Saturday , May 18 2024

ስፖርት

መራሒት ሰልፊ ሊበራል ሳቡኒ ን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንጉስ ኢኻ ብምባል ኣድናቖታ ትገልጽ።

መራሒት ሰልፊ ሊበራ ኒማኮ ሳቡኒ ኣ ንወዲ 20 ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ ደገፊ ሃገራዊት ጋንታ ሩምንያ ኩዕሶ ኣብ ዝሕዘሉ ግዜ ንዝወረዶ ናይ ዓለትነት ጸርፊን ንዝድርበየሉ ዝነብረ ዝተፈላለየ ነገራት ተጻዊሩ ንዘርኣዮ ትዕግስቲ ንስኻ ንጉስ ኢኻ ክትብል ገሊጻቶ። ንሳ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ሰልፊ ሊበራል ኣብ ዘስምዓቶ መደረ ንመላእ ኣብላት እታ ጋንታ ናይ ዮሃና ድሕሪ ምባል ” ሓደ ካብ ኣብላት ጋንታና ግዳይ ዓሌትነት ጸርፊ …

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደንን ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ኣብ ዋንጫ ዩሮ 2020 ስታፌኦም የውሕሱ። ኣሌክሳንደር ኢሳቕ: ንሶም ዓለታዊ ጸርፎም ይቐጽሉ ግደፎም መልሲ ናይ ስዕረቶም ስለዝኾነ!! ንሕና ኣብ ጎኑ ኣለና ንስኹም ኸ?

ትማሊ ምሽተ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ናብ ሮምንያ ብምጋሽ ብ ናይ 2 ብ 0 ዓወት ስታፊኣ ኣብ ዋንጫ ዩሮ 2020 ኣብ ዘውሓሰትሉ፣ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ኣብ መበል 78 ደቒቓ ን በርይ ተኪኡ ናብ ሜዳ ኣብዝ ኣተወሉ፣ በዚ ውጽኢት ዕረ ዝጠዓሞም ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ሮማንያ ዓሌታዊ ጸርፊ እዩም ኣውሒዘሙሉ። እንተኾነ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ዘይከምቶም ካልኦት ጸልምቲ ተጻወቲ ብ ማእክላይ ዳኛ ናይቲ ምሸት ዳኒኤለ ኦርሳቶ …

Read More »

ክለብ ዩርጎደን ቻምፒዮን ኩዑሶ እግሪ ኣልስቫኒስካ ሽወደን ኮይና።

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብ ኣልስቫንስካ ዝፍለጥ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሽወደን መጋረጅኡ ኣብ ዝዓጸወሉ ብድራማቲካዊ ውጺኢት ካብ ከተማ ስቶኮልም ዝኾነት ክለብ ዩርጎደን ተዛዚሙ። ናብ´ዚ ናይ መወዳእታ መዛዘሚ ግጥማት ኩለን ዓበይቲ ክለባት ተቀራራቢ ነጥቢ ብምውህላል ማለት ክለብ ዩርጎርደን 65 ነጥቢ ማልሞ ብ 62፣ ሃማርቢ ብ 62 ከምእውን ኣይኮ ብ 59 ነጥቢ ብምሓዝ እየን ልቢ ኣፍቀርቲ ኣንጠልጢሉ ብምቕናይ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ …

Read More »

ሕጹያት ን ቡሉጽ ሽወደናዊ ኣጥቃዓይ 2019 ኣሌክሳንደዶ፥ ዛላታን ወይስ ሮቢን?

ንብሉጽ ሽወደናዊ ኣጥቃዓይ ኩዑሶ እግሪ እዛ ዓመት ንምምራጽ ፈደረሽን ኩዑሶ እግሪ ሽወደን ኣሰማት ሰለስተ ብሉጻት ተጻወቲ ሑጽያት ረቒሑ። እዞም ሰልስተ ቡሉጻት ተጻወቲ እዛ ዓመት ዝበሎም፥ ወዲ 38 ዓመት እንዳሓደረ ከም ነቢት ዝመቀረ ምስ ኣመሪካዊት ክለብ ኤል ኤ ጋላክስ ብዙሕ ሸቶታት ኣብ ምምዝጋብ ዘሎ ዘላታን ኢብራሂሞቪች ። ካብ ክለብ ጀርመናዊ ዶርትሞን ናብ ሆላንዳዊት ክለብ ዊልያም ብመልክዕ ልቃሕ ብምስግጋር ኣብ ሓጺር ግዜ …

Read More »

ሄኖግ ጎይቶኦም ሱፐር ሃትሪክ ኣብ ሰርሓሉ ክልቡ ኣይኮ ዳግማይ ክብራ ንምዕቓብ ትቃለስ!!

ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሽወደን ማለት ኣልስቫኒስካ ናይ ውድድር ግዚኡ ንምዝዛብ ክለባት ከክልተ ጸወታ ተሪፍወን ኣብዘሎ እዋን ብ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ትምራሕ ክለብ ኣይኮ ትማሊ ምሽት እዚ ተጻዋታይ 4 ሽቶታት ብሽሙ ብምምዝጋብን ሓንቲ ኣብዝቀረበሉን፣ ክለቡ ን ፋልኮንበሪይ 5 ብ 1 ብምስዓር ምስ ክለባት ሃማርቢ፣ ማልሞን ሓንቲ ጸወታ ተረፍ ዘለዋ ዮርድጎርደን ብማዕረ  59 ነጥቢ ዘውዲ ሻምፒዮን ሽወደን ንምድፋእ ትመጣጠር። ክለብ ኣይኮ ናይ ዓቢ …

Read More »

ኣሰልጣኒ ጁቨንቱስ ነበር ማሲሚላኖ ኣለርጊን ኤቭራብ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ የምርሑ!!

