Friday , May 10 2024

ንሓደ ሰብ ሰለስተ ባኮ “ ኣልቪዶል” ጥራይ ንኽሸጣ ፋርማሲታት ወሲነን።

ፋርማሲታት ሽወደን ነቲ ንቃንዛን ረስኒ ሰውነትን ንምቕናስ ዝውሰድ “ፓራሲታሞል” ዝዓይነቱ መድሃኒት ንሓደ ሰብ ውሱን ቁጽሪ ባኮታት ንኽሸጣ ወሲነን። ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ነፍሲ ወከፍ ዓዳጊ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሰለስተ ባኮታት ናይ “ ኣልቪዶል” ን “ፓናዶል” ን ዝበዝሕ ክዕድግ ከምዘይፍቀደሉ ተሓቢሩ። ብሰንኪ ተርእዮታት ተላባዒ ሕማም ክሮና ኣብ ሽወደን መጠን ዕድጊ ናይቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ብዝተጋነነ መልክዕ ድሕሪ ምዝያዱ ፋርማሲታት ምስ ሽወደናዊ ናይ መድሃኒት ኤጀንሲ ብምርድዳእ ነዚ ውሳነ ከም ዘመሓላለፋ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ሕጽረት ናይ ከምዚኣቶም ዝዓይነቶም መድሃኒታት ከምዘየለ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር ሃልኪ ናይዞም መድሃኒታት ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ እንተድኣ ቀጺሉ ግን ሕጽረት ከጓንፈና ይኽእል እዩ ክብል ዋና ኣካያዲ እቲ ናይ መድሃኒት ኤጀንሲ፡ ዮሃን ዋይለር፡ ንሽወደናዊ መደበር ዜና TT ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com