Thursday , May 2 2024

ካብዝን ካብትን

ኣብ ግጥማት ኣልስቫንስካን ሽወደን ዝደምቅ ዘሎ ናሆም ግርማይ።

ኣብዚ ዓመት ፈላማይ ናይ ላዕለዎት ዲቪዝዮን ምስ ጋንታ ሲሩስ ዘካይድ ዘሎ ናሆም ግርማይ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ክለብ ፋልከንበርይ ሸቶ ብምምዝጋብ ን ጋንትኡ ምስ ላዕለዎት ሰለስተ ክትስራዕ ኣኽኢልዋ። ኖሆም ግርማይ ኣብ ከተማ ከተማ ክሪስታንስታድ ብ 1994 ዝተወልደ ኮይኑ ፈላሚ ጸወትኡ ገና ብንእስነቱ ኣብ 2012-13 ምስ ትሕቲ 19 ዓመት ክለብ ክሪስታንስታድ ብምጅማር ኣብ 2018 ናብ ዓባይ ክለብ ቫርበርይ ብምስግጋር ኣብ ይዕይንቲ ዓበይቲ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ: ራብዓይን መወዳእታን ክፋል መዘዘኛ ዕለት።

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “እዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሎሚ ክትረክብ ናይ ብሓቒ ዕድለኛ’የ፡ ነዚ ዕድል ድማ’የ ክጥቀመሉ ዘይክኣልኩ፡ እቲ ናብ ዘርጊ ዘእተወኒ ድማ ጽጋብ’ዩ። ኣውሪደ ኣደይበ ምስ ሓሰብኩ፡ ምስ መሓሪ ክራኸብ ይውስን፡ ካብትን ካብትን ኢለ ዘጠራቐምክዎ ገንዘን ሒዘ ድማ ብቖጸራ ይረኽቦ፡ በቓ ክሕግዞ ይውስን። ኣብ’ቲ ፈለማ ድማ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣክል ገንዘብ ሂበዮ፡ ዝለገሰለይ ምስጋና ክሳብ ሕጂ ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ግና …

Read More »

ሓጺር ዛንታ፣ ሳልሳይ ክፋል መዘዘኛ ዕለት

 ጸጋብርሃን ጎይትኦም                                                     ሄለን፡ ‘ዘይጋገ ሰብ የለን እንታይ ድኣ ካብ ጌግኡ ዘይእረም ሰብ’ዩ ሕማቕ’ ዝብል እምነት ተቐኒታ፡ ነቲ ካብ ትምህርታ ዘሰናኸላ ዘይእርኑብ ኣካይዳ ንጸጋም ገዲፋ፡ ምስ ዓርኪ ሓዋ ዝኾነ፡ ዳንኤል’ዚ ስሙ ለባምን ስነ-ስርዓተኛን ሰብ ሓዳር ምስ ገብረት፡ ዝነበራ ዘይቑርዑይ ኣካይዳ ወጊድ ኢላ፡ ብኣካይድኣ ሞራሎም ተሰይሮም ዝነበሩ ወለዳን መቕርባን ዳግማይ ተደቢሶም፡ ምረቕኦም ኣዕረጉላ። ካብ ብዓል ቤታ ብእትረኽቦ ዝነበረት ደገፍ ድማ፡ ነቶም የሐንቒቖም ዘዕበይዋ …

Read More »

መስምዒ ‘ኢር ፎን’ንን ሓደጋን።

ረብሓ ዘይብሉ ዝስራሕ ንብረት የለን። እግሪ እግሩ ግና ጉድኣት ዘይሰኣኖ መሊኡ እዩ። እዚ ዝዀነሉ ድማ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ምስ ዝግበረሉ እዩ። መስምዒ እዝኒ (ኢር ፎን) ድማ፡ ኣብ እዝኒ ተሰዂዑ ዘስምዕ መጉልሒ ድምጺ ከም ምዃኑ፡ ጉድኣትን ጠቕምን ክህልዎ ግድን እዩ። ሰራሕቱ’ውን እዚ ክኸውን ከምዝኽእል ስለዝፈልጡ፡ ተወሳኺ ብልጫኡ ጉድኣቱ ካብ ምሕባር ዓዲ ኣይውዕሉን። ብፍላይ ኣብ እዝኒ ዝህልዎ ጉድኣት ኣይርስዕዎን። እንተዀነ፡ እዚ ናይ እዝኒ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ሃገራውን ሃይማኖታውን መንነት

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ ህጻን ውልድ ምስ በለ፡ መን እየ ኣነ ብምባል ንነብሱ ኣይሓታን ወይ ንኺሓትት ብምባል ኣይሓስብን እዩ። ዘረባ ዘይክእል ወይ ኪሓስብ ዘይክእል ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ውኖኡ (consciousness) ገና ስለ ዘይማዕበለ እዩ። ግን ብባየሎጂካዊ መገዲ ኪውሰድ ከሎ፡ ሓደ ህጻን ፍሉይ ፍጡር እዩ፡ ንኣኡ ዚመስል ከኣ የሎን። ብኹሉንትናኡ እንኮ ፍጡር እዩ። ስለዝስ ፈትዩ ጸሊኡ ኣቐዲሙ መንነቱ ኣረጋጊጹ ማለት እዩ። ኣብ ዩኒቨርስ …

