Monday , April 29 2024

ሓቐኛ ዛንታ: ራብዓይን መወዳእታን ክፋል መዘዘኛ ዕለት።

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“እዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሎሚ ክትረክብ ናይ ብሓቒ ዕድለኛ’የ፡ ነዚ ዕድል ድማ’የ ክጥቀመሉ ዘይክኣልኩ፡ እቲ ናብ ዘርጊ ዘእተወኒ ድማ ጽጋብ’ዩ። ኣውሪደ ኣደይበ ምስ ሓሰብኩ፡ ምስ መሓሪ ክራኸብ ይውስን፡ ካብትን ካብትን ኢለ ዘጠራቐምክዎ ገንዘን ሒዘ ድማ ብቖጸራ ይረኽቦ፡ በቓ ክሕግዞ ይውስን። ኣብ’ቲ ፈለማ ድማ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣክል ገንዘብ ሂበዮ፡ ዝለገሰለይ ምስጋና ክሳብ ሕጂ ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ግና ድማ ኣብ ልዕለይ ሓደ ዓቢ ድራማ’ዩ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ሰሪሑ፡ ድሕሪ ካባይ ካብ ፍቕሪ ምፍልላዮ ኣብኡን ኣዲኡ ከም ዝሞቱ፡ ንሱ ድማ ዘኽቲሙ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰበይ ዝብሎ ሰብ ከም ዘይብሉ ድንጋጸ ሓዊሱ ምስ ኣዕለለኒ፡ ዝተሰምዓኒ ስምዒት መግለጺ ዝርከቦ ኣይኮነን፡ ብጣዕሚ’ዩ ኣደንጊጹኒ፡ ልብኻ ዝትንክፍ ድንጋጸ ከማን፡ በዚ ምኽንያት ተደሪኸ ክሕግዞ ብምባል፡ ደጋጊመ ክረኽቦ ጀሚረ፡ ምርኻብ ምስ በዝሐ፡ ዕላላቱ ክምስጠንን ናይ ቀደም ፍቅሪ ከዘኻኽረንን ብምጅማሩ፡ ከይተረድኣኒ ኣብ ፍቕሪ ክጽመድ ጀሚረ፡ ዳንኤል ኣብ ዝገሸሉ እዋን ድማ፡ ንደቐይ ኣደቓቒሰ ናብ’ቲ ቀደም ንኣትዎ ዝነበርና መዛናግዒ ቦታታት ብሱትር ክኣቱ ጀሚረ፡ ነቲ ገዲፈዮ ዝነበርኩ መስተ ድማ በብቑሩብ ክጀማምሮ ጀሚረ፡ ገንዘብ ካብትን ካብትን ኢለ ንዑኡ ከሐጉስ ተዓጢቐ ተበገስኩ፡ ከይተረድኣኒ ድማ ኣብ ፍቕሪ ወዲቀ፡ ዘዝረኸብክዋ ትርፊ ግዜ ምስኡ ጥራይ ከሕልፋ ይደሊ፡ ኣብ ሓዳረይ ብዙሕ ነገር ክጎድለኒ ጀሚሩ፡ ግና ሳላ ህዱእ ባህሪ ብዓል ቤተይ፡ ለውጥታተይ ንደገ ኣይወጹን። ኣብ ሓዳር እትርእዮ ዘይንቡር ተርእዮታት ብኣግኡ እንተዘይተፈዊሱ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ፡ ናተይ ደገ ደገ ድማ ካብ መፈለምትኡ ዓገብ ኢሉ ዝኣልየኒ ኣይረኸብኩን፡ መመሊሰ ጥራይ ይጽየቕ። ኣብ ገዛ ዘርእዮ ዝነበርኩ ፍሉይ ጠባያት፡ ከም ቕሊል ተወሲዱ ይሓልፍ ብምንባሩ፡ ተሰቲረ ንኽኸይድ ሓጊዙኒ’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ሰብን ፈጣርን ዘይፈትዎ ግናይ መንገዲ ከለኹ’ዩ ድማ እታ መዘዘኛ ዕለት ዝመጸት፡ ዕለት 31 ታሕሳስ 2015 ድሮ ሓድሽ ዓመት። 

