Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ቅድመ መጠንቀቕታ ካብ ዝተዋህቦም ሰራሕተኛታት ፍርቆም ተሶጊጎም።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ካብ ስራሕ ናይ ምስጓግ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝተዋህቦም ሰራሕተኛታት እቶም ፍርቂ ካብ ስራሕ ከምዝተሰናበቱ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝመጸ ሓድሽ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብዝሒ ናይቶም ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ካብ ስርሖም ዝተሰናበቱ ሰባት ነቲ ኣብ 2008፡ ብሰንኪ ቁጠባዊ ዝሕታለ ዓለምና ኣጋጢሙ ዝነበረ ብዝሒ ቁጽሪ ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ ሰባት፡ ሓሊፍዎ ከምዘሎ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ …

Read More »

ዳህሳስ (SCB)፡ ህቡብነት ሰልፊ ሶሻል ብናህሪ ክውስኽ እንከሎ ህቡብነት ሰልፊ ስቬርያ ግን የንቆልቁል።

ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020 ዝተገብረ ቆጸራ ድምጺ ሎሚ መዓልቲ ውጽኢቱ ተነጊሩ። ብመሰረት ሃገራዊ ቆጸራ ድምጺ ሽወደን (SCB) ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት 33.7% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ብምርካቡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዝነበሮ ብዝሒ ድምጺ ብ 8.7% ወሲኹ ከምዘሎ እቲ ዳህሳስ ሓቢሩ። ህቡብነት ዓቃባዊ ሰልፊ ብ 1.7% ብምውሳኹ 20.1% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ። ብኻልእ ወገን፡ ሽወደናዊ ዲሞክራስያዊ …

Read More »

ኣብ ነይሾፒን ሓደ መንእሰይ ብጥይት ተቐቲሉ . . . . . ፖሊስ ንሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ነይሾፒን ሓደ መንእሰይ ብጥይት ተሃሪሙ ከምዝሞተ TT ሓቢሩ። ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተፈጸመ ገበናዊ ንጥፈት ሓደ መንእሰይ ግዳይ ከምዝኾነን ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ድማ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ምጽራይ ከምዝተጀመረን ኣባል ፖሊስ ነይሾፒን ዝኾነ ዮሃን ሊቪን ሓቢሩ። ንመንነት፡ ጾታ ይኹን ዕድመ ናይቶም ሓሙሽተ ጥርጡራት ዝምልከት ግን ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ብወገን ፖሊስ ዝተዋህበ ከምዘየለ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም …

Read More »

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ሓድሽ ሕጊ ቴክኖሎጂ ምልላይ ገጽ ክትግበር እዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ብገበን ንዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብቴክኖሎጂ መለለዪ ገጽ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ሓድሽ ኣዋጅ ምትእትታዉ ተሓቢሩ። እዚ ፕሮጀክት ፖሊስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስካቭስታ ተፍቲሽ ገጽ ንኽገብሩ ከኽእሎም እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ገበን ክንከላኸል ግድነት ኣሎና” ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ን ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ኣብዚ ሓጺር ግዜ ፖሊስ ገጽ ዘለሊ መርመራ ኣብ ሓለዋ ዶባት ስካቭስታ ክዝውተር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ጆሃንሰን እዚ …

Read More »

ሰራሕተኛታት መናበዪ ሽማግለታት ናይ ቋንቋ ምልከት ክህልዎም ሰልፊ ሊበራል ጻውዒት የቕርብ።

ኣብ መናበዪ ሽማግለታት ናይ 100 ሚልዮን ክሮና ተወስኺ ባጀት ክምደበሉ ኣለዎ ክብክ ዝጸውዐ ሰልፊ ሊበራል ሽማግለታት ቀወምቲ ሰራሕተኛታትን ክቚጸሩሎምን ዶክተራት ኣብ ኣባይቶም ወይ ኣብ መናበይኦም ክህልዉን ይግባእ ኢሉ’ሎ። ኣብ ኣባይቲ መናበዪ ዘሎ ኲነታት ክመሓየሽ ሃገራዊ ስትራቴጂ ክንደፍን ዝያዳ ነርሲታት ክቚጸራን ድማ ለበዋ ቀሪቡ። ሽማግለታት ኣብ ክልተ ሳምንቲ ዝኸውን ግዜ ብማእከላይ ገምጋም 16 ዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት ከም ዝኣልይዎም መራሒ ሰልፊ ኒያምኮ ሳቦኒ …

