Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ሽቅለት ኣልቦነት ከተማ ስቶክሆልም ናብ 13.5% ክብ ይብል።

ከንቲባ ስቶክሆልም፡ ኣና ሾኒግ የርልመር፡ እቲ ናይታ ከተማ ስራሕ-ኣልቦነት ናብ 13.5% ክብከም ዝበለን፡ ወጻኢታት ፊናንስያዊ ሓገዛት ድማ ናብ 26% ከም ዝደየበን፡ ማለት 200 ሚልዮንክሩነር ኣብ 2021 ከም ዚበጽሕን፡ ኣታዊታት ቀረጽ ድማ ብ 1.7 ቢልዮን ክሩነር ከም ዝወረደንሓቢራ። ንሳ ኣብቲ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቀረጽ ምውሳኽ ጌና ይጽናዕ ኢዩ ዘሎ፡ ግን ከኣ ነቶም ውሑድ እቶት ዘለዎም ይጎድኦም ኢዩ ኢላ። ንሳ …

Read More »

ብጻዕቂ ህዝቢ ዘእንግዳ ኣብያተ መግቢ ክቕጽዓ ምዃነን ምምሕዳር ከተማታት ገሊጸን።

ምምሕዳራት ከተማ ሰብ እክብ ኢሉ ዝግልገለለን ኣብያተ መግቢ ንኽቐጽዓ ስልጣን ንኽወሃበን መንግስቲ እማመ ኣውጺኡ። ኣብ ኣብያተ መግቢ፥ ባራትን እንዳ ሻሂን ዘገልግል ኣገባብ ዘነጽር ሓድሽ ሕጊ ክህሉ ምዃኑ’ውን ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃሊንግረን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ለበዳ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ኣብዚ ሕጊ እቱዋት ክኾኑ እዮም ኢላ። ብመሰረት ንድፊ እዚ ሕጊ ምምሕዳራት ከተማ ኣብዚ ጒዳይ ፍሉይ ስልጣን …

Read More »

ሽወደን ሕሙማት ልቢ ንምድሓን ድሮን ብምጥቃም ኣብ ዓለምና ፈላሚት ኮይና።

ሽወደን ኣብ ዓለም ፋልማይ ምዃኑ እተነግረሉ ኣገባብ ማለት ድሮናት ብምጥቃም ሕሙማት ልቢ ንምድሓን ትጽዕር ምህላዋ ተገሊጹ። ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ዝህብ SOS ተሓጋገዝቲ ልቢ ዝኾኑ ናውቲ ብድሮናት ብምልኣኽ ቅድሚ ኣምቡላንስ ዝበጽሕ ረድኤት ንምሃብ ይጽዕር ምህላዉ ገሊጹ። እዚ ኣገባብ ብዙሕ ህይወት ከድሕን ከም ዝኽእል ክኢላታት ከም ዝኣምንጅ SVT ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ። ናውቲ ሕክምና ልቢ ዝጸውር ድሮን እናተጠቐምካ ረድኤት ምሃብ ንሒደት …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ጾታዊ ርክብ ዝገዝእ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ወፍሪ ተጀሚሩ።

ትማሊ ምሸት ፖሊስ ጾታዊ ርክብ ንኽገዝኡ ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበሩ 18 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። እዚ ኣብ ቀይዲ ምእታው ብምትሕብባር ፖሊስን ኖርማልምን ከም እተፈጸመ ድማ ተገሊጹ።፡ ” ከም ኣካል ናይቲ ጾታዊ ርክብ ዝገዝኡ ሰባት ንምሓዝ ዝፈለመ ወፍሪ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲና ኣሎና” ክብል መርማሪ ገበናት እቲ ጒጅለ ሳይሞን ሃግስትሮም ገሊጹ። ዝያዳ ሓበሬታ ካብ …

Read More »

ሽማግለታት ካብ ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ገለ ኣገደስቲ ስጒምቲታት ክውሰድ እዩ።

ኣብ ኦፕሳላ መጠነ ሞት ሽማግለታት ይውስኽ ምህላዉን ብጠቕላላ 38 ምሟቶምን ተገሊጹ። በዚ ድማ ምምሕዳር ከተማ ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ ንምግታእ ገለ ኣገደስቲ ስጒምቲታት ክትወስድ ምዃና ተሓቢሩ። ኣብ መእለዪ ሽማግለታት ዝርከቡ 26 ዛጊት ምሟቶምን 15 ድማ ቤት ኣልቦ ኮይኖም ድሕሪ ምትራፎም ናብ ሓደጋ ሞት ምቅላዖም ድማ ተመልኪቱ። ክንስዕቦብ ዝጸናሕና ኣካይዳ እዂል ብዘይምዃኑ ዝያዳ ክንዓዪ ከድልየና እዩ ክትብል ኮሚተ ሽማግለታት ካሮሊን ሆፍስቴድ ገሊጻ’ላ። …

