Monday , April 29 2024

ሓቐኛ ዛንታ ዕድል ድዩ?

ሓምሻይ ክፋል
ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ቅድም ንብሕቱ ከይዱ ተመርሚሩ መጺኡ፡ እዚ’ኳ ጌጋ እንተኾነ ደላዪት ብምዃነይ ኣይጸላእኩዎን ሽዑ ንዓይ ረኺቡ በይኑ ከም እተመርመረን ነጻ ከም እተባህለን ሓቢሩኒ። ብሓንሳብ ምኻድ ትርጒም ከም ዘይብሉ’ውን ነጊሩኒ። ኣነ ግና ኣይተቐበልኩዎን፡ ምስ’ቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ኣተኣሳሲረ ክምርመር ኣይደለየን’ዩ ዝብል ጥርጣረ’ዩ ሒዙኒ። ብሓንሳብ ከይድና ክንምርመር ኣለና ኢለ ድማ ኣብ መትከለይ ደሪቐ። ዓመታት ብፍቕሪ ተጓዒዘ ንዳዊት ወኒነ ምልእቲ ሰብ ክኸውን ከም ዘይተመነኹ ሓደጋ ወዲቑኒ። ሓደጋ…..ተመርሚርና!” ነታ ቃል ብሓይሊ ፈነወታ።
“ውጽኢትኩም’ከ!”
“ዘገርም’ዩ ዕድለይ ሕማቕ ምዃኑ ሽዑ ፈሊጠ።”
“ኢሂ ተሰካሚ ኮይኑ ጸኒሑ?”
“ግልብጥሽ’ያ ዓለም በጃኻ! ዳዊት ነጻ ጸኒሑ፡ ኣነ ግና ጸኒሑኒ…”
“ከመይ ኢሉ ይኸውን?” ሰንበድኩ። ካልእ ሚስጥር ድማ ተቓልዐ፡ ዘሰንብድ ሚስጥር።
“ኮይኑ…! ጥንቃቐይ ንብላሽ’ዩ ነይሩ….. ተሰካሚት ኮይነ ጸኒሐ።”
“ብኸመይ?” ገረመኒ።
“ብኸመ…ይ…..ዶ?” እናተነኽነኸት ክትዛረብ ጀመረት። “ኣነ’ውን ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢለ። ነቲ ውጽኢት መርመራ ምቕባሉ’የ ስኢነ። ዝተመርመርናሉ ቦታ፡ ኣብ እንዳ ኮርያ ሰምበል ኮይኑ ዝመርመረትኒ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ዕድመኣ ልክዕ ክንዳይ’ዩ። ልቦናኣ ግን መግለጺ የብሉን። ንዓይ ከተዝሕል ዘይገበረቶ ነገር የለን። እንታይ’ሞ ዘይቅየር ነገር ኮይኑ…” ብዝንታ ተዋሒጣ ትም በለት።
“ውጽኢተይ ምስ ነገረትኒ ብስምባደ ምቕባሉ ስኢነ ዳርጋ ኣውያት’የ ገይረ። ሽዑ ሓደ ስሙ ዘይሓዝኩዎ ዶክተር ናብታ ዝነበርናያ ክፍሊ መጺኡ ለባም ዘረባ ተዛሪቡኒ። እታ ዘረባ ክሳብ ሕጂ ተስፋ ኮይና ተጓዕዘኒ ኣላ… ከመይ ገይሩ ክለግበኒ ይኽእል ኢለ ዳርጋ ነታ ዝመርመረትኒ ነርስ ከዋጥራ ምስ ተዓዘበኒ ስቕ ኢሉ ክሰምዓኒ ኣይደለየን፡ ‘ሓፍተይ በየን መጺኡኒ ኢልኪ ዘጭንቕ የብልክን፡ ብዝመጸ መጺኡኪ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ንሳ ኮይና ጽሕፍቶኺ። ሕጂ ግን ብኸመይ ተስፋ ገይረ ህይወተይ የናውሕ ኢልኪ ሕሰቢ። ብዙሓት በዚ ሕማም ተለኺፎም ካባና ንላዕሊ ጥዑያትን ሕጉሳትን ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። ንስኺ ድማ ናቶም ኣብነት እንተተኸቲልኪ ንነዊሕ ዓመታት ብጥዕና ክትነብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ብዓልቲ ምሉእ ተስፋ ጥራይ ኩኒ፡ በየን መጺኡኒ ኢልኪ ግና ኣይትጨንቒ።’ ብምባል’ዩ
ተስፋ ኣስኒቑኒ። ሽዑ ቁሩብ ተረጋጊአ።”
“ዳዊት ከ እንታይ በለ?” ንዳዊት ከመይ ተሰሚዑዎ ይኸውን ብምባል ኣነ’ውን ተጨነቕኩ።
“እቲ ውጽኢት ክንንገር ከለና ኣብ ጎነይ ኮፍ ኢሉ ነይሩ። ውጽኢት ምስ ሰምዖ ከም’ዛ ገረብ ደሪቑ’ዩ፡ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ምስ ቆመ፡ ቃል ትብሃል ኣየስተንፈሰን። ኩሉ ነገር’ዩ ገሪሙዎ። ኣነ ምቕባሉ ስኢነ ከዕለብጥ ከለኹ፡ ንሱ ዓይኒ ዓይነይ ካብ ምጥማት ወጻኢ ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረበን።”
“ከምቲ ዶክተር ዝበለኪ ንኹሉ ምቕባል ጥራይ’ዩ!” ንብዓታ እናሻዕ ይውስኽ ብምንባሩ ከጸናንዓ ፈተንኩ። “ሰላም ካብ ወረደ ዘንብዕ የብልክን….” ምእባድ ስለዝኣበየትኒ፡ ክሳብ ዝነፍሰላ ትም መረጽኩ።
“ብዝኾነ ዘጋጠመኒ ሽግር ተጻዊረዮ’የ። ከቢዱኒ ዘሎ ክኾነኒ ኢለ ዓመታት ዝሓለኹዎ ፍቕሪ ምስ ዳዊት ማይ ምሕቋን ኮይኑ ምትራፉ’ዩ። ኣታ ወዲ ንዳዊት ንምሓዝ ዝሓለፍኩዎ ጻዕሪ ኣነ’የ ዝፈልጦ። ብዓቢኡ መርዓ ተቖጺሩ ነይሩ፡ ነዚ ኩሉ ዝብድህ ዓቕሚ’የ ስኢነ ዘለኹ፡” ጸገማታ ልዕሊ ዓቕማ ምዃኑ ንዓይ’ውን ብሩህ ኮነለይ።

