Friday , May 3 2024

መደበር ጠፈር ኣመሪካ ናሳ ካብ ጠፈርተኛታት ሽወደን ሓገዝ ይሓትት።

ናሳ ጠፈርተኛታት ሽወደን ስእሊታት ጋላክሲ ጐደባኡ ክልእከሉ ከም ዝሓተቶም ተፈሊጡ። ብረቡዕን ሓሙስን ፕላኔታት እተጽንዕ ልእኽቲ ሳተላይት ናሳ ናብ ጸሓይ ዝቐረባ እየን ናይ ዝበሃላ ከዋኽብቲ ፕሮክሲማ ሴንታውሪን ውፍ 359ን ስእሊታት ክትወስድ ምዃና ድማ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና እዚ ብዛዕባ ጋላክሲና ዝሓሸ ኣፍልጦ ክህብ ተባሂሉ እተዳለወ ፕሮጀክት ናብ ኒው ሆራይዘን ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝሕጸር ናብ ከዋኽብቲ እውን ከቕንዕ እዩ ክብክ ዋና ተመራማትጅ ኒው ጆራይዘን ኣላን ስተርን ገሊጹ’ሎ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ህዝባዊ ፕሮጀክት እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ብ ሓገዝ ኒው ፕሮጀክት ኣብ ቀረባ ብዛዕባ ዝርከባ ከዋኽብቲ ብዙሕ ኣፍልጦ ንኽህልወና ዝሕግዝ እዩ ዝበለ እቲ ዜና ሽወደናውያን ተመራመርቲ ጠፈር እውን ብዘለዎም ናውቲ ኣብዚ ፕሮጀክት ክሳተፉ ጻውዒት ጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com