ዳንኤል፡ ዘይትተርፍ ስራሕ ስለ ዝነበሮ፡ ቅድሚ ወርሒ ንወጻኢ ሃገር ምስ ገሸ ኣይተመልሰን። ኣነ ድማ ንምእታው ሓድሽ ዓመት ክጽንብልን ክዘናጋዕን ብምባል፡ ካብ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጀሚረ’የ ምድላዋተይ ከጻፍፍ ጀሚረ፡ ዳንኤል ክመጽእ ከም ዘይክእል ድማ ኣዳዕዲዐ ኣረጋጊጸ ነበርኩ፡ ሕማቕ መንገዲ ሓንሳብ እንተኣቲኻዮ፡ መውጺኡኡ’ዩ ዝጠፍኣካ፡ ኣነ ድማ ሓንሳብ ምስ ኣተኽዎ ብኸመይ ይወጾ ብዘየገድስ፡ ነኺሰ’የ ሒዘዮ። ልብኻ ዘይምርምር፡ ሓንጎልካ ብግዝያዊ ስምዒት ጥራይ ዝዕብለል እንተኾይኑ፡ ዓይንኻ እናርኣየ ከም ዘይርእየ እንድሕር ኮይኑ መወዳእታ ጥፍኣት’ዩ ዝስዕብ። ብዓል ቤተይ ከም ዘይመጽእ ምስ ኣረጋገጽኩ፡ ክዳውንተይ ቀያይረ፡ ደቐይ ኣደቓቂሰ’የ ንምምጻእ መሓሪ ብሃንቐውታ ክጽበ ዘምሰኹ፡ ነታ ናይ ብዓል ቤተይ መኪና መሓሪ ከም ዝመርሓ ገይረ፡ ንምቕባል ሓድሽ ዓመት ብሕጉስ መንፈስ ክንቕበለላ ናብ ንኽእል ቦታ ኣምራሕና።

መሓሪ፡ ነታ መኪና ክዝውራ ከሎ ተታዕኒኑ ይመርሓ ብምንባሩ፡ ዝሰረቕና ከማን ንመስል ኣይነበርና። ብዝኾነ ደስ ዝብል ምቕባል ሓድሽ ዓመት ኣሕሊፍና፡ ዓመተ 2016 ዓመትና ክትኮነልና ተመኒና፡ ግና ድሕሪ’ዚ ኩሉ ምዝንጋዕ እታ ሓዳስ ዓመት፡ ዓመትና ዘይኮነትስ ፍረ’ቲ ሕማቕ ተግባርና’ያ ብንግህኡ ፈድያትና፡ ዋጋ’ቲ ኣነዋሪ ተግባርና። ብዓል ቤተይ ከምዘይመጽእ ስለ ዘረጋገጽኩ፡ ቀሲነየ’የ ክዘናጋዕ ኣምስየ። ዳርጋ መሬት ኣብ ምውግሑ ግና ነብሰይ ከም ገለ ስኽፍክፍ ክብለኒ ጀሚሩ፡ ከም’ዚ ገለ ዝጎደለኒ ምቕሳን ስኢነ፡ ኩሉ ሰብ ንዓይ ዝጥምተኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ሰራቒ ቑሱን ኣይኮነን ክብልዎ ሓቖም’ዮም፡ ኣነ ድማ ስቕ ኢለ ምቕሳን ስኢነ፡ ልክዕ ስዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፡ መሓሪ ብስኽራን ተሰኒፉ፡ ኣነ ኣሰነዮ ካብ’ቲ መዘናግዒ ማእከል ክንወጽእ ከለና፡ ምስ ሓጎስና ኢና ነይርና፡ ናተይ ቁሩብ ሸቐልቐል ገዲፍካ፡ ብሓፈሻ ግና ሕጉስ መንፈስ ኢና ኣስተማቒርና፡ ናብ ገዛና. . .”

