Wednesday , May 15 2024

ካብዝን ካብትን

ኣንጻር ግብረሽበራውያን ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ጽኑዕ ሕጊ ንኽቐውም ይጥለብ።

ኣንጻር ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ግብረሽበራውያን ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ጽኑዕ ሕጊ ንኽቐውም ሓላፊ ኤሚግሬሽን፡ ሚካኤል ሪበንቪክ፡ ጸዊዑ። ናይዚ ዘለናዮ ግዜ መምርሒታት ብጣዕሚ ዘጽርፉ እዮም። ነዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም። ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ከም ነፍሲ ወከፍ ሰብ መዕረ መሰል ይሕለወሎም ክብል ቅሬታኡ ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 122 ግብረሽበራውያን ናይ …

Read More »

ብሰንኪ ቫይረስ ፖስታ ፖስኖርድ ምስ ቻይና ዝነበረ ኣገልግሎት ደው ምባሉ ተገሊጹ።

ኲባንያ ፖስታ ሽወደን ፖስኖርድ ኣብነት ካልኦት ኣገልግሎት ፖስታ ብምስዓብ ብሰንኪ ተላባዒ ቫይረስ ኮሮና ኣገልግሎቱ ናብ ቻይና ደው ምባሉ ገሊጹ’ሎ። በዚ ድማ ካብ ቻይና ኣቕሓ ክመጾም ዝጽበዩ ዝነበሩ ብትዕግስቲ ክጽበዩ ከም ዝግባእ እቲ ኲባንያ ሓቢሩ’ሎ። “ብሰንኪ እዚ ሕማም ካብ ሽወደን ናብ ቻይና ዝግበር ናይ መራኽብ ኣገልግሎት ፖስታ ደው ክብል ጌርና ኣሎና” ክትብል ኣፈኛ እቲ ትካል ማርያ ኢብሲን ገሊጻ’ላ።

Read More »

ካሮሊንክሳ ንኣህጒራዊ ምርምር ክታበት ኮሮና ቫይረስ ከም እተጸንበረቶ ገሊጻ።

ቫይረስ ኮሮና ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ክሳራ ኣብ ምውሳዂ ንምዕጋቱ ዘድሊ ናይ ክትባት ኣገልግሎት ንምድላው ኣብ ሽወደን ኣጻዳፊ ስራሕ ከም እተጀመረ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ትካል ካሮሊንክስ ዝርከቡ ተመራመርቲ ነዚ ዛጊት 24 ሽሕ ሰባት ኣጥቂዑ ከም ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ሓደ ኣፈናዊ ናይ ክትባት ሕዋስ ንምድላው ኣብ ስራሕ ከም ዝርከቡ ድማ ተመልኪቱ። መብዛሕትኦም እዞም ሕሙማት ኣብ ሃገረ ቻይና እዮም ዝርከቡ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ዝኸበራ ቀዳማይ ዓሰርተ ዝኸበራ ምክራይ ኣባይቲ ኣብ ሽወደን።

እተን ቀዳሞት ሰለስተ ዝኸበራ ናይ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ከባቢ ምዕራባዊ ገማግም ከተማ ዮተቦሪ ከምዝርከባን እታ ዝኸበረት ገዛ ክራይ ክሳብ 32160 ክሮነር ከም እትበጽሕ ናይ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት መጽሔት Hem & Hyra ሓቢራ። ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ዝኸበረት ናይ ክራይ ገዛ ኣብ ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር እትርከብ ከተማ ማልሞ ትርከብ። ከምዚ ዓይነት ኣባይቲ ንምክራይ ዓመታዊ ክሳብ 800 ሽሕ ክሮነር ኣታዊ ክህልወካ …

Read More »

ጎልደን ብሪጅ ዝተሰምየ ሓድሽ ድልድል ሕላገት ስቶክሆልም ክኸውን እዩ።

እዚ ን ሶደርማልምን ጋምላ ስታንን ዘራኽብ ድልድል መስሕብ በጻሕቲ ብምዃን ሓድሽ ሕላገት ስቶክሆልም ክኸውን እዩ ተባሂሉ። እታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብቐስታ እትጐዓዝ ዘላን ነቲ 139 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጎልደን ብሪጅ ጼራን ዘላ ጃልባ ብምልኽንያት ብርቱዕ ንፋሳት ምድንጓያ እንተኾነ ግና ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ናብ መዓልቦኣ ክትበጽሕ ምዃና ይንገር ኣሎ። እዚ ድልድል ኣካላ ናይቲ ኣዝዩ ብብዝሒ ሸመትቲ ዘአንግድ ዕዳጋ እታ መዲና ክኸውን እዩ …

Read More »

ካብ ሃገራት ኖርዲክ፡ ብዘይ ዘይምምጥጣን ኣትዊ ሽወደን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ

