Thursday , May 9 2024

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ተጓዓዝቲ ማስክ ክለብሱ ክእዝዝ እዩ ።

ካብ 18 ግንቦት ንደሓር ተጓዓዝቲ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ብመሰረት ሕግታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ማስክ ክለብሱ እዮም ተባሂሉ። እዚ ሓደ ካብቶም ተጓዓዝቲ ብኮሮና ከይልበዱ ዝግበር ዘሎ ስጒምቲ እዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ን TT ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ሎሚ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ዝግበር ጒዕዞ ንምቕጻል ማዕጾኡ ምኽፋቱን መንገዲ ኣየራት ሓደስቲ ሕጊታት ኣብ ምስላጥ ክተግሃን ምእዛዙ ይፍለጥ። ” ነፈርቲ ጽብብ ዘበለ ቦታ ዘለወን ብምዃነን ክሳብ መሓሰ እዚ ኣገባብ ክንክተሎ ኢና ” ክትብል ዳይረክተር መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ማቲኣ ህይድሪን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com