Thursday , May 9 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ንምግታእ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምግታእ ተባሂሉ መንግስቲ ዝመደቦ መርመራ ከምቲ ዝድለ ይሳለጥከምዘየለ ተሓቢሩ ።

ኣብ ሽወደን ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምግታእ ተባሂሉ መንግስቲ ዝመደቦ መርመራ 100 000 ሰባት ኣብ ሰሙን ከምቲ ዝድለ ይሳለጥ ከምዘየለን፣ ዛጊት ትሕቲ ፍርቂ ናይዚ ዝተመደበ ቁጽሪ መርመራ ጥራይ ከምዝተመዝገበ፣ ንኣዋሃሃዲት ምርመራ ኮቪድ 19 ሃሪየት ቫልበርይ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት እታ ባዓል መዚ ብሰንኪ ኣብ ገለ ዞባታት ዝተገበረ ልዕልን ትሑትን ምቅርራብ፣ ቁጽሪ ተመርመርቲ ክትሕት ከምዝገበረን፣ ነዚ ምዕሩይ ንምግባሩ ይስራሕ ከምዘሎ ኣመልኪታ። መንግስቲ ንምክልኻል ምልባዕ ቫይረስ ኮሮናን፣ ምድሓን ሂወት ደቂ ሰብን ካብ ብዝብል ዕላማ ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ማለት ሰራሕተኛታት ሕክምና፣ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋዉያንን ኣብ ኣድለይቲ ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎ ንዝሰርሑ ሰባት ቀዳምነት ብማሃብ፣ ካብ ፍርቂ ናይዚ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ሰሙን 100 000 ሰባት ምርመራ ክካየድ ዝብል መደብ ብምዉጻእ ይንቀሳቐስ ከምዘሎን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com