Wednesday , May 31 2023
Breaking News

ሕግን ሕብረተሰብን

ሓድሽ  ሕጊ  ኢመግረሽን ካብ 1  ጥቅምቲ 2023 ክጅምር እዩ።

ሚኒስተር ኢመግረሽን ማርያ  ማልመር ከምዝሓበረቶ ካብ  1 ጥቅምቲ  2023 ጀሚሩ  ብናይ  ስራሕ ፍቓድ ናብ ስዊድን ምምጻእ ዝምልከት ካብቲ  ቅድሚ  ሕጂ  ዝነበሮ ድሞዝ ናይ 13000 ክሮነር ብዕጽፊ ብምውሳኽ ዝኾነ መንበሪ ፍቃድ ብምኽንያት  ስራሕ ዘመልክት ሰብ ደሞዙ  26650 ክኽውን ከምዝተወሰነ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ  መግለጺ ኣፍሊጣ። እዚ ማለት ነቶም ትሑት እቶት ዘለዎ  ስራሕ ዝሰርሑ ከም  ናይ  ጽሬት  ስራሕተኛታትን ናይ  ቤት መግቢ  ሰራሕተኛታትን ዝጸልው  …

Read More »

Aktuellt ኩነተ ህላወ no.2 ማሕበራዊ ሽግራትናን መፍትሒኡን

Read More »

ዮሃና ንሃገራዊ መዓልቲ ነጻነት ስዊድን 6 juni 2022

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ሽወደን ብዝሒ ዘለዎ ዕጸ ፋርስ ሒዛ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ ሽወደን ብዝሒ ዘለዎ ሓሽሽ ምስ ናርኮቲክ ምትእስሳር ዘለዎም መድሃኒታትን ካልኦትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም፡ ሬድዮ ሽወደን ካብ ፖሊስ እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ብምጥቃስ ሓቢራ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ ክሳብ 23 ኲንታል ሓሽሽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። እዚ ምስ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ናይ 14 ቶን ኣሃዝ እንክነጻጸር፡ ዘገርም ወሰኽ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ እዋን ለበዳ ዝነበረ ናይ ምንቅስቓስ …

Read More »

ካብ ዝተሓተ ማሕበረ-ቚጠባዊ ኩነታት ዝመጹ ተመሃሮ ናብ ካልኣይ ደረጃ ይሓልፉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ዝበዝሑ ዝተሓተ ማሕበረ-ቚጠባዊ ኩነታት ካብ ዘለወን ከባቢታት ዝመጹ ተመሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ፡ ብጽቡቕ ነጥቢ ሓሊፎም ናብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝኣትዉ ተገሊጹ። ኣብ 2015፡ 70% ካብቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ከባቢታት ዝመጹ ተመሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ናብ ካልኣይ ደረጃ ክኣትዉ እንከለዉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ኣሃዝ ናብ 77% ክብ ምባሉ ተመልኪቱ። እዚ ኣሃዝ ምስተን ካብ ዝሃብተማ ከባቢታት ዝመጹ ተመሃሮ እንክወዳደር ገና ብዙሕ ከም ዝተርፎ እዩ ዝግለጽ። …

Read More »

ሬድዮ ሽወደን ብቋንቋ ዩክሬይን ኣገልግሎት ክትህብ እያ።

ካብ ዝቕጽል ሰሙን ኣትሒዛ፡ ሬድዮ ሽወደን ብቋንቋ ዩክሬይን ኣገልግሎት ምሃብ ክትጅምር እያ ተባሂሉ። ሬድዮ ሽወደን፡ ጒዳይ ኲናት ይክሬይን ዝጽብጽብ ራሻ ፖድካስት ዝተሰምየ ፕሮግራም ምትእትታዋ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ብቋንቋ ዩክሬይን ዝመሓላለፈ መደብ፡ ኣብ ውሽጣዊ ዜናታት ሽወደን ዘተኲር ኮይኑ፡ ነቶም ድሕሪ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ኣስታት 32,500 ስደተኛታት ሸቶ ዝገብር እዩ ተባሂሉ’ሎ። “እዞም ስደተኛታት፡ ዜናታት ብቋንቋ ኣዴኦም ክሰምዑ ኣድላዪ እዩ፡፡ ብዘይካዚ፡ ኣብ ብርክት …

