Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ስተና ላይን(Stena Line) ወሃቢ ኣገልግሊት ጉዕዞ ባሕሪ ኣስታት 950 ካብ ሰራሕተኛታቱ ከጉድል ወሲኑ።

ምልባዕ ሕማም ኮሮና ብዝፈጠሮ ጽልዋ Stena Line – ወሃቢ ኣገልግሊት ጉዕዞ ባሕሪ ኣስታት 950 ካብ ሰራሕተኛታቱ ከጉድል ወሲኑ። እዚ ድማ ምስ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኩነታት ነቲ ትካል ኣብ ዘይተደለየ ክሳራታት ከይኣቱ ንምድሓንን ብተወሳክውን ንምውሓስ ዝህቦ ኣገልግሎት ካርጎዩ ምካኑ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ሓቢሮም።

Read More »

ኣብ መላእ ሽወደን ዝግበር ናይ ባቡር ጉዕዞታት ከምዝጎደለ ይሕበር።

ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሽወደን ዝግበር ናይ ባቡር ጉዕዞታት ብ 25% ከምዝነከየን እዚ ድማ እቲ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞታት ከምዝወሓደ ኩባንያ SJ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ካብን ናብን ከባቢታት ሽወደን ዝንቀሳቐሱ ገያሾ ቁጽሮም ብዓቢ ደረጃ ከምዝወሓደ ወሃብ ቃል እታ ኩባንያ፡ ዳን ኦሎፍሶን ገሊጹ። ናይ ባቡር መጓዓዝያ’ታ ኩባንያ ኣብ ቀንዲ መስመራት ዘገልግላ ኮይነን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ …

Read More »

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ኣብ ኲለን ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዘይምብጻሑ ይግለጽ ኣሎ።

ክፍሊ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ብግቡእ ክባጻሕ ዘይምኽኣሉ ትገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተት ስቲፈን ሉፊን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ መንግስቱ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲታት ክዕጸዋ ከም ለበዋ ምትሕልላፉን ገሊጹ። ዳይረክተር እቲ በዓልመዚ ፒተር ፍሬድሪክሰን ንኣገልግሎት ዜና ቲቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ርሕቀት ኣገልግሎት ምስትምሃር ምቅናዕ ከም ዘይተኻእለ ኣብሪሁ’ሎ። …

Read More »

ሆስፒታላት ሽወደን ሕጽረት መከላኸሊ ክዳውንቲን ማስከራታትን የጋጥመን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሓካይም ካብ ኮሮና ቫይረስ ዝከላኸለሎም ኣልባሳት ክህሉ እናተገብኦ ዛጊት ኣብ ብርክት ዝበላ ሆስፒታላት ሽወደን ሕጽረት ከም እተራእየ ተገሊጹ። ልዕሊ ዝኾነ ናይ ገጽ መከላኸሊ ከም ዝጥቀስ ድማ ተሓቢሩ። “እንደልዮ ክንረክብ ብዙሕ ጻዕርታት ንገብር ኣሎና” ትብል ካብ ዞባ ሶርማላንድ ዝኾነት ሄለና ሶደርኲስት። እዚ ሽግር ኣብ ሆስፒታላት ሽወደን ጥራይ ዘይኰነ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝረአ ዘሎ እዩ። ኣብ ቦርድ ሃገራዊ ጥዕናን ድሕነትን ዝሰርሕ ታሃ …

Read More »

ናብ ሽወደን ዝግበር ኲሉ ዘየድሊ ዓይነት ጒዕዞ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ደው ክብል እዩ ተባሂሉ።

ለበዳ ኮሮና ንምንካይ ብቆንስልን ኮሚሽንን ኣውሮጳን ብመሰረት ዝወጸ ጻውዒት ኲሎም ዘየድልዩ ዝተባህሉ ጒዕዞታት ንግዜኡ ደው ክብሉ እዮም። እዚ ውሳነ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ን 30 መዓልታት ተግባራዊ ክኸውን እዩ። እዚ ሕጊ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ዜጋታት ሽወደን ከም ዘይምልከትን ናብ ዓዶም ኣብ ዝደለይዎ ክምለሱ ከም ዝኽእሉን ድማ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምፔሪ ኣፍሊጣ’ላ። እዚ ውሳነ ብተወሳኺ ነቶም ኣህጒራዊ ዕቚባ ንዝደልዩን …

