Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

መደበር ጠፈር ኣመሪካ ናሳ ካብ ጠፈርተኛታት ሽወደን ሓገዝ ይሓትት።

ናሳ ጠፈርተኛታት ሽወደን ስእሊታት ጋላክሲ ጐደባኡ ክልእከሉ ከም ዝሓተቶም ተፈሊጡ። ብረቡዕን ሓሙስን ፕላኔታት እተጽንዕ ልእኽቲ ሳተላይት ናሳ ናብ ጸሓይ ዝቐረባ እየን ናይ ዝበሃላ ከዋኽብቲ ፕሮክሲማ ሴንታውሪን ውፍ 359ን ስእሊታት ክትወስድ ምዃና ድማ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና እዚ ብዛዕባ ጋላክሲና ዝሓሸ ኣፍልጦ ክህብ ተባሂሉ እተዳለወ ፕሮጀክት ናብ ኒው ሆራይዘን ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝሕጸር ናብ ከዋኽብቲ እውን ከቕንዕ እዩ ክብክ ዋና ተመራማትጅ ኒው …

Read More »

ካብ ስረሖም ዝተፋነዉ ሰባት ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ንምቑጻሮም ይሕተት።

ሽቕለት ኣልቦነት እዋናዊ ንምውሓድን ንነዊሕ ዝጠመተ መደብ ብዝሒ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ኣገጋውያን ንምድራዕን ዝዓለመ ንድፊ ብማሕበር ሰራሕተኛ ምምሕዳራት (Kommunal)ን ቤት ምኽሪ ምምሕዳራትን (SKR) ናብ መንግስቲ ቀሪቡ። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ንድፊ ነቶም ኣብ ምምሕዳራት ዝርከቡ ዋሃብቲ ስራሕ ነቶም ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ካብ ስረሖም ዝተፋነዉ ሰባት ንኽቆጽሩ ዘተባብዕ እዩ። ንእግሪ መንገድና ድማ ኣብ ግዜ ክረምቲ ንቁጽሪ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ክንድርዕ ከኽእለና …

Read More »

Swedish News in Tigrigna ዜና ሽወደን ብትግርኛ 22 ሚያዚያ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ ኣብ ምዝዛም ቅልዉላዉ ኮቪድ 19 ዞባዊ ምምሕዳራት ሽወደን ዓቢ ቁጠባዊ ሕጽረት ከጋጥመን ይኽእል ዝብል ስግኣት ኣሎ። ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንቅልዉላዉ ኮቪድ 19 ስዒቡ፣ ሓደጋ ጥሜት ካብ ዘሎዎ ብዕጽፊ ክዉስኽ ምዃኑ ሓቢሩ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

ዝያዳ ሰዓታት ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ 19 ዝተዋፈሩ ዝያዳ ይኽፈሉ።

ብምኽንያት ናይ ቅልውላው እዋን ኩንትራት ዝበዝሐ ሰዓት ዝሰርሑ ዝበዝሐ ክፍሊት ክወሃቦም እዩ። ዛጊት ንዝሓለፋ ክልተ ቕነ ኣብ ስቶክሆልም ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ክህቡ ዝጸንሑ ኣሃዱ ሓካይም ኣብ ናይ ቅልውላው እዋን ኩንትራት ምጽማዶምን እዚ ድማ ብትእዛዝ መንግስቲ ይፍጸም ምህላዉን ተገሊጹ። በዚ መሰረት ድማ 800 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዝነውሐ ሰዓታት ይሰርሑ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዚ ማለት ኣብ ገሊኡ እዋናት ክሳብ 60 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ከም …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ዝልዓለ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ 15 ሚያዝያ ምምዝጋቡ ይሕበር።

ከተማ ስቶክሆሎም ብዕለት 15 ሚያዝያ ዝለዓለ ብዝሒ ብቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ምምዝጋባ ላዕለዋይ ጫፍ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከምዝበጸሐቶን እዚ ድማ ቁጽሪ ዝልከፉ ሰባት መዓልታዊ ክጎድል ምዃኑ እቲ ብኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዘተዳለወ ሞዴል ሓቢሩ ክብል ምክትል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ለበዳ ዝኾነ ኣንድሽ ቫለንስቲን ሓቢሩ። ክሳብ መጀመርያ ወርሒ ግንቦት ሓደ ሲሶ ነበርቲ ስቶክሆሎም ብቫይረስ ክልከፉ ተኽእሎታት ከምዘሎ ሓቢሩ። ጸብጻባት ናይቲ ሞዴል፡ ነቲ …