“ብኸመይ ግን እዚ ሕማም ሓሊፉኒ ትብሊ?”
“መጀመርታ ንዓይ’ውን ምውሓጥ’ዩ ኣብዩኒ፡ ደጊመ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ እኽሊ መመርመሪ ማእከል’የ ኣምሪሐ። እቲ ውጽኢት ብኣንጻሩ ክኾነለይ እናተመነኹ ተጓዕዘ። እንተኾነ ዝቕየር ሓቂ ከም ዘየለ ሽዑ በሪሁለይ። ማለተይ እቲ ውጽኢት ልክዕ ከምቲ ሕጂ ዝተነግረኒ’ዩ። ብኸመይ ሓሊፉኒ ዝብል ሕቶ ድሕሪ ነዊሕ ነብሰይ ምምርማር’የ ፈሊጠዮ፡”
“ብምንታይ ደኣ ሓለፈኪ ጓለይ?” ክፈልጥ ተሃወኽኩ።
“ዓንተቦይ ሓንቲ ዘረባ ተዛሪበካ ነይረ፡ ኣብ ዓለም ክንዲ’ቲ ዝሃለወ መንፍዓት ይሃልኻ ጥንቃቐ እንተዘይሓዊስካን ኣመዛዚንካ እንተዘይሓሲብካን ጸገም’ዩ። ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋ ናይ መወዳእታ ህይወትካ ክትከውን ከም ትእኽል እዚ ናተይ ኣብነት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ንዓይ ድማ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋ’ዩ ኣብ’ዚ ኣውዲቑኒ፡” ብጣዕሳ ርእሳ ነቕነቐት።
“እንታይ ጌጋ ዲኺ ፈጺምኪ?” እቲ ጌጋ ዝበለቶ ክፈልጥ ተሃንጠኹ።
“እቲ ጉዳይ ተማሃሪት ማይ ነፍሒ ከለኹ ዘጋጠመ ሕማቕ ዛንታ’ዩ….” እቲ ፍጻመ ከም ፊልም ግዲ ተራእዩዋ፣ ናብ መንጽራ ዝነበረት ዕንባባ ኣቋመተት። “ምዕባይ ሓወይ ዝልእኾ መልእኽቲ ካብ ወጻኢ ሒዙ ዝመጸ ጋሻ’ዩ ኣጋግዩኒ፡” ንብዓታ ኣርገፈት።
“መልእኽቲ ሒዙ ምስ መጻኒ ሌላ ንገብር፡ ድሕሪ ሌላ ኣብ መጻወዲኡ ኣእትዩኒ። ‘ምሳይ ወጻኢ ክማልኣኪ’የ፡ ወናኒኺ ክኸውን ኣፍቅድለይ፡ ካብ ተላለናላ እዋን ጀሚረ’የ ኣፍቂረኪ፡ ወዘተ እናበለ ንልበይ ተፈታቲኑዎ።”
“እሞ እንታይ መለስክሉ?”
“ሕራይ ኢልዮ ዙረት ጀመረና።”
“ምስ ዳዊት እናዘርኪ ማለት ድዩ?”
“እወ ምስኡ እናዘርኩ።”
“እዋእ!” ምግራመይ ገለጽኩ፡ ዘዋር ትብሎ ከም ዘይነበረት ንሳ ዙረት ምትሕሓዛ ገረመኒ።
“ዳዊት ከምቲ ዓንተቦይ ዘዕለልኩኻ መትሓዚ ኣይነበሮን። ኣነ ድማ ምናልባት ዳዊት እንተጠለመኒ ዝብል ፍርሒ ነይሩኒ። እንተኾነ ነዚ ረኺበዮ ዘለኹ መከራ ተሰኪመ። ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን ስጋዊ ርክብ ፈጺምና። ዝኣተወለይ መብጽዓ መግለጺ ኣይነበሮን፡ ኣነ ድማ ኣሚነዮ።”
“ዳዊት ከ ይፈልጥ ዶ ነይሩ?”
“ኩሉ ካብኡ ተሓቢአ እንድየ ዝገብሮ ነይረ። እቲ ዝተላለኹዎ ወዲ ኣብ መወዳእታ ዕረፍቱ ወዲኡ ክኸይድ ከሎ ከይተፋነወኒ’ዩ ከይዱ። ኣብ ወጻኢ ወሲደ ከምዚ ክገብረልኪ’የ ይብለኒ ከም ዘይነበረ…” ኣይቀጸለትን።
“ተሃዊኽኪ ዶ ሓቀይ?”
“ተሃዊኸ ጥራይ! እታ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋ ዝበልኩካ እዚኣ’ያ።”
“ንሱ’ዩ ለኪሙኪ ማለት ድዩ?” ተወከስኩዋ።
“ብርግጽ ንሱ’ዩ፡” ትብዕ ኢላ ብርእሰ ተኣማንነት መለሰትለይ።
“ብኸመይ ኣረጋጊጽኪ?”
“ምስኡ’የ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ኣካይደ። ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋ ድማ’ያ ኣብዚ ኣብጺሓትኒ።”
“ብኸመይ ርግጸኛ ኮይንኪ? ማለተይ ገለ ዝረሳዕክዮ ነገር ከይህሉ?” ነብሳ ክትፍትሽ ተማሕጸንኩዋ።

