Monday , May 20 2024

ጥዕና

ብቐሊሉ ኣብ ገዛ ብዝዳሎ፡ ብኣትክልቲ ዝስራሕ ዝሑል ሻሂ ብምስታይ፡ ጥዕናኻ ሓሉ

ኣብ መዓልቲ ክንደይ ዝኣክል ማይ ክንሰቲ ኣሎና?  ካብ 2 ክሳብ 3 ሊትሮ ዝኣክል ማይ ክንሰቲ ከም ዝግባኣና ክኢላታት ይመኽሩ። ለውጢ ክኾነካ እንተድኣ ደሊኻ ድማ፡ ብቐሊሉን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ገዛ ከተዳልዎ ብእትኽእል ዝሑል ናይ ኣትክልቲ ሻሂ ክትሰቲ ትኽእል ኢኻ።እንድሕሪ እዚ ዘድክመካ ኰይኑ ተሰሚዑካ ዝበረደ ሻሂ ምኡዝ ተኽሊ ክትሰቲ ትኽእል ኢኻ። ዝኾነ ውዑይ ሻሂ ናብ ዝሑል መስተ ክቕየር ይኽእል እዩ። ብዘይካ …

Read More »

ብሰንኪ መልከፍቲ ኮሮና ፡ 70 ዝኾኑ ህጻናት ብሓድሽ ሕማም ከም ተለኽፉ ተፈሊጡ

ሽወደናውያን ተመራመርቲ፡ ንፈለማ ግዜ መርመራ ስርዓተ ምክልካል፡ ሕሙማት ኮሮና፡ ምስ ኣካየዱ፡ ሓደ ፍሉይ ዝኾነ ሕማም ረኺቦም። እቲ ስርዓተ ምክልኻል ንገዛእ ርእሱ ሕማም ኮይኑ ጸኒሑ። 70 ዝኾኑ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ህጻናት፡ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮሮና እተኸስተ ብሓድሽ MIS-C ዝተባህለ ሕማም ተለኺፎም ምጽነሖም ተፈሊጡ። ብመሰረት እዞም ተመራመርቲ፡ ቀንዲ ምልክታት እዚ ሓድሽ ሕማም፡  ቃንዛ ኣብ ከብዲ፡ ዕግርግር ምባልን ልዑል መጠን ረስንን ኮይኑ ኣብ ገለ …

Read More »

ኣብ ኤውሮፓ፡ ሓደገኛ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ከየጋጥም፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የጠንቅቕ

ኣብ ኤውሮፓ፡ ኣሰካፊ ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ይረአ ምህላዉ ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤውሮፓ፡ ሃንስ ክሎዊ፡ ምስ TT ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ። ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ወርሒ ሰኔ፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ በጺሑ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ግን ክውስኽ ይረአ ኣሎ። ምስ ምብዛሕ ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዝካየዱ ዘለዉ መርመራታት ኮሮና፡ ብዝሒ ናይቶም ብቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ግዴታ’ኳ እንተኾነ፡ ሓደገኛ ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ለበዳ …

Read More »

97% ካብ ህጻናት ሽወደን፡ ሓያል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘጥረዩ እዮም

መደባት ክታበት ቆልዑ ኣብ ሽወደን፡ ብስሩዕ ኣገባብን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምህላዉን ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደንን ኤጀንሲ ሕክምናዊ ፍርያትን ዝቐረቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ካብ ዓመተ 2014 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝቐርብ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣስታት 97% ካብቶም ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኾኑ ቆልዑ ሽወደን፡ ኣንጻር ሓደገኛ ሕማማት፡ ሓያል ዝኾነ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣጥርዮም። ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2019፡ ኣስታት 86% ካብተን 13 ዓመት …

Read More »

ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ሕክምናዊ ቆጸራታተን ኣብኲረን

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ጡብ መንሽሮ መርመራ ንኽካይዳ ሒዘንኦ ኣብ ዝነበራ ቆጸራ ከምዘይተረኽባ ብምሕባር፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን መጺአን መርመርአን ከካይዳ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ጸዊዑ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መብዛሕትአን ኣብ ቆጸረአን ዘይተረኽባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኮሮና ቫይረስ ንኸይልከፋ ስለ ዝፈረሃ እየን ክብል ኣብ ምምሕዳር ሃላንድ፡ ሓላፊ ክፍሊ ኤክስሬይ፡ ኢንገር ሃሊን፡ ገሊጹ። ኣብ እዋን ቅልውላው ቫይረስ …

Read More »

