Monday , May 13 2024
Adam Ihse / TT / Kod 9200

ብጻዕቂ ህዝቢ ዘእንግዳ ኣብያተ መግቢ ክቕጽዓ ምዃነን ምምሕዳር ከተማታት ገሊጸን።

ምምሕዳራት ከተማ ሰብ እክብ ኢሉ ዝግልገለለን ኣብያተ መግቢ ንኽቐጽዓ ስልጣን ንኽወሃበን መንግስቲ እማመ ኣውጺኡ። ኣብ ኣብያተ መግቢ፥ ባራትን እንዳ ሻሂን ዘገልግል ኣገባብ ዘነጽር ሓድሽ ሕጊ ክህሉ ምዃኑ’ውን ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃሊንግረን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ለበዳ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ኣብዚ ሕጊ እቱዋት ክኾኑ እዮም ኢላ። ብመሰረት ንድፊ እዚ ሕጊ ምምሕዳራት ከተማ ኣብዚ ጒዳይ ፍሉይ ስልጣን ክወሃበን እዩ። ሓካይም ክፍሊ ምምሕዳር ኣብያተ መግቢ ይተዓጸዋ ንዝብል ሓሳብ እውን ይዝትየሉ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ሕጊ ኣብያተ መግቢ ክዕጸዋ ዝብል ትጽቢት ከም ዘልዋ እንተኾነ ግና ካብ ምዕጻው ብልዝብን መምርሒ ብምኽታልን እቲ ጒዳይ ክዳቐስ ከም እትደሊ ሃሊንግረን ሓቢራ። ብመሰረት እዚ እማመ ፖሊስ ነዘን ምምሕዳር ከተማታት ኣብ ምሕጋዝ ክዋፈሩ እዮም። ምስ ምምሕያሽ ክሊማ እክብ ኢልካ ኣብ ኣብያተ መግቢ ምዝንጋዕ ክህሉ ትጽቢት ከም ዝግበርን በዚ ድማ እዚ ሕጊ ካብ ባሕቲ ሓምለ ኣትሒዙ ክሳብ ምዝዛም እዛ ዓመት ኣብ ትግባረ ክውዕል ምዃኑን ወሲኻ ኣመልኪታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com