Tuesday , May 14 2024
Catalyst thefts continue to increase explosively in Sweden. Foto Janerik Henriksson / TT kod 10010

ስርቂ ፡ናይ መካይን ሻምብቆታት ትኪ (avgasrör)፡ ወሲኹ

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ስርቂ ናይ መካይን ሻምብቆታት ትኪ፡ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን ምስ ናይ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ንጸብጻባት ዜና SVT መሰረት ብምግባር ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስርቂ መስርሓት፡ ብኣህጉራውያን ጉጅለታት ገበን ዝተወጠነ እዩ ክብል ፖሊስ ሽወደን ገሊጹ።

ናይ መካይን ሻምብቆታት ትኪ፡ ብቐሊሉ ክሞልቕ ዝኽእል ክፋል መኪና ኮይኑ፡ እቶም ምኩራት ሰረቕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ዘይኣክል፡ መኪና ሓፍ ብምባል ነቲ ሻምብቆ ቆሪጾም ክወስድዎ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ናይ ስርቂ ተግባራት፡ ኣብዘን ዝሓለፈ ዓመታት ጥራይ ብናህሪ ክውስኽ ከምዝተራእየ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2018፡ ክሳብ 17 ኣጋጣሚታት ስርቂ ከም ዝተመዝገቡን ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ናይ 2021 ድማ ክሳብ 3877 ናይ ስርቂ ኣጋጣሚታት ከምዝተመዝገቡ መዝገባት ኩባንያታት መድሕን ይሕብሩ።

ናይ መካይን ሻምብቆታት ትኪ፡ ክቡር ዝኾነ ማዕድን ከምዘለዎምን እቶም ገበነኛታት ነቶም ሻምብቆታት ዝሸጥሎም ዕዳጋታት ውን ብዙሓት ከምዘለዉ ይንገር። ብድሕሪ’ዚ፡ እቶም ዓደግቲ፡ ነቶም ሻምብቆታት ኣምኪኾም፡ ነቲ ክቡር ማዕድን ፈልዮም ኣውጺኦም ከምዝሸጥዎም ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com