Thursday , May 2 2024

ካብዝን ካብትን

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ ኣሰላልፋ ምስ ከቢድ ነቀፌታ ሎሚ ምስ ፖርትጋል ግጥም ይጽበዮ

ኣብ ናይ ኤውሮፓ ናሽናል ሊግ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ፈረንሳ፣ ፖርትጋልን ክሮሽያን ተመዲባ ትርከብ ሽወደን፣ ብቀዳም ምሸት ንሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ኣብ ሜድኣ  ዓዲማ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ 1 ብ 0 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት እዛ ጋንታ ካብ ብዙሓት ኪኢላታት እዚ ዓውዲ ከቢድ ነቀፈታ ወሪድዎ። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ያነ ኣንደርሶን ብስም ን ንኣሽቱን ውልዶታት ተጻወቲ ዕድል ክህብ ብምባል ን ኣለክሳንደር ኢሳቅ ዝርከብዎ …

Read More »

ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሃገራት ኤውሮፓ

ሽወደን Vs ፖርቱጋል ዕለት፡ 8 መስከረም 2020 ሰዓት፡ 8:45 ምሸት ሜዳ፡ ፍሬንድስ ኣሬና ጽባሕ ሰሉስ ኣብ መንጎ ጋንታታት ምድብ 3 ዝኾና ሽወደንን ፖርቱጋልን ኣብ ሜዳ ፍሬንድስ ኣሬና ክካየድ እዩ። ፖርቱጋል፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ክሮኤሽያ 4 ብ 1 ተዓዊታ ክትመጽእ እንከላ ሽወደን ግን ብፈረንሳይ 1 ብ 0 ከምተሳዕረት ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት፡ ሽወደን፡ ክልተ ግዜ ስዒራ፡ ክልተ ድማ ተሳዒራ …

Read More »

ካብቲ ንሓገዝ ዝወሃብ ገንዘብ፡ ቤት ማእሰርታት ንኽህነጹ፡ ኢባ ቡሽ፡ ትጽውዕ

ሽወደን፡ ንብዙሓት ሃገራት ብመልክዕ ገንዘብ ሓገዝ ከም እትህብ ዝፍለጥ እዩ። ምስተን ሓገዝ ሽወደን ዝወስዳ ሃገራት ፍሉይ ስምምዕ ንኽትገብር፡ ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትና፡ ኣብ ዘመሓላለፈ ሓድሽ እማመ ሓቢሩ። ገለ ክፋል ካብቲ ንሓገዝ ተባሂሉ ዝተዋህበ ገንዘብ፡ መስርሒ ሓደስቲ ህንጻታት ቤት ማእሰርቲ ንክኸውን፡ እቲ ሓድሽ እማመ ይሕብር። በዚ ድማ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ገበናት ዝፍጽሙ ወጻእተኛታት፡ ናብተን ሃገራት ብምስዳድ፡ ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ኣብኡ ንኸሕልፍዎ …

Read More »

ናይ ጓሓፍ መካይን ዝስከመኦ ዘለዋ ክብደት፡ ልዕሊ ዓቕመን ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

ካብ ኣትክልቲ ናብ መሬት ዝወደቑ ፍረታት፡ ኣኪብካ ኣብ እንዳ ጓሓፍ ምእታው ተመራጺ ኣይኮነን። ናይ ጓሓፍ መኪና፡ ንተወሳኺ ክብደት ጽሟቕ ናይ ፍረታት ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ ክብል ካብ ቫስትማንላንድ ዝፍነው ሬድዮ ሽወደን P4 ሓቢሩ። ብጽሟቕ ናይ ፍረታት ዝፍጠር ተወሳኺ ሚዛን ሒዝና ክንዝውር ብጣዕሚ የሸግረና እዩ። እታ መኪና ንኸምዚ ዓይነት ጸቕጢ ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ። ኣብ መጨረሽታ ድማ፡ ኣብ ጎደናታት ጥብጥብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ ዕድል ድዩ?

ሓምሻይ ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ቅድም ንብሕቱ ከይዱ ተመርሚሩ መጺኡ፡ እዚ’ኳ ጌጋ እንተኾነ ደላዪት ብምዃነይ ኣይጸላእኩዎን ሽዑ ንዓይ ረኺቡ በይኑ ከም እተመርመረን ነጻ ከም እተባህለን ሓቢሩኒ። ብሓንሳብ ምኻድ ትርጒም ከም ዘይብሉ’ውን ነጊሩኒ። ኣነ ግና ኣይተቐበልኩዎን፡ ምስ’ቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ኣተኣሳሲረ ክምርመር ኣይደለየን’ዩ ዝብል ጥርጣረ’ዩ ሒዙኒ። ብሓንሳብ ከይድና ክንምርመር ኣለና ኢለ ድማ ኣብ መትከለይ ደሪቐ። ዓመታት ብፍቕሪ ተጓዒዘ ንዳዊት ወኒነ ምልእቲ ሰብ ክኸውን …