Read More »

ኤጀንሲ ዓማዊል፥ ዝተሰረዙ በረራታት ንዓማዊል ገንዘቦም ክመልሱሎም ሙኻኑ ይሕበር።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተሰረዙ ጒዕዞ ነፈርቲ ምኽንያት ብምግባር ዓማዊል ገንዘቦም ክምለሰሎም እዩ እኳ እንተተባህለ ገለ መንገዲ ኣየራት ግና ኣንጻር እዚ ሕጊ ይኸዳ ምህላወን ተፈሊጡ። ኤጀንሲ ዓማዊል ሽወደን ብምኽንያት እዚ ምስራዛት ብዝሕ ዝበለ መረረታት ክቕበል ምጽንሑን ገለ ኣገልግሎታት ምስክር ወረቐት ጥራይ ክወስዱ ይገብራ ምህላወንን ካልኦት ድማ ነቲ ወኪል ጒዕዞ ገንዘቦም ክመልሰሎም ይሓቱ ምህላዎም ድማ ተመልኪቱ። ጠበቓ ኤጀንሲ ዓማዊል …

Read More »

ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ይኾኑ።

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 8% ክብ ብምባል ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 100 ሽሕ ሰባት ብዘይ ስራሕ ተሪፎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ሽወደን ብድምር ኣስታት 410 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ይርከቡ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 8% ከምዝበጽሐ ነቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝመጸ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር መርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ኣቃሊሑ። ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ13200 ከምዝወሰኸ ድማ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆሎም መዓልታዊ ን5000 ሰብ መርመራ ኮሮና ይካየድ።

ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ መዓልታዊ ኣብ ልዕሊ 5000 ሰብ መርመራታት ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝጀመረ ሓላፊ ክፍሊ ምርምር ካሮሊኒስካ ዮኒቨርስቲን ተሓታቲ መርመራታት ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ክላይስ ሮስ ሓቢሩ። ተወሳኺ 2000 መርመራታት ናይ ጸረ ተሃዋስያን (Antibody) ውን ከነካይድ ኢና። እዚ ዓይነት መርመራ፡ ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ብቫይረስ ተለኺፉ ነይሩ’ዶ ኣይተለኽፈን ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ ክብል ሮስ ኣብቲ ምስ ሬድዩ ኢኮት ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ። ኣገልግሎት …

Read More »

ፖሊስ ሓደጋ ንምንካይ ኣብ ወርሒ ሚያዝይ ስጉምቲ ክወስድ ሙዃኑ ይሕብር።

ካብ 20 ክሳብ 26 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ናህሪ መካይን ንምዕጋት ስጒምቲ ክውሰድ ሙዃኑ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ትራፊክ ሽወደን ይሕብር። ፖሊስ ሽወደን ካብ 20-26 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ሰሙን መዓልታት ትራፊክ ብምእዋጅ ናህሪ መካይን ብካሜራታት ንምቊጽጻር ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ክኢላ ስትራቴጂ ትራፊክ ኡርሱላ ኤድስትሮም ኣብ መርበብ ፖሊስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ምጒዳል ናህሪ ኣብ ምንካይ ሓደጋ ትራፊክን ሞትን ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ተመሃራይ ምስ ዝቦክር ቤት ትምህርቲ እንታይ ትገብር?

ቅድሚ ን”ሶሻል” ምሕባር ምዝርራብ ወለዲ ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ፈሪሆም ንደቆም ካብ ትምህርቲ ኣብኲሮም ኣብ ገዛ ከጽንሑ መሰል አለዎም’ዶ? ኣብዚ ሕጂ እዋን ወለዲ እንታይ ክገብሩ ይግባእ? ዝብሉ ሕቶታት ንቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቤት ትምህርቲ በዲሆም ይርከቡ። ሓደ ተማሃራይ ምስ ዘቡክር፡ እታ ቤት ትምህርቲ ምኽንያት ብኩራት ከተጻርን ንምምሕዳር ኣከባቢ ደዊላ ክትሕብርን ሓላፍነት ኣለዋ። ምምሕዳር ኣከባቢ ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ብምጽራይ ከም ኣድላይነቱ ንህዝባዊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com