“ኔቨር! በዚ’ስ ይተኣማመን’የ። ሓንቲ ዘጽናዕኩዋ ዓባይ ነጥቢ ግን ነይራ። ሽግር ምስ ኣጋጠመኒ። ናብቲ ኣብ ደገ ዝቕመጥ ምዕባይ ሓወይ ደዊለ ጎቦ ጎቦ ገይረ ብዛዕባ’ቲ ዘጋገየኒ ካብ ወጻኢ ዝመጸ ጋሻ ሓቲተዮ። ንሱ ድማ ዘሰንብድ ጉዳይ’ዩ ነጊሩኒ። እቲ ካብ ወጻእ ዝመጽአ ብዙሕ ዝሓብኣለይ ነገራት ነይሩ’ዩ።”
“እንታይ ሓቢኡልኪ?”
“መሊኡ! ኣብቲ ዝቕመጠሉ ዓዲ ሰኽራምን ግዙእ ኣልኮላዊ መስተን ምዃኑን፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ዝተፈላለያ ኣመንዝራታት ከም ዝዘውር’ውን ሓቢሩኒ። ከይጋገ’ዩ ከምኡ ገይሩ።”
“ዘገርም’ዩ!” ደንገጽኩላ።
“እቲ ዘሕዝነካ ደጊመ ክረኽቦ ኣይክኣልኩን። ከምዚ ዝተወግአ ነይርስዕ ዝበሉዎ ግና ፈጺመ ክርስዖ ኣይካኣልኩን። ዝኣተወለይ መብጽዓ ይትረፍ ደሃየይ’ውን ኣይገበረን። ጌጋ መፋጥርትና እንድዩ ናተይ ጌጋ ናይ መወዳእታ ምዃኑ የጣዕሰኒ።”
“ምስ ዳዊት ከ ተፈላሊኹም ዶ?” ናብ ዳዊት ኣስገርኩዋ።
“ልዕለይ ዳዊት’ዩ ተጨኒቑ። እዚ ሕማም ብኸመይ መጺኡኪ እናበለ ስለ ዘጨነቐኒ ክርሕቆ’የ ወሲነ….”
“እሞ ተፈላሊኹም?”
“ከመይ ገይርና ክንፈላለ! ክልቴና ምኽኣል ስኢንና ሳዕሪ ኢና ጸሪና። ኣብ መወዳእታ ዘሕፍር ተግባረይ ከይተሰከፍኩ ነጊረዮ።”
“እንታይ ደኣ ኢሉ?” ግብረ-መልሲ ዳዊት ክፈልጥ ደለኹ።
“ናይ ዳዊት መልሲ’ሞ ዘሰብድ እዩ—” ነቲ ኣሰንባዲ ናይ መወዳእታ ዛንትኣ ክትጸውየኒ ጀመረት፡ እናሓደረ ዝገርም ዛንታ።

ሻድሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰምበት ተኸታተሉ!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com