Read More »

ኣብ ከተማ ዮቶበሪ ንደገፍ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተኻይደ ሰልፊ ናብ ጎነጽ ኣምሪሑ።

ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ነቲ ብደረጃ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሂወት ጸለምቲ ዋጋ ኣሎዎ ብዝብል ምንቅስቓስ ዝካየድ ዘሎ ጸረ ዓሌትነት ኣድልዎን ዝዕላምኡ ሰለማዊ ሰልፍታት፣ ብምድጋፍ ኣቐድም ኣቢሉ ን50 ሰብ ጥራይ ተባሂሉ ዝተፈቕደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ስለዝተሳተፍዎ፣ ብመሰረት ሕጊ ፖሊስ ንምብታኑ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ናብ ግጭት ስለዘምርሐ ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ብዳርባ እምኒ ዝተሰነየ ግጭት ከምዝተኻየደ …

Read More »

ትማሊ ምሽት ኣብዝተኻይደ ክትዕ ሰልፍታት መንግስቲ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ።

መንግስቲ ሽወደን ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ዝተጠቀመሉ ስትራተጂ ጉጉይ ከምዝነብረ ኣብ ናይ ትማሊ  ዝተገብረ ናይ መንግስትን ተቓወምትን ናይ ተሌቭዥን ክትዕ ብብርቱዕ ተነቒፉ። ሰልፍታት ተቓዉሞ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ክሪስ ደሞክራትን ሽወደን ደሞክራስን ብትርር ብዝበለ ቓና፣ መንግስቲ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምዉዓል ዝገበሮ ምንቅስቓስ ጠንቂ ሞትን ቁጠባዊ ክሳራታትን እዛ ሃገር ከጋጥማ ክኢሉ እዩ ብምባል ነቐፌተኦም ኣቕሪቦም። መራሒ መንግስቲ ሽወደን ነቲ ነቐፌታ …

Read More »

ዮሃና ን ኩሉኹም ናይ ሎሚ ዓመት ካልኣይ ደርጃ (gymnasiet) ትምህርትኹም ብ ዓወት ዝዛዘምኩም፣ እንዃዕ ኣብቕዓኩም።

ኣልኮምፒስ ትግርኛ

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ SAS ናብ ከተማታት ማእከላይ ባሕሪ ዝገብሮ መገሻታት ዳግማይ ክጅምሮ እዩ።

ኣብ ወርሓ ሰነ ናይ ውሽጥን ኣህጒራዊን በረራታቱ ብፍላይ ድማ ናብ ኣውሮጳውያን ከተማታት ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጅምር መንገዲ ኣየር ስካንዲቭያ SAS ገሊጹ። እዚ ይዂንምበር ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ክውገዱ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ይገብር ምህላዉ ይፍለጥ። “ኲሎም ተጓዓዝቲ ምስ መምርሒታት ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደንን ካልኦት ከተግብሩ ከም ዝግባእ” በዓልቲ መዚ ፕረስ እቲ ኲባንያ ፍረያ ኣናማዝ ተላብያ ክብክ ኣገልግሎት ዜና TT …

Read More »

ንመሰል ቆልዑን ሕጻናትን ዝጣበቕ ትካል ሕጻናት ኣብ መባእታዊ ደረጃታት ሽወደን ዘሎ ኣሰራርሓ ይነቅፍ።

ንመሰል ቆልዑን ሕጻናትን ዝጣበቕ ትካል ሕጻናት ኣድሕን ማለት Rädda Barnen ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መባእታዊ ደረጃታት ሽወደን ዘሎ ኣሰራርሓ፣ ብፍላይ ከኣ ንትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ዝምልከት ካብ ወጻእተኛታት ወለዲ ንዝዉለዱ ቆልዑ ብዝምልከት ዝግበር ምደባን ኣጸዋዉዓን ዓሌታዉነትን ኣድልዎን ዘንጸባርቕ እዩ ብምባል ድሕሪ ምንቃል ናብ ቤት ጽሕፈት ሰማዒ ጥርዓን ጉዳይ ኣድላዉነት ማለት diskriminering ombudsman። ክሲ ኣቕሪቡ። እቲ ትካል ንትሕዝቶ እቲ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com