Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ንሓደ ሰብ ሰለስተ ባኮ “ ኣልቪዶል” ጥራይ ንኽሸጣ ፋርማሲታት ወሲነን።

ፋርማሲታት ሽወደን ነቲ ንቃንዛን ረስኒ ሰውነትን ንምቕናስ ዝውሰድ “ፓራሲታሞል” ዝዓይነቱ መድሃኒት ንሓደ ሰብ ውሱን ቁጽሪ ባኮታት ንኽሸጣ ወሲነን። ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ነፍሲ ወከፍ ዓዳጊ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሰለስተ ባኮታት ናይ “ ኣልቪዶል” ን “ፓናዶል” ን ዝበዝሕ ክዕድግ ከምዘይፍቀደሉ ተሓቢሩ። ብሰንኪ ተርእዮታት ተላባዒ ሕማም ክሮና ኣብ ሽወደን መጠን ዕድጊ ናይቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ብዝተጋነነ መልክዕ ድሕሪ ምዝያዱ ፋርማሲታት ምስ ሽወደናዊ …

Read More »

ሽወደን፡ ኣቐዲሞም ብቫይረስ ክሮና ተለኺፎም ከም ዝነበሩ ዘለሊ ሕክምናዊ መርመራ ተማዕብል።

ኣቐዲሞም ብቫይረስ ክሮና ተለኺፎም ከም ዝነበሩ ንምፍላጥ ዘኽእል ሕክምናዊ መርመራ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ሽወደን ክትግበር ምዃኑ ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ተመራማሪ ተላባዕቲ ሓማማት ዝኾነ ኣንደል ቲግኒል ሓቢሩ። እዚ ድማ ንተጻዋርነት ዓቕሚ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ንምግምጋምን ነቲ በዓል መዚ ጥዕና ዝኽተሎ ሕክምናዊ ስትራተጂታ ንምምዕርራይን ዝሕግዝ ምዃኑ ቲግኒል ወሲኹ ገሊጹ። ብዙሓት ሰባት ወላ’ኳ ፎከስቲ ምልክታት እትንተኣርኣዩ በቲ ሕማም ከም ዝተጠቕዑ …

Read More »

ስቶክሆልም ኮሚን ኣሃዱታት ፍሉይ ክንክን ኮሮናቫይረስ ብ 50% ንምዝያድ ምንቅስቓስ ትገብር።

ስቶክሆልም ኮሚን ፍሉይ ክንክን ኮረና ቫይረስ ብ 90% ንምውሳኽ ይሰርሕ ምህላዉን ቀስ ብቐስ ነቲ ቊጽሪ ብ 100% ንምዕባይ ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ምህላዉን ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ምልባዑን እዚ ድማ ኣብ ስቶክሆልም ብጻዕቂ ዝረአ ሽግር ምዃኑን ኣመልኪታ። “ዓቕሚ ሰብ ፍሉይ ክንክን ምስ ምልባዕ እዚ ሕማም ክውስኽ ግድነት እዩ” ክትብል ሃላፊት ጥዕና እዝ ኮሚን ዶክተር ኤልዳ ስፓሪድ …

Read More »

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ሕሙማት ኮሮና ንምእንጋድ ተወሳኺ ሆስፒታል ይኸፍቱ።

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ሕሙማት ኮሮናን ቫይረስ ንምእንጋድ ተወሳኺ ናይ ቴንዳ ሆስፒታል ከፊቶም። እዚ ሆስፒታል ሜዳ ቴንዳ፥ ግዜያዊ ክፍሊታት ናይ ዕቱብ ክንክን ኣሃዱታትን ዘጠቓልል ኮይኑ ዝማዕበለ ናውቲ ሕክምና እውን ከም ዝዓጠቐ ተገሊጹ’ሎ። “እዚ ንማሕበረሰብና እንህቦ ኣገልግሎት እዩ” ክብል ሓላፊ ፕረስ ሓይልታት ምክልኻል ጊስፐር ቲንግሮዝ ሓቢሩ’ሎ። 170 ክኢላታት ዘለዉዎ ናይ ምሉእ ግዜን ግዜያዊን ኣገልግሎት ኣሎና። ካብ ኦፕሳላ ድማ ዕብይ ዝበለ ኣሃዱታት ክንዝርግሕ …

Read More »