ናይ ቅድም ኣሰልጣኒ ኢጣልያዊት ጁቬንቱስ ማሲሚላኖ ኣለርጊ፡ ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ማንቸስተር ዩናይትድ ኮይኑ ምስ ዝቝጸር ንፈረንሳዊ ፓትሪስ ኤቭራ ሓደ ካብ ተሓጋገዝቱ ገይሩ ከም ዝቘጽሮ ተዛሪቡ። ኤቭራ ካብ 2006 ክሳብ 2014 ማልያ ማንቸስተር ዩናይትድ ወድዩ ኣብ ዝተጻወተሉ፡ ሓሙሽተ ናይ ፕሪመር ሊግ ወናጩ ከም ዝዓተረ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ ናይ ሻምፕዮንስ ሊግ ጽዋእ’ውን ምስታ ጋንታ ኮይኑ ኣልዒሉ’ዩ። ኣለርጊ ኣሰልጣኒ ዩናይትድ ኮይኑ እንተደኣ ተቘጺሩ፡ ንኤቭራ ሒዙ …

Read More »

ኬንያዊ ኣትለት ኢሉድ ኪፕቾገ ሎሚ ንማራቶን ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ብምውድኡ ታሪክ ሰሪሑ!!

ኣብ ታሪክ ማራቶን ንመጀመርያ ግዜ ትሕቲ ክልተ ሰዓት ብምእታው  ኬንያዊ ኢነዮስ ቻሌንጅ 1:59 ታሪክ ሰሪሑ።ኬንያዊ ኢልዩድ ኪፕቾገ ኣብ  ቬና ኣብ ዝገበሮ ውድድር ኣብ ዝተወሰነ ርሕቐት እናተቐያየሩ ብዝኣትው ኣቐላጠፍቲ (Pace Makers) ተሓጊዙ: ንውድድር ማራቶን ብትሕቲ 2 ሰዓት ማለት ብሓደ ሰዓትን፡ 59 ደቂቕን 42 ካልኢትን ብምፍጻም ታሪኽ ሰሪሑ::

Read More »

ሓወልቲ ዝላታን ኣብ ከተማ ማልሞ ተመሪቁ!!

ብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ን ኣበርክቶ ዝላታን ኣፈልጦ ንምሃብ ኣብ ዝዓበየላን ኩዕሶ እግሪ ዝጀመረላ ከተማ ማልሞ ትማሊ ባዕሊ ኣብ ዝተረኸበሉ ተመሪቑ። ኣብ ስነስርዓት እቲ መመረቕታ ኣብ ዓለም ዘይኽኣል የለን ኣነ ድማ ህያው ኣብነት እየ ዝበለ ዝላታን ኣብ 7 ዓበይቲ ክለባትን ካልኦትን ዝተጻወተን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሸቶን ኮይኑ ንዝኽሩ ካብ ብሩር ዝተሰርሐ ሓወልቲ ተሰሪሕሉ። እዛ ሓወልቲ ብመኣዝን ሜዳ …

Read More »

ኤርትራ ታዓዋቲት ነሓስ መዳልያ ውድድር ሴካፋ ኮይና።

ብ ኣሰልጣኒ ኣለምስገድ ኤፍሬም እንዳተኣልየት ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ውድድር ምብራቕን ማእከላይ ኣፍሪቃ ትሕቲ 20 ዓመት ንሱዳን 1ብ0 ረቲዓ ተሸላሚት ነሓስ ሜዳልያ’ዚ ውድድር ኮይና። እዛ ሃገራዊት ጋንታ ብድምር 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ብ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ 1 ብ 0 ተረቲዓ እያ ናብዚ ደርጀ ዝበጽሔት። ንእንኮ ሸቶ’ዚ ጸወታ ቢንያም መንግስትኣብ ኣመዝጊብዋ። ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ምድብ ተራኺበን 3ብ3 ተፈላልየን ምንባረን ኣይርሰዓን።

Read More »

ኣብ ከተማ ማልሞ ንዛላታን ኢቭራሂሞቪች ሓወልቲ ይስርሓሉ!!

ብማሕበር ኩዑሶ እግሪ ሽወደን ንምምሕዳር ከተማ ዝተዋህበ ህያብ ሓወልቲ ህቡብ ሽወደናዊ ተጻዋታይ ዝኾነ ዝላታን ኢብራሂሞቪች ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ዕለት 8/10/2019 ኣብ ከተማ ማልሞ ክቀውም እዩ። ዝላታትን ኢንራሂሞቪች ዝርከቦም ካልኦት ህቡባት ስፖርተኛታትን ውሩያት ሰባትን ኣፍቀርቱን ኣብቲ መዓልቲ ክርከቡ ከም ዝኽእሉ ይእመት።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com