Friday , May 10 2024

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ሕሙማት ኮሮና ንምእንጋድ ተወሳኺ ሆስፒታል ይኸፍቱ።

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ሕሙማት ኮሮናን ቫይረስ ንምእንጋድ ተወሳኺ ናይ ቴንዳ ሆስፒታል ከፊቶም። እዚ ሆስፒታል ሜዳ ቴንዳ፥ ግዜያዊ ክፍሊታት ናይ ዕቱብ ክንክን ኣሃዱታትን ዘጠቓልል ኮይኑ ዝማዕበለ ናውቲ ሕክምና እውን ከም ዝዓጠቐ ተገሊጹ’ሎ። “እዚ ንማሕበረሰብና እንህቦ ኣገልግሎት እዩ” ክብል ሓላፊ ፕረስ ሓይልታት ምክልኻል ጊስፐር ቲንግሮዝ ሓቢሩ’ሎ። 170 ክኢላታት ዘለዉዎ ናይ ምሉእ ግዜን ግዜያዊን ኣገልግሎት ኣሎና። ካብ ኦፕሳላ ድማ ዕብይ ዝበለ ኣሃዱታት ክንዝርግሕ ኢና ኢሉ’ሎ። “እዚ ኣብ መዓልታት ክንፍጽሞ ቈሪጽና ተበጊስና ኣሎና” ክብል ድማ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com