ናውቲ ሕክምና ዝጻዓነት መርከብ ናብ ሽወደን ተምርሕ።

መንግስቲ ስወደን ዓሰርተታት ኣሽሓት ናይ ገጽ ማስኬራታት፣ ቤጃ እድን ካላ ምሳለጥያ ሕክምና ዝጸዓነት መርከብ ናብ ሽወደን ኣቕኒዓ መዘላን፣ ምምጽኡን ዝያዳ ናውቲ ዝሓዘት መርከብ ነዚ ንግዚኡ ተፈጢሩ ዝነበረ ሽግር ዝፈትሕ እዩ። ሚኒስተር ጥዕና ሌና ሃለንግረን ነዚ ዜና ከም ዓወት እዩ ድሕሪ ምባላ መንግስቲ ነዚ ናውቲ ናብ ኣገልገልቲ ጥዕና ክዕደል እዩ ኢላ። ከምኒ ጀርመን ፈረንሳን ኢጣልያን ዝበላ ሃገራት ኣገልገልቲ ጥዕና ካብ ኮሮና …

Read More »

ከትማ ስቶክሆልም ናብ እንዳ ዓበይቲ ዝእለየሉ ዝግበር ምብጻሓት ትኽልክል።

ሓደስቲ ኣማኢት ሰባት ብኮሮና ኣብ ዝተለኽፉሉን ኣስታት 80 ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ህጹጽ ሕክምና ኣብ ዝእለይሉ ዘለዉ እዋን መዲና ሽወደን ስቶክሆልም ኣድላዪ ግበረ መልሲ ኣብ ምሃብ ከም እትርከብ ይገለጽ ኣሎ። ኣፈኛ ማእከላይ የማናዊ ሰልፊ ኣሳ ጃክሰን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ከንቲባ እታ ከተማ ኣቐዲሙ መን ምብጻሕ ክፍጽም ከም ዝኽእል ወሰን ምንባሩን ሕጂ ግን ጠቅሊሉ ናብ ተኣለይቲ ምብጻሕ ከምዝተኸልከለ፥ ብተወሰኺ ካልኣይ ደረጃ …

Read More »

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ቁጽሪ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ክውስኽ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

ክኢላታት ተላባዕቲ ሕማማት ከም ዝገለጽዎ ኣብ ሽወደን ብፍላይ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተወሰኽቲ ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ክጽብጸቡ ከም ዝኽእሉን እቲ ቊጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእልን ኣመልኪቶም ኣለዉ። ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ኣንደርስ ተግኔል ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ብዙሓት ግዳያት ጽንኲር ዘይኰነ ሕማም ምስዓቡን ገና ብዙሓት ሰባት ክልከፉ ከም ዝኽእሉን ኣመልኪቶም ኣለዉ። ተግኔል ናብ ሽወደን ዝግበር ኲሉ ዘየድሊ ጒዕዞታት ክእገድን ኣብ ክሊ …

Read More »

ሚኒስተር ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ቅድሚ ቤት ትምህርታት ምዕጻውና መሰል ወለዲ ከነውሕስ ይግባኣና ይብል።

ቤት ትምህርታት ናይ ምዕጻው እዋን ግዝይኡ ኣይኣኸለን ክብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ኣርደላን ሸካራቢ፡ ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ኣድላይ ኮይኑ እንተድኣረኺብዎ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ቤት ትምህርታትን መዋእለ ህጻናትን ንኽዓጹ ቅድሚ ቅሩብ ሰዓታት ፍቓድ ብፓርላማ ከምዝተዋህቦ ይፍለጥ። ቤት ትምህርታት ክንዓጹ እንተድኣ ተገዲድና ኣቐዲምና እተን ስድራ ቤታት ገንዘባዊ ካሕሳ ክረኽባ ከምዘለወን ከነውሕስ ይግባኣና ክብል እቲ ሚኒስተር ንተለቪዥን ሽወደን TT ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ንኹለን …

Read More »

ፓርላማ ሽወደን ትጽቢት ዝተገብረሉ ሕጊ ይሰማማዓሉ፣ መንግስቲ ታሕተዎት ኣብያተ ትምህርታት ንኽዓጹ የፍቅድ ይቃድ ይረክብ።

መንግስቲ ሽወደን ኣድላይ ኮይኑ እንተድኣረኺብዎ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ቤት ትምህርታት ንኽዓጹ ካብ ትማሊ ሓሙስ ዝተጋብኤ ፓርላማ ሽወደን ፍቓድ ከምዝተዋህቦ ተፈሊጡ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቶም ኣብ ሰላማዊ እዋናት ዘጋጥሙ ፍሉያት ተርእዩታት ተባሂሉ ዝሕገግ ምዃኑ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ንቤት ትምህርታት እንተድኣ ክዓጹ ኮይኑ፡ ነቶም ወለዶም ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ቦታታት ዝሰርሑ ቆልዑ መውዓልን መዘናግዕን መእለይን ቦታታት ከዳልውሎም፡ ከምኡ ውን ነቶም ፍሉይ ኣተሓሕዛ …

Read More »

Swedish News in tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 18 መጋቢት 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com