Tuesday , May 14 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ጸጥታዊ ኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ንኽፍተሽ፡ ሓሳብ ቀሪቡ

ድሕሪ እቲ ኣብ ሄለብይ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ፡ ብኽልተ ብኸቢድ ገበን ዝተፈርዱ እሱራት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተገብረ መጭወይቲ ተኸቲሉ፡ በዓል መዚ ምምሕዳር ኣብያተ ማእሰርቲ ሽወደን፡ ኣብ ማእከላት ማእሰርትን ተሃድሶን ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን ኣሰራርሓን ክፍትሽ ከምዘሎዎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ኣታሓሳሲቡ።

ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ኣቶ ሞርጋን ጆሃንሶን፡ ፖሊስን ሰራሕተኛታት ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ነቶም በቶም ክልተ ገበነኛታት ጅሆ ዝተታሕዙ ኣባላት ምምሕዳር ማእሰርቲ ንምፍታሕ ዝገበርዎ ዉሕሉል ስራሕን ጥበብን ብምንኣድ ተመሳሳሊ ተግባር ከይፍጸም፡ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣሰራርሓ ሓለዋን ጸጥታን ተፍትሽ ከካይድ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ። መንግስቲ ሽወደን እዉን ነቲ ዝግበር ክለሳ ኣሰራርሓን ንምሕጋዝ ድሉዉ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እቶም ብቕትለት ሰብን ካልእ ዓበይቲ ገበናት ፍሩዳት ዝኾኑ ክልተ ገበነኛታት፡ ድሕሪ ዝፈጸምዎ ናይ ጅሆ ገበን፡ ንምርመራ ጉዳዮም ተመሪሑ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com