Read More »

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተዓጽየን ዝጸንሓ ፓርክታት ሽወደን ይኽፈታ ኣለዋ።

ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ዝጠንተወ ፖርክ ምዝንጋዕ ምዃኑ ዝንገረሉ ግሮና ሉንድ ወቕቲ ቀውዒን ሳመርን ወቕቲ ክፉት ክኸውን እዩ። እዚ ከም ኣርማ ስቶክሆልም ዝውሰድ ቦታ ድሕሪ ክልተ ርግኣት ዝረሓቐን ዓመታት ናብ ንቡር ኲነታቱ ተመሊሱ’ሎ። ግሮና ሉንድ፡ ኣብ ዮተበሪ ዝርከብ ዝዓበየ ናይ ምዝንጋዕ ፓርክ ሊስበርግ፡ ከምኡውን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኣብ 2020 ክዕጸዉ ከም እተገብሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውስኑነት ተኸፊተን ዝጸንሓ …

Read More »

መወዳእታ መዓልቲ ምምልካት ኮርስታት ዩኒቨርሲቲ ቀውዒ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ።

ኣብ ሽወደን ናይ ቀውዒ ኮርስ ክወስዱ ንዝደልዩ ሎሚ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ብምዃና ናይ መመልከቲ ሕቶኦም ቀልጢፎ ከእትዉ ጻውዒት ቀሪቡ።. ነቲ ኮርስ ንምምልካት ሎሚ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ናይ መወዳእታ ዕድል እዩ። ድሕሪዚ ዝተረፈ ደረጃታት ንምምላእ ገና ግዜ ስለ ዝህሉ ንምምዝጋብ ተቐላጠፉ ክብል ኣብ ቆንስል ላዕለዋይ ትምህርቲ ሮቢን ጆሃንሰን ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። ዝለዓለ ነጥቢ ዝሓቱ ከምኒ ሕጊ፡ መዲሲን፡ ሳይኮሎጂ፡ ሲቪላዊ ምህንድስናን …

Read More »

ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝበዝሐ ሽቕለት ተመዝጊቡ ተባሂሉ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ብጠቕላላ 207,000 ናብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለት ከም እተመዝገበን እዚ ድማ ዝለዓለ ቊጽሪ ምዃኑን ተገሊጹ። ተንታኒ ኣገልግሎት ሽቕለት ኣንደርሽ ልዩንበርግ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ዘሎናዮ ግዜ እቲ ዝበዝሐ ኣሃዝዩ ኢሉ። ድሕሪ ምውዳእ ለበዳ ሓደስቲ ደለይት ስራሕ ንምቚጻር ድሌት ምህላዉ እውን ይግለጽ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ መጋቢት ዝነበረ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ከባቢ 7% ካብ ጠቕላላ ሓይሊ ሽቕለት ምዃኑን፡ እዚ ድማ …

Read More »

ተመልከትቲ ሲነማ ዝብላዕ ሒዝካ ምእታው ክኽልከሉ እዮም።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ናብ ሲነማ ፊልምስታደን ናይ ባዕልኻ መግቢ ጥዕሞት መግቢ ሒዝካ ምምጻእ ከም እተከልከለ ጋዜጣ ፎክብላዴት ሓቢራ። ኣብ ክንዳኡ ዓማዊል ኣብቲ ሲነማ ዝቐርቡ ቅልል ዝበሉ ዝብልዑን ዝስተዩን ነገራት ክገዝኡ ከም ዝኽእሉ ክግበር እዩ። ምስ ጥዕና እተኣሳሰሩ ፍሉያት ምኽንያታት ዘለዎም ገዲፍካ ኲሎም ዓማዊል ናይ ባዕልኻ መግቢ ሒዝካ ምምጻእ ኲልኲል ክኸውን እዩ–ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com