ቤት ትምህርታት፡ ብሰንኪ ጸረርታ ኣፍንጫ፡ ንተማሃሮ ገዝኦም ብምምላሰን፡ ወለዲ ቁጠዐኦም ገሊጾም ተባሂሉ

ተማሃሮ፡ ፎኲስ ጸረርታ ኣፍንጫ ምስ ዘርእዩ፡ ቤት ትምህርታት፡ ብቐጥታ ናብ ኣባይቶም ከም ዝምለሱ ስለ ዝገብረኦም ብወገን ወለዲ፡ ቁጠዐ ከምተሰምዐ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ቁጽሪ ናይቶም ንደቆም ንኽናብዩ ዕረፍቲ ዝወሰዱ ሰባት (Vab)፡ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ ክውስኽ ከምተራእየ ይፍለጥ። እቲ ወሰኽ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ክሳብ 66% ምብጽሑ ተሓቢሩ። ወደይ፡ ናይ ኣፍንጫ ጸረርታ ምስ ኣርኣየ፡ ቤት ትምህርቲ ንገዛ ክመልሶ ኣብ ዝወሰነሉ …

Read More »

መርመራ ኮሮና ንምክያድ ዘሎ ትጽቢት፡ ንተኣማንነት ውጽኢታት ይጸልዎ

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሽወደን ዝርከባ ኣሃዱታት ሓለዋ ጥዕና፡ ብጸቕጢ ናይቶም መርመራ ኮሮና ክገብሩ ዝደልዩ ብዝሒ ሰባት፡ ይሳቐያ ከምዘለዋን ከም ሳዕቤኑ ድማ መርመራ ክገብር ዝደሊ ሰብ ንነዊሕ እዋን ክጽበ ስለዝግደድ፡ ዘተኣማምን ውጽኢት መርመራ ንምርካብ ኣሸጋሪ ይኸውን ኣሎ ክብሉ ጸብጻባት ደህሳስ መርበብ ሓበሬታ TT ገሊጾም። ኣብቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ኩለን ከባቢታት ሽወደን፡ ማለት 21 ከባቢታት፡ ከም ዝተሳተፋን፡ ተጽዕኖ ናይ መስርሕ መርመራ ወላ’ኳ ከቢድ …

Read More »

ሓደገኝነት ሕማም ኮቪድ-19 ብኣግኡ ዝሕብሩ ምልክታት ኣብ ደም ሕሙም ክረአዩ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

ሕማም ኮቪድ-19 ናብ ሓደገኛ መድራኹ ከይበጽሐ ብኣግኡ ዝሕብሩ ምልክታት፡ ኣብ ደም ሕሙም ክረአዩ ከምዝኽእሉ ሓድሽ ሽወደናዊ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ኣስታት 160 ብከቢድ ደረጃ፡ ሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ቅምሶታት ደሞም ተወሲዱ ምስ ተመርመረ፡ ኣብ ደሞም፡ ልዑል መጠን ዘለዎም ፍሉያት ዓይነት ዋህዮታት ከምተረኽቡ ሽወደናዊ መጽናዕቲ ይሕብር። እዞም ዋህዮታት፡ ነቶም ኣብ ደም ንዝርከቡ፡ ዋህዮታት ኣንጉዕ ናይ ኣዕጽምቲ፡ ደቆስቲ ምዃኖም ይፍለጡ። ኣብ ፈለማ እዋናት ሕማም …

Read More »

ካብ ለበዳ ኮሮና ንላዕሊ ንዓለምና ዘስግኣ ጥሜት እዩ፡ ይብሉ ክኢላታት

ዓለምና ናብ ሓደ ዘይተጸበየቶ ናይ ጥሜት ቅልውላው ተምርሕ ምህላዋን ብምኽንያት ኮሮና ዝኽሰት ጥሜት ካብቲ ለበዳ ዘኸሰቶ መጠን ሞት ዝበዝሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ። ኣብ ዓለምና፡ ኣብ 2030፡ ቁጽሪ ብዓጸቦ ናይ ዝሳቐዩ ሰባት ናብ 909 ሚልዮን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዝሓበሩ ክኢላታት፡ ኣብ መወዳእታ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ጥሜት፡ መዓልታዊ፡ ኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ኣህጉራዊ ተሓጋጋዚ …

Read More »

ኖርወይ፡ ነቶም ካብ ኦረብሮን ዮምትላንድን ዝመጹ ገያሾ ውሸባ ክገብሩ ምኻኖም ሓቢራ

ካብ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሮም፡ እቶም ካብ ሽወደናውያን ምምሕዳራት ኦረብሮን ዮምትላንድን ዝመጹ ገያሾ፡ ናይ 10 መዓልታት ውሸባ ክገብሩ ምኻኖም ኖርወይ ምሕባራ ተፈሊጡ። ኖርወይ ነዚ ውሳነ ክተመሓላልፍ ዝተገደደት፡ ብሰንኪ ኣብዘን ምምሕዳራት ዝረአ ዘሎ ወሰኽ መልከፍቲ ኮሮና ምኻኑ ገሊጻ። ኣብዘን ምምሕዳራት፡ 20 ካብ 100 ሽሕ ሰባት፡ ብኮሮና ዝተለኽፉ ኣለዉ ድማ ትብል። ኖርወይ፡ ንገለ ካብ ከባቢታት ፊንላንድን ዴኒማርክን ዝመጹ በጻሕቲ ውን መስርሕ ውሸባ ከምዝግበኦም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com