Read More »

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ብሽወደን ኣቢልካ ናብ ሃገራት ኣውሮጳዎ ሕብረት ናይ ምጋሽ እገዳ ተናዊሑ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ብሽወደን ኣቢልካ ናብ ሃገራት ኣውሮጳዎ ሕብረት ናይ ምጋሽ እገዳ ተናዊሑ። እዚ እገዳ ክሳብ 15 ሰነ ክቕጽል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ውሳነ ብለበዋ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ዝተመሓላለፈ ኮይኑ ለበዳን ደግሲን እዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዝወጸ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ግዜያዊ እገዳ ብ መጋቢት 19 ከም ዝጀመረ ዝዝከር ኮይኑ፥ ዜጋታት ሽወደን ካብዚ እገዳ ናጻ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካዚ ካብዚ እገዳ ክልተ ኣገደስቲ ሕድገታት …

Read More »

ኤውሮጳዊ ናይ ልኽፈት በዓልስልጣን፥ ምዕጻው ዶባት ጥቕሚ የብሉን ይብል።

ነብሰ-ምውሻብ ነቲ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ደሪቱዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ።ኤውሮጳዊ ናይ ልኽፈት በዓልስልጣን፡ ምዕጻው ዶባት ንምድራት ኮሮና ብቑዕ ኣይኮነን ብምባል ንክኽፈት ይሓትት። እተን ንለበዳ ኮሮና ዝዓገታ ሃገራት፡ እተን ነብሰ-ምውሻብ እተጠቕማ ኢየን ብምባል ኣስሚሩሉ።ዮሰፕያንሳ፡ ናይቲ ኮሚሽን ተመራማሪት ሕማም ለበዳ፡ ምዕጻው ብሎኮታት መፍትሒ ከምዝይኮነ ብምግላጽ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዚካየድ መገሻታት ብምዕጻው እቲ ለበዳ ደው ከም ዚብል ዘረጋግጽ መርትዖ የለን … እቲ ቫይረስ ዶባት …

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ተጓዓዝቲ ማስክ ክለብሱ ክእዝዝ እዩ ።

ካብ 18 ግንቦት ንደሓር ተጓዓዝቲ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ብመሰረት ሕግታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ማስክ ክለብሱ እዮም ተባሂሉ። እዚ ሓደ ካብቶም ተጓዓዝቲ ብኮሮና ከይልበዱ ዝግበር ዘሎ ስጒምቲ እዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ን TT ብምጥቃስ ሓቢሩ። ሎሚ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ዝግበር ጒዕዞ ንምቕጻል ማዕጾኡ ምኽፋቱን መንገዲ ኣየራት ሓደስቲ ሕጊታት ኣብ ምስላጥ ክተግሃን ምእዛዙ ይፍለጥ። ” ነፈርቲ ጽብብ ዘበለ ቦታ ዘለወን …

Read More »

ኣህጒራውያን ተመሃሮ ዓመታዊ ክፍሊት ክናዋሕ ሕቶ የቕርቡ።

ቅልውላው ኮሮና ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ሃገራት ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ዝመጹ ተመሃሮ መንግስቲ ሽወደን ክፍሊቶም ክውንዝፎን ምጒዳል መምሃሪ ክገብረሎምን ሓቲቶም ኣለዉ። ለበዳ ኮሮና ኣብ ቊጠባ ዓለምና ርኡይ ኣሉታዊ ጽልዋ ምሕዳሩን ተመሃሮ ክፍሊቶም ክፍጽሙ ዓብዪ ሽግር ኮይንዎም ምህላዉን ይፍለጥ። ብፍላይ ካብ ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝመጹ ተመሃሮ ዓመታዊ ካብ 80ሽሕ ክሳብ 270 ሽሕ ክሮና እዮም ዝኸፍሉ ። ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ …

Read More »

ንምግታእ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምግታእ ተባሂሉ መንግስቲ ዝመደቦ መርመራ ከምቲ ዝድለ ይሳለጥከምዘየለ ተሓቢሩ ።

ኣብ ሽወደን ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምግታእ ተባሂሉ መንግስቲ ዝመደቦ መርመራ 100 000 ሰባት ኣብ ሰሙን ከምቲ ዝድለ ይሳለጥ ከምዘየለን፣ ዛጊት ትሕቲ ፍርቂ ናይዚ ዝተመደበ ቁጽሪ መርመራ ጥራይ ከምዝተመዝገበ፣ ንኣዋሃሃዲት ምርመራ ኮቪድ 19 ሃሪየት ቫልበርይ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት እታ ባዓል መዚ ብሰንኪ ኣብ ገለ ዞባታት ዝተገበረ ልዕልን ትሑትን ምቅርራብ፣ ቁጽሪ ተመርመርቲ ክትሕት ከምዝገበረን፣ ነዚ ምዕሩይ ንምግባሩ ይስራሕ ከምዘሎ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com