Sunday , May 12 2024

ኣሃዱ ጥዕና፡ ሽወደን ንሰለስተ ዝተዳቀሉ (ዓይነታት) ቫይረስ ኮሮና ተቓሊዓ።

ሽወደን፡ ንሰለስተ ዓይነታት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተቓልዐት፡ እቶም ክልተ ከምቶም ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝተራእዩ ዓይነታት ቫይረስ ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሓደ ዓይነት ድማ ከምቲ ኣብ ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮፓን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተራእየ ዓይነት ቫይረስ ምዃኑ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።

ንመቦቀል ናይዞም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቫይረስ ዝምልከት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ጸብጻብ ክቐርብ እዩ ክትብል ሓላፊት ጨንፈር ደቀቕቲ ስነ-ሂወት (Micro Biology) ዝኾነት ካሪን ቪዚል ሓቢራ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን ንውሳኔታት መገሻ ብዝምልከት ውልቃዊ ሓላፍነት እዩ ብምባል ሓደስቲ መምርሒታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ ክብል TT ሓቢሩ።

ክንጓዓዝ ኣብ እንምድበሉ እዋናት፡ ብእግሪ ወይ ብብሽግለታ ወይ ድማ ካልእ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ከነናዲ ይግበኣና። ህዝባዊ ኣገልግሎታት ካብ ምጥቃም ክንውገድ ኣለና። ብሓባር ክጓዓዙ ዝደልዩ ሰባት ኮፍ መበሊ ክሓዝኡ ኣብ ዝኽእልሉ ኣመራጺታት ከናድዩ ይግባእ። ኮፍ መበሊ ከይሓዛእካ ብኣውቶቡሳትን ባቡራትን ዝግበሩ መገሻታት ከቋርጹ ይግባእ ክትብል ቪዚል ብምውሳኽ ትገልጽ።

ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ብጀካ ብህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ብኻልእ ኣማራጺታት ክገሹ ከምዝኽእሉ ኣሃዱ ጥዕና ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ሓዲሽ መምርሒ ምስቲ ጽባሕ ቀዳም ዝጅምር ፍቓድ መገሻታት ውሽጢ ሃገር ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com