Read More »

ፖሊስ፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ፍሉጥ ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ፡ ዕጸ-ፋርስ ረኺቡ

ፖሊስ፡ ንገዛ ናይ ሓደ ፍሉጥ  ፖለቲከኛ ነበር ብዝገበርዎ ፈተሻ፡ ዕጸ-ፋርስን ኣሽሓት ክሮና ዝግመት ጥረ ገንዘብን ከም ዝረኸቡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ። ሓደ ዘመድ ናይዚ ፖለቲከኛ፡ ዕጸ-ፋርስ ሒዙ ብምርካቡ ከም እተፈርደ እውን ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ሕዳር 2019፡ ፖሊስ፡ ብሓበሬታ ናብ ሓደ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ዝገብር ዝነበረ ሰብ ድሕሪ ምርካቦም፡ እቲ ሰብ፡ ዕጸ-ፋርስ ወሲዱ ምንባሩን ዘመድ ናይ ሓደ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ምዃኑን ኣረጋጊጾም። ፖሊስ፡ ጁባ ናይቲ …

Read More »

ስነ ኣእምሮኣዊ ኩነታት፡ ሽወደናውያን ቆልዑ፡ ዝተሓተ እዩ ተባሂሉ

ስነ ኣእምሮኣዊ ዕቤት ቈልዑ ሽወደን ምሰቶም ናይ መዛኑ ሃገራት ዝኾኑ ቆልዑ ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዉ ንጸብጻብ ዩኒሰፍ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ከምዚ ደረጃ ምውራድና ዘሕዝን እዩ ክትብል ንመሰል ቈልዑ ሓላፍነት እትወስድ ሚኒስተር ኦስላ ሊንድሁን ገሊጻ። ኣብ ዓለም ካብተን ዝሃብተማ ሃገራት ክንለና: ቆልዑና ስነ ኣእምሮኦም ዘይርጉእ ምዃኑ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ጌርና ኢና ንቖጽሮ። መንግስቲ ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ብዙሕ …

Read More »

ትካል ማክዶናልድስ ተቓጺሉ

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን፡ ኦሽትባሪ፡ ዝርከብ ዝነበረ ትካል ማክዶናልድስ ትማሊ ለይቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 2:00 ወጋሕታ ምሉእ ብምሉእ ከም ተቓጸለ TT ሓቢሩ። ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን፡ እቲ ትካል ክድሕን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ጸኒሑና ክብል እዛዚ ዝዓበየ ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ስቶክሆሎም፡ ቶሚ ዎልበሪ፡ ሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ባርዕ ዝተኸስተ ትኪ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ስቶክሆልም ዝተዘርገሐ ይመስል፡ ምኽንያቱ፡ በቲ ሽታ ናይቲ …

Read More »

ኣብ መዋእለ ህጻናት፡ ዕጸ-ፋርስ ተረኺቡ

ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝኾነ ጀራዲን ናይ ብርክት ዝበላ ኣብ ሶደርታልያ ዝርከባ መዋእለ ህጻናት፡ ዕጸ-ፋርስ ዝሓዘ ሑጻ ዝመልአ ሰናዱቕ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሩ ምጽንሑን ብሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ከምተረኽበ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣብ መላእ ምምሕዳር ሶደርታልያ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት’ታ ምምሕዳር ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ከም በዓል ግሩሶሰን (Grusåsen)፡ ምዕራብ ግኔታን (Geneta) ብሩንሴንግን (Brunnsäng) ዝኣመሰሉ ከባቢታት ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ …

Read More »

ሽወደን፡ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ ትስራዕ

ካብ ኣባላት ውድብ ቁጠባዊ ምዕባለን ምትሕግጋዝን (OECD) ዝኾና 38 ሃገራት፡ ብኣታሓሕዛ ጥዕናን ኩነታትን ህጻናት፡ ሽወደን፡ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ፡ ተሰሪዓ ከምትርከብ ካብ ዩኒሴፍ (UNICEF) ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሃገረ ሆላንድ ንዴኒማርክን ኖርወይን ቀዲማ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ ፊንላንድ ድማ ኣብ መበል 5ይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። ኣብ ሽወደን፡ እኹል ዝኾነ ኢኮኖምያዊ፡ ማሕበራውን ከባብያውን ትሕተ ቅርጺ እናሃለወና ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘይንስረዓሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com