Saturday , May 11 2024

ትማሊ ምሽት ኣብዝተኻይደ ክትዕ ሰልፍታት መንግስቲ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ።

መንግስቲ ሽወደን ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ዝተጠቀመሉ ስትራተጂ ጉጉይ ከምዝነብረ ኣብ ናይ ትማሊ  ዝተገብረ ናይ መንግስትን ተቓወምትን ናይ ተሌቭዥን ክትዕ ብብርቱዕ ተነቒፉ። ሰልፍታት ተቓዉሞ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ክሪስ ደሞክራትን ሽወደን ደሞክራስን ብትርር ብዝበለ ቓና፣ መንግስቲ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምዉዓል ዝገበሮ ምንቅስቓስ ጠንቂ ሞትን ቁጠባዊ ክሳራታትን እዛ ሃገር ከጋጥማ ክኢሉ እዩ ብምባል ነቐፌተኦም ኣቕሪቦም።

መራሒ መንግስቲ ሽወደን ነቲ ነቐፌታ ድሕሪ ምንጻግ መንግስቲ ሽወደንን ዓለምን ነዚ ከይታሓስበን ባህርያቱን ዓቐኑን ክሳብ ሕጂ ዘይተፈልጠ ሃንደበት ለበዳ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ቡዙሕ እኳ እንተዘይገብርና እዚ ሃገር ዘፍቅዶ ስትራተጂን ናይ ምክልኻል ምንቅስቓስን ከምዝተግብረ፣ ንዝቐረበ ነቐፌታ ተኸላኺሉ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ክትዕ፣ ንእገባብ ኣታሓሕዛ ኮቪድ 19፣ ቁጠባ ሃገርን፣ ከምኡ እዉን ጉዳይ ሕክምናን ኣብያተ መእለይ እረጋዉያንን ሰራሕተኛታቱን ኣብ ዝምልከት፣ ቀንዲ ዛዕባ ምንባሮምን ኣዝዩ ሩሱን ክትዕ ተካይድሉን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com