚኒስተር ዕዳጋታት ገንዘብ ሽወደን፡ ቤር ቡሉንድ፡  ኩባንያ SAS ነዚ …

Read More »

ሽወደን ክታበት ኮሮና ንምውናን ኣብ ቕድድም ትኣቱ

መንግስቲ ሽወደን፡ ሃገሩ ፍቱን ክታበት ኮሮና ንምውናን ብምባል ጥርዚ ልቓሕ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ናብ 2 ቢልዮን ክሮነር ኣበሪኽዎ ምህላዉ ተገሊጹ። ዓለም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትንፋስ ዘይህብ ቅድድም ምህዞ ክታበት ኮሮና ኣትያ ምህላዋን ዓበይቲ ኩባንያታት መድሃኒት ዓለምና ብውዕላት ተጻቢቦም ምህላዎምን ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝለዓለ ጥርዚ ልቓሕ በዓልመዚ ጥዕና 350 ሚልዮን እዩ ኔሩ። “ብቑዕ ክታበት እንድኣ ተረኺቡ በዓልመዚ ኣሃዱ ጥዕና …

Read More »

ሽወደናዊ ኩባንያ፡ 400 ሚልዮን ጸረ ኮሮና ዝኾነ ናይ ክታበት መድሃኒት ንኤውሮፓ ከረክብ ተፈራሪሙ

ዓርሞሾሽ ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ መድሃኒት ኣስትራ ዚኒካ፡ 400 ሚልዮን ዝኸውን ጸረ ኮሮና ናይ ክታበት መድሃኒት ንኤውሮፓ ከረክብ ከም ተፈራረመ TT ሓቢሩ። ኩባንያ መድሃኒት ምስ ሃገራት ጀርመን፡ ፈረንሳይ፡ ጣልያንን ሆላንድን ዝመርሐኦ ኤውሮፓዊ ልፍንቲ ንኽታበት ስምምዕ ከምዝፈረመን ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2020 ክጅምር ምዃኑ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ኩባንያ ምስ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ብምትሕብባር …

Read More »

ምዝጉብ ቁጽሪ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 200 ሽሕ በጺሑ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝተመዝገቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾነ ሰባት 17 ሽሕ በጺሑ። ብድምር ክረአ እንከሎ ቁጽሪ ናይቶም  ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ዝተመዝገቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኣስታት 200 ሽሕ በጺሑ ምህላዉን እዚ ድማ ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 8.8% ክብ ኣቢልዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ግዜያት ወርሒ ሰኔ ብዙሓት ሰባት ስራሕ ደልዮም ይምዝገቡ እዮም። እዚ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ …

Read More »

ኣብ ቤይጂንግ ዳግማይ ለበዳ ኮሮና ተኸሲቱ

 ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና፡ ቤይጂንግ፡ ሓድሽ ለበዳ ኮሮና ብምርካቡ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርትን ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝካየደሎም ቦታታትን ክዕጾ ምግባሩ ኣቓልቦ ዓለም ምስሓቡ ተገሊጹ። ቻይና ኣብ ዝሓለፉ 50 መዓልታት ዝኾነ ናይ ኮሮና ሕሙም ዘይምርካባ ዝፍለጥ ኮይኑ ብምኽንያት እዚ ሓድሽ ለበዳ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ዓለም ሓድሽ ምልባዕ ክህሉ ከም ዝኽእል ዋና ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ሓቢሩ ክብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com