Read More »

ኤርትራዊት ቤተልሄልም ዳዊት ኣብ መንጐ ፍሉጣት መደርቲ ክረምቲ 2020 ኣብ ሬድዮ ሽወደን P1።

“ክረምቲ ኣብ P1”(Sommar i P1)  ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝቐርቡ ዓበይትን ብዙሓት ተኸታተልቲ ዘለዎ ናይ ሬድዮ መደባት ኢዩ።ዳርጋ መብዛሕትኦም ሽወደናውያን ዘድንቅዎን ከም ኣካል ባህሎም ዝርእይዎ መደብ ኮይኑ፡ወትሩ ክራማት ካብ 29 ሰነ/ 1959 ጀሚሩ ኣብ ማዕበል ዝፍኖ ተፈታዊ ናይ ሬድዮ መደብ ኢዩ።መበገሲ ናይቲ ሓሳብ ታገ ዳኒኤልሶን ዝተባህለ ሓላፊ መዛናግዒ መደባት ሬድዮ ሽወደን ዝነበረ ምዃኑ ይዝንቶ።መበቆል ናይቲ መደብ ድማ “ክረምቲ ኣብ P3” …

Read More »

ሓጺር ዛንታ፣ መዘዘኛ ዕለት

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምካልኣይ ክፋል  ሄለን፡ ኣብ ስራሕ ገዛ’ውን ማዕረ ወላዲታ ትሳተፍን፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ብወላዲኣን ኣሕዋተን ዝፍጸም ትእዛዝ፡ ብዘይ ነግ ፈረግ ትምእዘዝ ብምንባራ፡ ብኹሎም ስድራ ፍትውቲ ነበረት። ምርቓ ወለዳን፡ ወትሩ ጽላል ዝኾንዋ ኣሕዋታን ድማ ኣብ ምዕዋት ትምህርታ ሓጋዚ ነበረ። እዚ ምስጉን ጠባይ ኣብ ገዝኣን ከባቢኣን እናንጸባረቐት’ያ ድማ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝሓለፈ ብሉጽ ውጽኢት እናመዝገበትን ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብኣብነት እናተጸውዐትን፡ ናብ …

Read More »

ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ፋሕ ኣቢልዎም

ፖሊስ ስቶክሆሎም ነቲ ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣንጻር ዓሌትነት ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ፋሕ ኣቢልዎ። ኣብ እዋን ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 50 ሰብ ክተኣኻኸብ እጉድ ስለ ዝኾነን እቲ ዝነበረ ምትእኽኻብ ድማ ልዕሊ’ቲ ፍቑድ ቁጽሪ ሰባት ስለዝነበረ ፋሕ ከነብሎ ተገዲድና ይብል ዋሃብ ቃል ፖሊስ። ብሰንኪ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተፈጸመ ቅትለንት ናይ ጸሊም ኣሜሪካዊ ዝኾነ፡ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ደገፎም ንምርኣይ …

Read More »

ካብ ቻይና ዝተላእከ መርዛም ተመን ሞሊቑ

ኣብ ሓደ ኣብ ኡፕሳላ ዝርከብ ዱኳን፡ ኮብራ ዝዓይነቱ ተመን ካብ ሰፈሩ ሞሊቑ ብዙሓት ሰባት ይደልይዎ ከምዘለዉ TT ሓቢሩ። እቲ ተመን ካብ ቻይና ብመንገዲ ፖስታ ኣብ ባኮ ተዓሺጉ ዝመጸ ኮይኑ እቲ ባኮ ምስተኸፍተ ቀልጢፉ ከም ዝሞለቐ ኣካያዲ እቲ ዱኳን ገሊጹ። እቲ ተመን ጸሊም ሕብሪ ዘለዎ ኮይኑ ቁመቱ ካብ 30 ክሳብ 35 ሴ.ሜ. ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ናይቲ ዱኳን ሓቢሩ። ሓደ …

Read More »

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ብዘስዓቦ ምኽንያት ሓደ ጎሪላ ተቐቲሉ።

ካብቶም ዓሌቶም ኣብ ምጽናት ዝርከቡን ኣብ መካነ እንስሳ ቢዊንዲ ኡጋንዳ ዝተዓቚቡን ብሩራዊ ዝዓይነቱ ተባዕታይ ጐሪላ ምሟቱ ጸብጻብ ዎርልድ ዋይልድ ላይፍ ኣመልኪቱ። ጎሪላ ካብቶም ሃዳኖ ናብ ደረት ምጽናት ዘብጽሕዎም እንስሳታት ሓደ እዩ። በዚ ድማ ካብ ኲናውቲ ሃዳኖ ተዓቚቦም ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ብምጽንሖም እዚ ፍጻመ ዘሕዝን ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። ሓደ ካብቶም ነዚ ፈቓቕ ድሕነት ክፈጥሩ ዝኸኣሉ ረቛሒታት ጒዳይ ለበዳ ኮሮና እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብምኽንያት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com