Friday , May 10 2024

ሽወደን፡ ኣቐዲሞም ብቫይረስ ክሮና ተለኺፎም ከም ዝነበሩ ዘለሊ ሕክምናዊ መርመራ ተማዕብል።

ኣቐዲሞም ብቫይረስ ክሮና ተለኺፎም ከም ዝነበሩ ንምፍላጥ ዘኽእል ሕክምናዊ መርመራ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ሽወደን ክትግበር ምዃኑ ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ተመራማሪ ተላባዕቲ ሓማማት ዝኾነ ኣንደል ቲግኒል ሓቢሩ። እዚ ድማ ንተጻዋርነት ዓቕሚ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ንምግምጋምን ነቲ በዓል መዚ ጥዕና ዝኽተሎ ሕክምናዊ ስትራተጂታ ንምምዕርራይን ዝሕግዝ ምዃኑ ቲግኒል ወሲኹ ገሊጹ። ብዙሓት ሰባት ወላ’ኳ ፎከስቲ ምልክታት እትንተኣርኣዩ በቲ ሕማም ከም ዝተጠቕዑ ከይፈለጡ ይጸንሑ።

እዚ ጥዕናዊ መርመራ ነቶም ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑን ንመጥቃዕቲ ናይዚ ቫይረስ ቅሉዓት ዝኾኑ ሰባት ሓጋዚ ምዃኑ ተነጊሩ። እዚ ድማ ኣቐዲሙ ብቫይረስ ክሮና ተጠቒዑ ዝነበረ ሰብ’ሞ ካብቲ ሕማም ዝሓወየ ሰብ ከም ካድር (ኣላይ) ኮይኑ ንዓበይቲ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ካብ ተመክሮኡ እንዳ ኣካፈለ ብኸመይ ነቲ ሕማም ክቋወምዎ ከምዘለዎም እንዳሓበረ ዝግባእ ጥዕናዊ ክንክን ንኸበርክት ዕድል ዝህብ እዩ።

ሽወደን ነዚ ከምዚ ዓይነት ምርምር ንመጀመርያ ግዜ ኣይኮነትን ትጥቀመሉ ዘላ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ከም ዝተጠቀመትሉን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ንሕማም ኮቪድ 19 ክትጥቀመሉ ምዃና ቲግኒል ምስ ተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ክሮና ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት ካብቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ቁጽሪ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእልን ምኽንያት ናይዚ ድማ እቲ መርመራ ናብ ብምሉኡ ሕብረተ ሰብ ስለዘይተኻየደ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሽወደን ንተላባዕነት ናይዚ ሕማም ኣመልኪታ ብጹር ስእሊ ከምዘለዋ ቲግኒል ወሲኩ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com