 ክልቲኦም ካብ’ቲ መዘናግዒ ማእከል ክወጹ ከለዉ፡ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ዓሰርተን ወጋሕታ’ዩ ነይሩ፡ ኣብ መንፈስ ክልቲኦም ድማ ፍቕሪ ዘመንጩ ሓጎስ ይንበብ ነበረ። ዝሓዝዋ መኪና ካብ ከባቢ ኤክስፖ ተበጊሳ፡ ንኣላስካላ ሆቴል ተጎዝጊዙ ዝሓልፍ ዓቢ ጽርግያ ተጠቒማ፡ ንቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ንጸጋም ገዲፋ፡ ናብ ፊያት ዝወስድ መንገዲ ተጠቒማ፡ ንሲነማ ሮማ ድሕሪ ምሕላፍ፡ ኣብ ከባቢ ሲቲ ፓርክ ኣብ እትርከብ መካበብያ ክትበጽሕ ከላ፡ ምስ ዝነበራ ናህሪ፡ ምስ ሓንቲ ከምኣ መኪና ተጋጭያ ከቢድ ድምጺ ገበረት፡ ዝተፈጥረ ኣናዋጺ ድምጺ ነቲ ከባቢ ጸጥትኡ ዘረጎ።

“ከምታ መዓልቲ ገይረ ኣብ ህይወተይ ዝሰንበድክዎ ኣይዝከረንን፡ ልበይ’ዩ ጠፊኡኒ፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ኣይፈልጥን፡ ኩሉ ነገር ትሓዋዊሱኒ፡ እንድዒ ሓደጋ ወዝቢ’ዩ ዝብሃል’ሞ፡ ንዓይ ዘጋጠመኒ ግና ብኹሉ ሸነኻቱ ርእየ ኣሰንቢዱኒ። እቲ ዝኸፍእ ድማ እቲ ጌጋ ብሸለልትነታ ዝመጸ ናትና ምኻኑ’ዩ። መሓሪ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ምስ ኣስቐጠ ዘረባ የለ ካልእ የለ ህጣሙ ስኢነዮ፡ ዝበኸኽዎ ብኽያት መግለጺ ኣይርከቦን’ዩ። ብዝኾነ ፖሊስ ትራፊግ መጺኦም፡ መሓሪ መስተ ስለ ዝጸንሖ ጥራይ ዘይኮነ፡ መምርሒ ፍቓድ’ውን ስለ ዘይነበሮ ብቐጥታ’ዮም ናብ ሕክምና ወሲዶሞ፡ ድሕሪኡ ናብ ማእሰርቲ ኣምሪሑ፡  እታ መኪና ድማ ተታሒዛ፡ እንታይ’የ ክገብር? ንዳንኤል’ከ እንታይ’የ ክብሎ? ዓቕለይ ጽብብ ኢሉኒ። 

