Friday , May 10 2024

ስቶክሆልም ኮሚን ኣሃዱታት ፍሉይ ክንክን ኮሮናቫይረስ ብ 50% ንምዝያድ ምንቅስቓስ ትገብር።

ስቶክሆልም ኮሚን ፍሉይ ክንክን ኮረና ቫይረስ ብ 90% ንምውሳኽ ይሰርሕ ምህላዉን ቀስ ብቐስ ነቲ ቊጽሪ ብ 100% ንምዕባይ ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ምህላዉን ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ምልባዑን እዚ ድማ ኣብ ስቶክሆልም ብጻዕቂ ዝረአ ሽግር ምዃኑን ኣመልኪታ።

“ዓቕሚ ሰብ ፍሉይ ክንክን ምስ ምልባዕ እዚ ሕማም ክውስኽ ግድነት እዩ” ክትብል ሃላፊት ጥዕና እዝ ኮሚን ዶክተር ኤልዳ ስፓሪድ ን ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ገሊጻ’ላ። “ኮሮና ቫይረስ ይዂን ካልእ ሕማም ዘለዎም ሕሙማት ንምፍዋስ ዘኽእል ዓቕሚ ኣሎና ዝበለት እታ ሓላፊት እዚ ዓቕሚ ሰብ ብ 100% ንኽዓቢ ተዓጢቖም ይሰርሑ ምህላዎም ኣመልኪታ’ላ። እዚ ይዂን’ምበር እቲ ኣሃዱ ፍሉይ ክንክን ሕጽረት ብግቡእ ዝሰልጠና ነርሳት ከም ዘለዎ ኣይሓብአን።፡ “እዚ ሕማም ከም ኣብ ዓዲ ጣልያን እተራእየ ብፍጥነት እንተተላቢዑ ንምእላዩ ክንሽገር ንኽእል ኢና”! ድማ ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com