Friday , May 10 2024

ኣብ ወርሒ ግንቦት ብሓደጋ ትራፊክ 19 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጥራይ ብሓደጋ ትራፊክ 19 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 1000 ሰባት ከምተጎድኡን ኣሃዛዊ ጸብጻባት መጓዓዝያ ሓቢሮም ክብል TT ሓቢሩ።

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት/2020 ዝሞቱ ሰባት ምስቲ ዓሚ ዝነበረ ቁጽሪ ዝመሳሰል እዩ። ካብ ማእከላይ ገምጋም ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝሞቱ ሰባት ግን ብቁሩብ ከምዝውሕድ ይፍለጥ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ሞተር ሳይክል ዝዝውሩ ሰባት ግዳያት ናይ ሓደጋታት ተራፊክ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክሳብ 12 ሰባት ብሓደጋ ሞተር ሳይክል ሂወቶም ስኢኖም ኣለዉ። ምስቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት/2019 ዘጋጠመ ክነጻጸር እንከሎ ናይ ሎሚ ዓመት ቁጽሪ ሰለስተ ዕጽፊ ኮይኑ ኣሎ። 5 ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ኮተቴ ውን ኣብዚ ዓመት ሞይቶም ክብል ኣብ በዓል መዚ መጓዓዝያ ናይ ስታቲስቲክስ ክኢላ ዝኾነ ዮናታን ሂድሎንድ ሓቢሩ።

4 ካብቶም 5 ኣብዚ ዓመት ዝሞቱ ኮተቴ እቶም ኣብ ምምሕዳር ሱንድስቫል ኣብ ወርሒ ግንቦት ብሓደጋ መኪና ዝሞቱ ደቂ 16 ዓመት ኮተቴ እዮም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ጥራይ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ 209 ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ መዝገባት ትራፊክ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com