Saturday , May 18 2024

ውህደት

ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ፋሕ ኣቢልዎም

ፖሊስ ስቶክሆሎም ነቲ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣንጻር ዓሌትነት ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ፋሕ ኣቢልዎ። ኣብ እዋን ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 50 ሰብ ክተኣኻኸብ እጉድ ስለ ዝኾነን እቲ ዝነበረ ምትእኽኻብ ድማ ልዕሊ’ቲ ፍቑድ ቁጽሪ ሰባት ስለዝነበረ ፋሕ ከነብሎ ተገዲድና ይብል ዋሃብ ቃል ፖሊስ። ብሰንኪ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተፈጸመ ቅትለንት ናይ ጸሊም ኣሜሪካዊ ዝኾነ፡ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ደገፎም ንምርኣይ …

Read More »

ካብ ቻይና ዝተላእከ መርዛም ተመን ሞሊቑ

ኣብ ሓደ ኣብ ኡፕሳላ ዝርከብ ዱኳን፡ ኮብራ ዝዓይነቱ ተመን ካብ ሰፈሩ ሞሊቑ ብዙሓት ሰባት ይደልይዎ ከምዘለዉ TT ሓቢሩ። እቲ ተመን ካብ ቻይና ብመንገዲ ፖስታ ኣብ ባኮ ተዓሺጉ ዝመጸ ኮይኑ እቲ ባኮ ምስተኸፍተ ቀልጢፉ ከም ዝሞለቐ ኣካያዲ እቲ ዱኳን ገሊጹ። እቲ ተመን ጸሊም ሕብሪ ዘለዎ ኮይኑ ቁመቱ ካብ 30 ክሳብ 35 ሴ.ሜ. ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ናይቲ ዱኳን ሓቢሩ። ሓደ …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆሎም ሓደ ሰብ ብፖሊስ ተቐቲሉ

ትማሊ ለይቲ ኣብ ኒኒስሃም፡ ደቡብ ስቶክሆልም፡ ሓደ ወዲ 40 ዓመት ሰብኣይ ብጥይት ናይ ፖሊስ ከምዝተቐትለ መርበባት ሓበሬታ ሽወደን ገሊጸን። እቲ ሰብኣይ ብሕጋዊ ዝኾነ መሳርያ ናይ ፖሊስ ብዝተቶከሰ ጥይት ድሕሪ ምውቅዑ ብኡንብኡ ከምዝሞተ ዋሃቢት ቃል ፖሊስ ሽወደን፡ ካሪና ስካጊርሊንድ፡ ከም ዝሓበረት ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ኣሃዱ ቀዳማይ ሬድኤትን ፖሊስን ኣብ ከባቢ ሰዓት 2:00 ወጋሕታ ብዛዕባ ኣብ ሕማቕ ስነ ኣእምራዊ ኩነታት ዘሎ ሰብ …

Read More »

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ብዘስዓቦ ምኽንያት ሓደ ጎሪላ ተቐቲሉ።

ካብቶም ዓሌቶም ኣብ ምጽናት ዝርከቡን ኣብ መካነ እንስሳ ቢዊንዲ ኡጋንዳ ዝተዓቚቡን ብሩራዊ ዝዓይነቱ ተባዕታይ ጐሪላ ምሟቱ ጸብጻብ ዎርልድ ዋይልድ ላይፍ ኣመልኪቱ። ጎሪላ ካብቶም ሃዳኖ ናብ ደረት ምጽናት ዘብጽሕዎም እንስሳታት ሓደ እዩ። በዚ ድማ ካብ ኲናውቲ ሃዳኖ ተዓቚቦም ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ብምጽንሖም እዚ ፍጻመ ዘሕዝን ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። ሓደ ካብቶም ነዚ ፈቓቕ ድሕነት ክፈጥሩ ዝኸኣሉ ረቛሒታት ጒዳይ ለበዳ ኮሮና እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብምኽንያት …

Read More »

ኣብ ቫስተራስ ብዝፈጸሞ ቕትለት ንሕልፈት ተፈሪዱ።

46 ዝዕድሜኡ ሰብኣይ ኣብ ቫስትራስ ንዝቕመጥ ሰብኣይ ብስሕለት ብምቕታሉ ንሕልፈት ማእሰርቲ ከም እተፈርደ ተፈሊጡ። እዚ ግዳይ ኣብ 24 ለካቲት ብሕሱም መጥቃዕቲ ካራ ብዙሕ ተጐዲኡ ከም እተረኽበን ብ 3 መጋቢት ኣብ ሆስፒታል ምዕራፉን ዝፍለጥ እዩ። እዚ ወዲ 46 ገበነኛ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ጐረሮኡ ብስሕለት ከም ዝወቕዖ እኳ እንተተኣመነ ክቐትሎ ኢለ ኣይገበርክዎን ምባሉ ተጸብጺቡ። ቤትፍርዲ ወረዳ ቫስትማንላንድ ነዚ ሰብኣይ ንዕድመ ልክዕ ፈሪድዎ’ሎ። …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ዝስጐጒ ዜጋታቶም ንኽቕበሉ ንሃገራት ኢራንን ሊባኖስን ሶማልን ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ ተፈሊጡ።

