Friday , May 10 2024

ኣብ ቤይጂንግ ዳግማይ ለበዳ ኮሮና ተኸሲቱ

 ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና፡ ቤይጂንግ፡ ሓድሽ ለበዳ ኮሮና ብምርካቡ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርትን ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝካየደሎም ቦታታትን ክዕጾ ምግባሩ ኣቓልቦ ዓለም ምስሓቡ ተገሊጹ።

ቻይና ኣብ ዝሓለፉ 50 መዓልታት ዝኾነ ናይ ኮሮና ሕሙም ዘይምርካባ ዝፍለጥ ኮይኑ ብምኽንያት እዚ ሓድሽ ለበዳ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ዓለም ሓድሽ ምልባዕ ክህሉ ከም ዝኽእል ዋና ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣፍሊጡ።

 “እዚ ለበዳ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሕ ክኸውን ይኽእል እዩ” ይብል ቲግኔል። ዝርግሐን ስፍሓትን እዚ ለበዳ ኣብ ብዙሕ ረቛሒታት ክምርኮስ ከም ዝኽእል እውን ሓቢሩ’ሎ። እዚ ሕማም ብኸፊል፡ ምስ ፍጥነት ምፍላጥ ህላወ እዚ ለበዳን ዝውሰድ ተመጣጣኒ ግብረመልስን ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ግና ብፍላይ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ቦታታት ምስ ዝኸውን እቲ ውጽኢት ክጽሎ ይኽእል እዩ” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።

 እዚ ሓድሽ ለበዳ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ዝንቀሳቐሰሉ ናይ መግቢ ዕዳጋታት ብምርካቡ ዓብዪ ብድሆ እኳ እንተኾነ ቻይና ኣዝዩ ንኡድ ኣገባብ ኣተኣላልያ ለበዳ ከም ዘለዋ ብምምልካት ክትዕወተሉ ከም እትኽእል ኣሚቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com