Monday , May 20 2024

ጥዕና

ቀይድታት ምብጻሕ፡ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ክለዓል እዩ ተባሂሉ

ካብ ጽባሕ ሓሙስ ዕለት 01/10/2020 ጀሚሩ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ምብጻሕ ክጅመርን እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ጸኒዑ ዝነበረ ቀይዲ ክለዓልን ምዃኑ ተሌቪዥን ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ሓደስቲ ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ዘመዝገበት ምምሕዳር ከተማ ዮኮሞክ (Jokkmokk) ትርከበን ምምሕዳራት ኣስከርሹንድ (Askersund)፡ ቦለቢግድ (Bollebygd)፡ ቨስተርቪክ (Västervik)፡ ሉድቪካን (Ludvika) ሌክሳንድን (Leksand) ግን ነቲ ጸኒዑ ዝነበረ …

Read More »

ኣብ ውሱናት ምምሕዳራት ሽወደን፡ ለበዳ ኮሮና ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ከም በዓል ቬስተርቡተን፡ ዳላርናን ስቶክሆሎምን ዝኣመሰላ ምምሕዳራት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይረአ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ሓቂ ነዚ ዝመስል’ኳ እንተኾነ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ስም ናይተን ምምሕዳራት ከይገለጸ፡ ተወሳኺ ቀይድታት ከመሓላልፍ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብደርጃ ምምሕዳራትን ከባቢታትን፡ መምርሒታት ከመሓላልፍ እዩ ክትብል ኣብ’ቲ በዓል መዚ፡ ሓላፊት ኣሃዱ ዝኾነት ካሪን …

Read More »

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት፡ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ንምግባር፡ ክጽበዩ ይግደዱ

ቆጸራ ናይቶም ሕክምናዊ መጥባሕቲ ንምግባር ዝዳለዉ ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት፡ ብሰንኪ ንዓበይቲ ሰባት ቀዳምነታት ምሃብ፡ ከምዝተሰጋገረ ኣብ ዮቶቦሪ ዝርከብ ሆስፒታል ዶርትኒን ሲልቭያ (Drottning Silvia) ሓቢሩ። ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየዱ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 360 ከምዝጎደለን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ መጥባሕቲ ከምዘይተኻየደን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መስርዕ ናይ ቆጸራታት …

Read More »

መምርሒ መንግስቲ ሽወደን፡ ንብዝሒ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ዝምልከት

ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ መላእ ኤውሮፓ፡ ይቀላቐል ኣብ ዘሎ እዋን፡ መምርሒታትን ምኽርታትን ሰብ መዚ ጥዕና ከም እንደገና ኣብ ትግባረ ክውዕሉ መጸዋዕታት ይመሓላለፉ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ንናይ ምትእኽኻብ ቀይዲ ካብ 50 ሰብ ክብ ክብለሉ ዝኽእል መንገድታት ንኸናድዩ ንዝምልከቶም ኣካላት መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ምትእኽኻብ ክሳብ 500 ሰብ ክኸውንን ሰባት ኣብ መንጎኦም ናይ 1 ሜትሮ ጥራይ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ናይ ሓንቲ ብኮሮና ዝተለኽፈት ሽወደናዊት ዩኒቨርስቲ፡ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ወሲኑ

ኣብ ቨስትሮስ እትርከብ ዩኒቨርስቲ ሜላዳለን (Mälardalen)፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ጽምብል ናይ ተማሃሮ፡ ለበዳ ኮሮና ብምስፍሕፍሑ፡ ምምሕዳር’ቲ ዩኒቨርስቲ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንውሱናት ተማሃሮ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ዓውደ ቁጠባ ዝመሃሩ 31 ተማሃሮ፡ ብቫይረስ ከምተለኽፉ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ነቲ ዝተራእየ ለበዳ ንምቁጽጻር፡ ምምሕዳር’ቲ ዩኒቨርስቲ ምስ ኣሃዱ ምክልኻል ለበዳ ብምትሕብባር፡ ንኽልተ ሳምንታት ዝኣክል ነቶም ተማሃሮ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክህብ ወሲኑ። መብዛሕትኦም ብቫይረስ …

Read More »