“ዕቚባኦም ዝተነጽገ ግና ሃገሮም ምቕባል ዝኣበያኦም ሰባት ኣለዉ። ብኸምዚ ክቕጸል ኣይከኣልን እዩ” ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ገሊጹ። ዝሓሸ መንፈስ ምትሕብባር እንተርኣዩ ብምባል ኣምባሳደራት እዘን ሃገራት ዓዲምና ከነዘረርቦም መዲብና ኣሎና። ብዘይካ’ዚ  ጆሃንሰን፡ ሶማልያ ፈጣሪት ሽግር  ዝኾነት ሃገር እያ። እንተኾነ ግና ምስሌነ እታ ሃገር ኣብ ሽወደን የብልናን ኢሉ። ዛጊት ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ክስጐጒ ዘይክእሉ ዜጋታት ምህላዎም ድማ ገሊጹ።  ዒራቕ ናይ ሪኣድሚሽን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ውግእን ሰላምን

ኣማኑኤል ሳህለ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ደጋጊመ ዝጠቐስኩዎ፡ እዛ ዓለምና ናብቲ ዝሓይለን እተጣበበን እያ እተዳሉ። እዚ ደመነፍሳዊ (instinct) ሕጊ ድማ ኣብቲ ባህርያት ፍጡራት ኣትዩስ ንነዊሕ ዘበናት ኣብቲ ዘገምታዊ ምዕባሌኦም ሓጊዙዎም እዩ።  ኣታኽልትን እንስሳታትን ሰብን ከም ፍጡራት መጠን፡ ካብዚ ሕግዚ ከምልጡ ኣይክእሉን። ኣታኽልቲ ብኣእሻኾም፡ እንስሳታት ብኣቕርንቶምን ብኣጽፋሮምን ብኣስናኖምን፡ ብሕንዞምን፤ ሰብ ድማ በቲ ዝሰርሖ ናይ ኲናት መሳርያታት፤ ኩላቶም ነብሶም ኪዕቅቡን ኪከላኸሉን፡ ካብኡ …

Read More »

ሽወደን ለበዋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምኽታል ዘይ-ኣውሮጳውያን ዝኣትዉሉ ናይ እገዳ ግዜ ምንዋሓ ተፈሊጡ።

እዚ እገዳ ካብ መጋቢት 19 ጀሚሩ ዝጸንዐ ኮይኑ ክሳብ 30 ሰነ ክጸንሕ  ተባሂሉ ኣሎ። እንተኾነ ግና እዚ ሕጊ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት (እንተላይ ብሪጣንያ፥ ስዊትዘርላንድ፥ ኖርዌይ ኣይስላንድን ሌችተንስታይንን)ንዝመጹ ዜጋታት ኣይምልከትን እዩ። ህጹጽ ጒዳይ ፍቓድ መንበሪን ዘለዎም ኰይኖም ናብ ሽወደን ንዝምለሱ እውን ኣይምልከትን እዩ። ዜጋታት ሽወደን ብቐንዱ ካብዚ ሕጊ ናጻ እዮም።

Read More »

ኣብ ኩንግላቭ ወዲ 16 ዓመት ኰተቴ ብቕትለት ሓንቲ ሰበይቲ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

እዚ ወዲ 16 ዓመት ኰተቴ ነታ ግዳይ ኣብ ወርሒ ግንቦት ገንዘባ ክራስያ ብምባል እዩ ብስሕለት ወጊኡ ቀቲልዋ። እዚ ኰተቴ ንኡስ ህጻን ክሕሰብ ምጽንሑ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ግና ብዝተገብረ ኣፈናዊ መጽናዕቲ እቲ ራስያ እዚ ገበነኛ ወዲ 16 ምዃኑ ተፈሊጡ። ግንቦት 10 እዛ 55 ዝዕድሚኣ ግዳይ ኣብ ኩንግላቭ ብስሕለት ተጐዲኣ ከም እተረኽበትን ናብ ሆስፒታል ምስ …

Read More »

ኣሃዱ ጥዕና፡ ሽወደን ንሰለስተ ዝተዳቀሉ (ዓይነታት) ቫይረስ ኮሮና ተቓሊዓ።

ሽወደን፡ ንሰለስተ ዓይነታት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተቓልዐት፡ እቶም ክልተ ከምቶም ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝተራእዩ ዓይነታት ቫይረስ ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሓደ ዓይነት ድማ ከምቲ ኣብ ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮፓን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተራእየ ዓይነት ቫይረስ ምዃኑ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ንመቦቀል ናይዞም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቫይረስ ዝምልከት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ጸብጻብ ክቐርብ እዩ ክትብል ሓላፊት ጨንፈር ደቀቕቲ ስነ-ሂወት (Micro Biology) ዝኾነት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com