Tuesday , May 14 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣፍሪቃ

እቲ ንመበል ካልኣይ ግዜ ኣብ ዓለምና ዝተራእየ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ንኣፍሪቃ ከቢድ ሃስያ ከምዘውረደላ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ዜና ከምዘመልከቶ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኣብ መጀመሪያ ዙር ብደሓን ወጺኣቶ እኳ እንተነበረት፡ ኣብዚ ካልኣይ ማዕበል ግን እቲ ለበዳ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዝሒ ዘሎዎም መልከፍቲ ከምዝተራእዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዋላ እኳ ምሃብ ክታበት ኣብ ካልእ ክፍለዓለም እንተጀመረ፡ ዛጊት ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘይተጀመረ ይፍለጥ። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ እቲ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝድገፍ ኮቫክ ዝተባህለ ማዕከን፡ ክልተ ቢልዮን ዶላር እኳ እንተኣከበ፡ እኹል ኮይኑ ስለዘይተረኽበ ብኻልእ መገዲ ፈተነታት ይካየዱ ከምዘለዉ ይንገር ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እታ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብለበዳ ኮሮና ኣቐድም ኣቢላ ተጠቒዓ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን በቲ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝተራእየ፡ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት፡ ቁጽሮም እንዳዓበየ ምምጽኡ ተፈሊጡ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com