ዛላታን ኢብራሂሞቪች ብኮሮና ቫይረስ ተጠቒዑ

ሽወደናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፡ ዛላታን ኢብራሂሞቪች፡ ብኮሮና ቫይረስ ከም ተለኽፈ ምንጭታት ኣረጋጊጾም። ክለብ ኤሲ ሚላን፡ ሎሚ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘመሓላለፎ፡ ውጽኢት መርመራ ቫይረስ ኮሮና፡ ናይ ኢብራሂሞቪች፡ ኣወንታዊ ምንባሩ ሓቢሩ ክብል SVT ኣቃሊሑ። ሎሚ ኣንጻር ኖርወጃዊ ክለብ ቦዶ ግሊሚት፡ ኣብ ዝካየድ ውድድር ምጽራይ ክለባት ኤውሮፓ ከምዘይስለፍ፡ ክለብ ኤሲ ሚላን፡ ሓቢሩ። ውጽኢት መርመራ ናይ ካልኦት ተጻወትን ኣባላት ምምሕዳር’ታ ክለብን ግን …

Read More »

ኣውስትርያ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዘንበረቶ ናይ መገሻ ቀይድታት ኣልዒላቶ

ካብ ሎሚ ዕለት 24/09/2020 ጀሚሩ፡ ናብ ሽወደን ዝግበር ዝኾነ ዓይነት መገሻ ፍቑድ ምዃኑ፡ ወጻኢ ጉዳያት ኣውስትርያ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢላ፡ ሃገረ ኣውስትርያ፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደን፡ ናይ መገሻ ቀይድታት ገይራ ምንባራ ይዝከር። ብኻልእ ወገን፡ ወጻኢ ጉዳያት ኣውስትርያ፡ ናብ ርእሲ ከተማ ቼክ ዝኾነት ብራጋን ከተማ ፓሪስ ትርከቦ ምምሕዳር ኢል ዶ ፍራንስ ዝግበር መገሻታት ፍቑድ ከምዘይኮነ፡ ሎሚ፡ …

Read More »

ንድሕነት ህጻናት ሓደገኛ ዝኾኑ መጻወቲ ኣቕሑ ካብ ዕዳጋታት ተሳሒቦም

ሽወደናዊ ኤጀንሲ ኣህለኽቲ፡ ንድሕነት ህጻናት ሓደገኛ ዝኾኑ መጻወቲ ኣቕሑ ካብ ዕዳጋታት ከምዝሰሓበ ተፈሊጡ። እቲ ኤጀንሲያ፡ ን15 ናይ ትሕቲ 3 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት መጻወቲ ኣቕሑ ድሕሪ ምምርማር፡ 4 መጻወቲታት፡ ንድሕነት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ምዃኖም ተረጋጊጹ። መካይን፡ ሳንዱቕ ናይ ሙዚቃ ዘለዎም ምስሊ እንስሳታት፡ ሓደ ካብ ገጸ ባህርያት ፊልሚታት ዲዝኒ ዝለበሰ መጻወቲን ዓንኬላዊ መጻወቲታት ዝኣመሰሉ መጻወቲ ኣቕሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ። እዞም መጻወቲ ኣቕሑ፡ …

Read More »

ኦስሎ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ

ኣብ ርእሲ ከተማ ኖርወይ፡ ኦስሎ፡ ካብቲ ብቕድሚ ትማሊ ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ትማሊ መዓልቲ፡ ብዕጽፊ ብምውሳኹ ካብ 22 ናብ 55 ሓደስቲ ሉኹፋት ኮሮና ክብ ከምዝበለ SVT ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ በዓል መዚ ከተማ ኦስሎ፡ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ምትእኽኻብ ቀይዲ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ክእከቡ ከምዘይብሎም ሓቢሩ ምንባሩን። ፍሉይ ምትእኽኻብ፡ ከም ቀንዲ ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ክኸውን ከምዝኽእል ኣስሚሩሉ። በዓል መዚ …

Read More »

ኣኼባታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ንኻልእ እዋን ተመሓላሊፉ

ንዕለት 24 ን 25 መስከረም ኣብ ከተማ ብራስለስ፡ ቤልጁም፡ ንኽካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮና ንዕለት 2 ን 3 ጥቅምቲ ከምተሰጋገረ ተሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣቦወንበር ቤት ምኽሪ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ቻርለስ ሚሸል፡ ብኮሮና ተለኺፉ ንኸይከውን ብምስጋእ ተወሺቡ ብምህላዉ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስ ሓደ ናይ ጸጥታ ሓላፊ፡ ብምኽንያት ስራሕ ክንራኸብ ቀኒና። እቲ ናይ ጸጥታ ሓላፉ፡ ብኮሮና …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com