Tuesday , May 14 2024

ኣብዛ ዓመት ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ከምዘንቖልቖለ ተገሊጹ!!

ናብ ሽወደን ዝግበር ስደት ምንቊልቋሉ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ሽወደን ገሊጹ። ኣብ መፋርቕ እዚ ዓመት ምስ ዓመተ 2018 ብምንጽጻር ናብ ሽወደን ዝግበር ዝነበረ ስደት ብዓሰርተ ሚእታዊት ምንካዩ ካብ በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ብፍላይ ድማ ካብ ሶርያ ዝግበር ዝነበረ ስደት ኣጸቢቑ ምጒዳሉ (ብሓሙሳ ሚእታዊት ምንካዩ) ተገሊጹ።

ካብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ስደት ብኣንጻሩ ወሰኽ ምርኣዩ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝረአ ምውሳኽ ስደት ሰብኡት ሓላፍነት ዝወስዱሉ እዮም ክብል እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ሽወደን 55 ሽሕን 222 ሰባት ምስዳዶምን እዚ ምስ ካብ 2013 ዝነበረ ተኸታታሊ ቊጽሪ እንክነጻጸር ዝነኣሰ ኣሃዝ ምዃኑ እቲ ጸብጻባት ኣስሚሩሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com