Tuesday , May 14 2024
President Joe Biden speaks about the government's COVID-19 response (AP Photo/Andrew Harnik) DCAH226

ኣመሪካ፥ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንውሳነ ባይደን ውዱቕ ጌርዎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኲባንያታት ዝዓዩ ሰባት ክኽተቡ ወይ ሰሙናዊ መርመራ ክግበረሎም ዝብል ውሳነ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ዓጊትዎ።

እዚ ንደረት ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ዝሓልፍ ውሳነ እዩ ንምባል እዩ እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ውሳነ ከም ዝዓገቶ ገሊጹ’ሎ። ኣብ መንግስቲ ዝምውለን መደብራት ጥዕና ንዝሰርሑ ኣባላት ውሱን ናይ ክትባት መምርሒ ኣብ ትግባረ ክውዕል ከም ዝኽእል ክልቲኣቶም ብተናጸል ወሲኖም ኣለዉ፡ እዚ መምርሒ ነዚ ለበዳ ንምቅላስ ክሕግዝ እዩ ክብል ምምሕዳር ባይደን ገሊጹ’ሎ።

ዝጸንሖ ህዝባዊ ድጋፍ እናንቈልቈለ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንት ባይደን፡ በዚ ውሳነ ከም ዝሓዘነ ድሕሪ ምግላጽ “ህይወት ሰራሕተኛታት ከድሕን ዝኽእል ኣመት እዩ ኔሩ” ኢሉ። “መራሕቲ ቢዝነስ እንተላይ ሲሶ ኲባንያ ፎርቹን ብቕጽበት ኣብዚ መምርሒ ክጽንበሩን ናይ ክትባት ረቛሒታት ብምትግባር ሰራሕተኛታቶም፥ ዓማዊሎምን ኮማዊ ጥዕናን ክሕልዉ” ከም ዝግባእ ባይደን ጸዊዑ’ሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ትራምፕ “ብውሳነ እዚ ቤት ፍርዲ ኣዝየ እየ ተሓቢነ፥ እዞም ሕጊታት ባይደን ኣብ ትግባረ ክውዕሉ ተጌሩ እንተዝነብር ንቊጠባና ዓብዪ ዕንወት መስዓበሉ ኔሩ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com