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ካብ ቤቶም ክዕቖቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ 70ታት ዘለዉ ሽማግለታት ብሕማም ኮሮና ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ንምጒዳል ኣብ ቤቶም ክዕቈቡ ጻውዒት ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ። “ኣብ ዝቐልጠፈ ከምዚ ዝበለ መልእኽቲ ከንመሓላልፍ ኢና” ክብክ ኣብ ኣገልግሎት ዜና TT ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ኣንድ ቲግኔል ሓቢሩ’ሎ። ብሪጣንያ ምስፍሕፋሕ ኮሮናን ንምግታእ ኣብ 70ታት ዝርከቡ ሽማግለታት ኣብ ቤቶም ክዕቈቡ ዝብል ፖሊሲ ተግባራዊ ምግባራ ድማ ተገሊጹ።፡ “እቲ ሕማም እንድሕሪ ላዕሊ ወጺኡ …

Read More »

ኲባንያታት መግቢ ዶብ ምዕጻው ኣብ ቀረብ መግቢ ዘምጽኦ ጽልዋ የለን ይብላ።

ሽወደን ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ምስ ጐረባብታ ዘለዋ ዶባት ምዕጻዋ ንቀረብ መግቢ ዘውርደሉ ሃስያ ከምዘየለ ተገሊጹ። “ሰባት መግቢ ክሃልኽ እዩ ዝብል ሻቕላ ክህሉ የብሎምን፥ እቲ ዘሎ ብድሆ ብምኽንያት ብዝሒ ጠለብ ንዂሉ እስካፋለ ሱፐርማርኬት ብኸመይ ትመልኦ ዝብል እዩ” ክብል ጋዜጠኛ ኣክስፉድ ማግኑስ ተርንብሉም ገሊጹ። ከም ኣካል ናይቲ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝገብራኦ ዘለዋ ምዕጻው ዶባት ሽወደን እውን ምስ ኖርዌይን ዴንማርክን ዘለዋ ዶባት …

Read More »

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኩሉ ሰብ ኣብ ቤቱ ኮይኑ ስርሑ ከሰልሳል ይሕተት።

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ሽወደናውያን ኣብ ውሽጢ ቤት ኮይኖም ምስራሕ ይውስኑ። ሰብመዚ ህዝባዊ ጥዕና ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣገልግሎት ኣብ ቬቶም ዝረኽቡሉ ኣገባብ ክመዓራረ ምዃኑ ሓቢሮም። ብኮሚኒቲ ደረጃ ካብ ሕሙም ናብ ጥዑይ እቲ ሕማም ይመሓላለፍ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ በዓልመዚ ብፍላይ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም እዚ ብብዝሒ ይኽሰት ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ይዂንምበር ምንጪ እዚ መልከፍቲ ዛጊት ዘይምፍላጡ ድማ ወሲኹ ኣብሪሁ’ሎ። ስለዚ ድማ ኣብ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ምቅራብ ወርሓዊ ጸብጻብ ንጥፈታት (aktivitetsrapport) ንግዝዩ ደው ከምዘበሎ ሓቢሩ።

ናብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ (arbetsförmedlingen) ብደለይቲ ስራሕ ዝቐርብ ዝነበረ ወርሓዊ ጸብጻብ ዝተፈላልየ ንጥፈታት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሰነ 2020 ደው ኣቢልዎ ከምዘሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ። እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ክፍሊት ከምቀደሙ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ብመንግስቲ ንዝወሃብ ክፍሊት ንምርካብ ደለይቲ ስራሕ ወርሓዊ ጸብጻብ ንጥፈታቶም ከቕርቡ ይግባእ። ገለ ካብቶም ክካይዱ ዝግባእ ንጥፈታት ድማ ከም ኣክቲቪቲ ስቱድን ኡትፊክሊንግስ ጋራንቲ ዝኣመሰሉ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን በዚ ለበዳ ቫይረስ ዝተጎድኣ ኲባንያታት ንምሕጋዝ ናይ 300 ቢልዮን ባጀት ይስልዕ።

“ብዝተኻእለ መጠን ኪባንያታት ካብዚ ቅልውላው ብደሓን ክገላገላ ድሌትና እዩ” ክትብል ማግዳሊን ኣንደርሰን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ንስ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ “ሽውደን ኣብ ወጥሪ ዝመልኦን ከቢድን እዋን ይጽበያ ኣሎ” ኢላ። እዚ ናይ ቅልውላው ፓኬጅ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትግባረ እንተውዒሉ ክሳብ 300 ቢልጎን ክሮና ክሽፍን ዝኽእል ማል ክሓትት ከም ዝኽእል ድማ ተገሚቱ’ሎ። ሓደ ካብቶም ዝተኣታተዉ ዘለዉ ኣካይዳታት ንሓጺር እዋን ዘገልግል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com