Saturday , April 27 2024

ፊንላንድ ንሻብዓይ ተኸታታሊ ዓመት ኣዝያ ሕጉስቲ ሃገር ተባሂላ

ፊንላንድ ሎም ዓመት እውን ብደረጃ ዓለም ኣዝያ ሕጒስቲ ሃገር ተባሂላ። ብመሰረት ጸብጻብ ደረጃ “ሓጎስ ዓለም 2024” ነዚ ሽልማት ክትረክብ ፊንላንድ ሕጂ ንሻብዓይ ግዜኣ እያ። እዚ ቀጻሊ ኣፍልጦ ኸኣ ኣብ ኣነባብራ ፊንላንድ ዓለምለኻዊ ተገዳስነት ክፍጠር ኣለዓዒሉ’ሎ፡፡ ኣብ ፊንላንድ ሓጎስ ዝፈጠር ዘሎ ከመይ ዘበለ ኣገባብ ህይወት እዩ ዝብል ሕቶ ማእከል እዚ ተገዳስነት እዩ። እዚ ኣዝዩ እወታዊ ምስሊ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ነታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝህቦ ዝዓዘዘ ቦታ ኣብ ምስሓብ ወፍሪ፡ በጻሕትን ክኢላታት ሰብ ሞያን ዘለዎ ጠቕሚ ዝለዓለ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት፡ ፊንላንድ ብተደጋጋሚ ዝረኸበቶ ዓወታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ርኡይ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ረኺቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ምስጢር ሓጎስ ፊንላንድ ዓለምለኻዊ ፍልጠት ንኽህሉ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። እዚ ተገዳስነት እዚ ንዝተፈላለዩ መዳያት ሕብረተሰብ ፊንላንድ፥ ከም እኒ ስርዓተ ትምህርቱ፣ ናይ ስራሕ-ህይወት ኣሰራርሓኡን ናብ ተፈጥሮ ዝቐርብ ኣነባብራኡን ዝገምገመ እዩ፣ ንኣብነት ። ኣብ ቢዝነስ ፊንላንድ ዳይረክተር ካንትሪ ብሬንዲንግ ዮሃና ጃካላ፡ ኣብ ጸብጻብ ሓጎስ ሕቡራት ሃገራት ፊንላንድ ላዕለዋይ ደረጃ ምህላዋ ዘለዎ ዋጋ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን ትብል። ኣብ ጸብጻብ ሓጎስ ተደጋጋሚ ቀዳማይ ደረጃ ምሓዝና ንፊንላንድ ኣዝዩ ዋጋ ዘለዎ ጒዳይ እዩ፡፡ እዚ ኣብ ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን ርኡይ ተቐባልነትን ኣፍልጦን ዘምጽኣልና እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓጎስ ዝጭበጥ ኣካል ምስሊ ሃገርና ኮይኑ ኣሎ ክትብል ጃካላ ወሲኻ ገሊጻ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ቴማ ሓጎስ ኣብ ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ዕዳጋ ብሰፊሑ ኣብ ጠቕሚ ውዒሉ እዩ። ንበጻሕቲ፡ ወፍርን ክኢላታትን፡ እንተላይ ንጀመርቲ ሰብ ሃብቲ ንምስሓብ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ እዩ። “ቪዚት ፊንላንድ” ነቲ ቴማ ኣብ ከም Rent a Finn"ን Masterclass of Happinessን ዝኣመሰሉ ብሰፊሑ ዝረኣዩ ጎስጓሳት ኣእትዩዎ’ሎ። ንኢንቨስት ኢን ፊንላንድ፡
ቴክኖሎጂ ፊንላንድ፡ ዘላቕነትን ሓጐስን እምነ ኩርናዕ ናይ ዕዳጋ ጻዕርታቶም ኮይኖም፡ ንዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ፥ ርጉእን ውሑስን ህይወት ፊንላንድ ዘጉልሑ እዮም። ጃካላ፡ ምስሊ ሃገር ምድንፋዕ ወፍሪ ወጻኢ፡ ቱሪዝምን ኣህጉራዊ ሞያዊ ክእለትን ንምስሓብ
ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ትሕብር። ፊንላንድ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝቐርብ ጸብጻባት ሓጎስ ድሕሪ ደጊም ቀዳማይ ደረጃ እንተዘይሒዛ እንታይ ክፍጠር እዩ? ጃካላ ፊንላንድ ካብ ላዕለዋይ ደረጃ እንተወሪዳ ነቲ ዝለዓለ ደረጃ ናብ ካልእ ከነሕልፎ ባህርያዊ እዩ፥ ይኹን’ምበር ፊንላንድ ሕጂ ውን ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ደረጃ ክትጸንሕ ተኽእሎ ኣሎ ትብል። ብሕቡራት ሃገራት ዓመታዊ ዝሕተም ጸብጻብ ሓጎስ ዓለም፡ ካብ ኣስታት 150 ሃገራት ብዝተረኽበ መረዳእታታት መሰረት ብምግባር፡ ንሕጉሳት ሃገራት ዓለም ሰሪዑ’ሎ። ኣብዚ ደረጃ ንፊንላንድ ስዒበን ዴንማርክን ኣይስላንድን ተቐሚጠን ኣለዋ፡፡ እዚ ድማ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ላዕለዎት ደረጃታት ዓለማዊ ሓጎስ ዘለወን ሓያል ህላወ ዘጉልሕ እዩ–ብመሰረት ጸብጻብ ሄልሲንኪ ታይምስ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com