ካብ 2000 ክሳብ 2017 ዘሎ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ኣታዊታት ውልቀ ሰባት ዘሎ ጋግ እናገፈሐ ምኻዱ ካብ ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ሃገራት ኖርዲክ ዝወጸ መግለጺ ኣቃሊዑ። ኣብ ሃገራት እስካንደናቭያ ብምውድዳር፡ ኣብ ሽወደን እቲ ናይ ኣታዊ ጋግ ዝዓበየ ምዃኑ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጸብጻብ ዘቕረቦ ግዜ፡ ሽወደን እታ ዝዓበየ ዘይተመጣጠነ ኣታዊ ዘለዋ ኖርዲካዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ቅልጡፍ ቁጠባዊ …

Read More »

ሚኒስተር መጓዓዝያ ሽወደን ዝቐልጠፋ ባቡራት ኣብ ምስራሕ ክምዝርከብ ሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ዝቐልጠፋ ባቡራት ናይ ምስራሕ መደቡ ወላ’ኳ ካብ ዓቃባውን ክርስትያን ዲሞክራስያዊ ሰልፍታት ደገፍ እንተዘይረኸበሉ ክቕጽሎ ምዃኑ ሚኒስተር ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ሽወደን፡ ቶማስ ኢኒሮስ፡ ሓቢሩ። ዝቐልጠፋ ባቡራት ናይ ምስራሕ እማመ ወላ’ኳ እኹል ደገፍ ኣይርከብ ናብ ፓርላማ ክቐርብ ምዃኑን ሰልፊ ሞደራትና ድማ ነቲ እማመ ክድግፎ ተስፋ ከም ዘለዎ ሚኒስተር መጓዓዝያ ሽወደን፡ ኢኒሮስ፡ ንሬድዮ Ekot ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ። መጠን …

Read More »

ኢክያ(IKEA) ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሮ ንጥፈት ኣጒዲልዎ ተባሂሉ።

ህቡብ ኲባንያ ስርሓት ዕንጸይቲ ሽወደን ዝኾነ IKEA ኣብ ብሪጣንያ ዝነበረ መኻዚኖን ዱካናውትን ኮቨንትሪ ብሪጣንያ ምዕሻጒ ተገሊጹ። እዚ ምዕጻው ኣብ ታሪኽ እቲ ኲባንያ ፋልማይ ምዃኑ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ጸብጺባ’ላ። IKEA ኣብ 2007 ካብ ዝኽፈት ንደሓር ገለ ፋይናንሳዊ ክሳራታት ከአንግድ ምጽንሑን ብምኽንያት ምቕያር መሸጣ ሽርሻሮ ካብ ኣካላዊ ዕዳጋ ናብ ዲጂታል ዕዳጋ ዓማዊል ክኸስር ምጽንሑ ገሊጹ። ብምኽንያት ምዕጻው እዚ ዱካናውቲ 350 ዝዀኑ ሰራሕተኛታት …

Read More »

ሚኒስተር ፍትሒ፡ ደቅና ውልቃዊ ንብረት ኣይኮኑን ብምባል ን ኣሰገዳድ መርዓ ይቓወም።

ንገበናት ክብረትን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዝምልከት ውጥን ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ከምዝተበገሰ ሚኒስተር ፍትሒ፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ኣቃሊሑ። ነዚ እማመ ምርኩስ ብምግባር፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም መርዓ ትሕተ ዕድመ ዝፍጽሙ ሰባት ከቢድ ስጉምቲ ንኽወስድ ቅርብነቱ ገሊጹ። ብተወሳኺ ድማ እቲ እማመ ነቶም ሓደጋ ናይ ትሕተ ዕድመ መርዓ ከጋጥሞም ዝኽእል ህጽናት ኮነ ናይ ምኽንሻብ ሓደጋ ዘንጸላልዎም ህጻናት ናብ ወጻኢ ንኸይገሹ ዝእግድ እዩ። ነቶም ኣብ …

Read More »

ፌይስቡክ መበል 16 ዓመቱ ኣብዒሉ።

ፌይስቡክ ማሕበራዊ መርበብ ኮይኑ ምስራሕ ካብ ዝጅምር መበል 16 ዓመቱ ትማሊ ኣብዒሉ’ሎ። እዚ ዛጊት ወናኒ ቢልዮንት ዶላራት ዝዀነ ትካል እዩ። ብዛዕባ እዚ ትካል እምበኣር ገለ ሓቂታት ከነካፍለኩም። መስራቲ ፌይስቡክ ማርክ ዛክበርግ ሰማያዊ ቀለም እተጠቐመሉ ምኽንያት ሕብርታት ንምፍላይ ጸገም ዘለዎ ሰብ ብምዃኑ እዩ። ዛክ በርግ ዕድሚኡ ከባቢ 35 ኮይኑ ወናኒ 77.8 ቢልዮን እዩ። ዛጊት 2.5 ቢልዮን ተጠቀምቲ ከም ዘለዉዎ ድማ ይፍለጥ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com