ኩሉ ኣብ ሕጊ ምስ በጽሐ፡ መፍትሒ ተሳኢንዎ ልዕሊ ዓቕመይ ኮነ፡ ባዕለይ ብዘምጻኽዎ መዘዝ መፍትሒ ስኣንክሉ፡ ነገራት ግዜ ወሲዱ፡ ዳንኤል ካብ መገሻ ምስ መጸ ዘጋጠመ ኩሉ ብፖሊስ ትሓበሮ፡ ምኽንያቱ እታ መኪና ዋንነቱ’ያ፡ ንመሓሪ ምስ ኣዋጠሮ እቲ ሓቒ ኩሉ ከይሓብኣ ኣዘንተወሎም፡ ጉደይ ኩሉ ድማ ተኸሽሐ። ዳንኤል ምስ’ዚ ኩሉ ህዱእ ባህርያቱ፡ ንጌጋይ ክጻዎሮ ተጸገመ፡ መስተን ምንዝርናን ንዕኡ ምስ ባህርያቱ ዘይሳነዩ ኣነወርቲ ነገራት’ዮም። ስድራይ ነዚ ምስ ሰምዑ ብሕርቓን ተኾምቲሮም’ዮም፡ ኣነ’ውን ነዚ ሕማቕ ተግባር ፈጺመ ክርኣዮም ምርጫይ ኣይነበረ፡ ኩሉ ምጻሩ ስኢነ መሬት ከም ኣፍ ዑንቒ ጸቢባትኒ፡ ብዘይ ዘረባ ፍትሕ’ዩ እቲ ፍታሕ ኢሉ ዳንኤል ደምዲሙ፡ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ደጊፍዎ፡ ደቀይ ምሳይ’ዮም ዝዓብዩ ዝብል ተሪር ዘረባ ናተይ ድማ ተቐቢልዎ። ካብ ገዛይ ምስ ክብረይ ከም ዘይወጻኹ ብሕስረት ተመሊሰ፡ ወለደይ ናይ ነገር ወለዲ ተቐቢሎምኒ፡ ጽቡቅ ናብራ ርእየ ስኢነዮ። መሓሪ ድሒረ ከም ዘረጋገጽክዎ፡ ኣብ ልዕለይ ተዋስኦ’ዩ ፈጺሙ፡ መታን ክድንግጸሉ’ዩ እምበር ስድርኡስ ህልዋት’ዮም። ገንዘብን ምቾትን ካባይ ምስ ሃደሙ ንሱ’ውን ሃዲሙኒ፡ ካብ ኩሉ ሓዲግ ተሪፈ ሩፍታይ ዘሪገ፡ ዓስቢ ሓጥያተይ ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚረ፡ ሓድሽ ናይ ድኽነት መንገዲ የስተማቕር ኣለኹ። ዋላ’ኳ ንደቐይ ኣብ ምዕባይ ዳንኤል ዝሕግዘኒ እንተኾነ፡ ከም’ቲ ምስኡ ከለኹ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ክብሪ ግና በየናይ ዕድለይ። ሰብ ባዕሉ ይኸብር፡ ባዕሉ ድማ ከም ዝሓስር ኣነ ህያው ምስክር’የ። ብዓቢኡ ካብ ሓዳርካ ወጻኢ. . .። ካብ ሕሉፈይ ክምሃር ስለ ዘይክኣልኩ እነኹ. . .። ሕጂ ጓል 34 ዓመት’የ ዘለኹ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመይ ግና. . .። ዘለኽዎ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጦ። እታ መዘዘኛ ዕለት እዚኣ ኮይና፡ ኣነ ብዝለወስክዎ እታ ዕለት ሰኽቲታቶ። ሕጂ ነብሰይ ተሰኪማቶ ዘላ ሓጥያት ከቢዱኒ ኣብ መዋጥር’የ ዘለኹ. . .ንዓለም ክልተ ግዜ ተራእየያ. . .”

 ዕላላ ዛዚማ ክትፍለየኒ ከላ፡ ኣብ ከቢድ ሓሳብ’የ ተጸሚደ፡ ሰብ ንነብሱ ክብድላ ከሎ፡ ማዕሪኡ ንምንታይ ዘይሓልየላ እናበልኩ ኣብ መዋጥር ኣተኹ። ስድርኣ፡ ደቓ፡ ወለዳ ድማ ልክዕ ከም ዛንታኣ፡ ንዓይ’ውን ኣብ መጻወድያ ናታ ጸገም ከም ዘዕለብጥ ገበረኒ። እቲ ጌጋ ግና ኣብ ካልኦት ከይድገም ብልበይ ጸሎተይ ኣዕረኩ። 

ተፈጸመ

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰምበት፣ ሓንቲ ኤርትራዊት ሓብትና ካብ ሃገረ ሽወደን ከተማ ስተኮሎም ዘዘንተወትለይ መሃሪ ዛንታ ሒዘ ክመጽእ’የ፡ ክሳብ ሽዑ ሰናይ ቅነ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com