Friday , May 3 2024

ፖሊስ፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ፍሉጥ ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ፡ ዕጸ-ፋርስ ረኺቡ

ፖሊስ፡ ንገዛ ናይ ሓደ ፍሉጥ  ፖለቲከኛ ነበር ብዝገበርዎ ፈተሻ፡ ዕጸ-ፋርስን ኣሽሓት ክሮና ዝግመት ጥረ ገንዘብን ከም ዝረኸቡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ።

ሓደ ዘመድ ናይዚ ፖለቲከኛ፡ ዕጸ-ፋርስ ሒዙ ብምርካቡ ከም እተፈርደ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ፖሊስ፡ ብሓበሬታ ናብ ሓደ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ዝገብር ዝነበረ ሰብ ድሕሪ ምርካቦም፡ እቲ ሰብ፡ ዕጸ-ፋርስ ወሲዱ ምንባሩን ዘመድ ናይ ሓደ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ምዃኑን ኣረጋጊጾም። ፖሊስ፡ ጁባ ናይቲ ሰብ ድሕሪ ምፍታሾም 8.2  ግራም ዝሚዛኑ ናይ ኮኬይን ዝመስሉ ዕጸ-ፋርስን ክሳብ 5 ሽሕ ክሮና ዝግመት ጥረ ገንዘብ ምርካቦም ሓቢሮም። እዚ ሰብ፡ ንባዕሉ ዕጸ-ፋርስ ዝጥቀም ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ሸያጢ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ከምዝጠርጠርዎ ጸብጻባት ፖሊስ ይሕብሩ።

ውጽኢት ናይቲ ብፖሊስ ዝተኻየደ መርመራ፡ ናብ ገዛ ናይቲ ፖለቲከኛ ስለ ዝመረሖም፡ ናብቲ ገዛ ከይዶም ኣብ ዝገበርዎ ተፍቲሽ ቅድሚ ሕጂ ናይ ዝተጠቕመሎም ጻዕዳ ሓርጭ መሰል ዝሓዙ መትሓዝ ዕጸ-ፋርስ ከረጺታት ምርካቦም ገሊጾም። ብዘይካ’ዚ፡ 5 ሽሕ ክሮና ዝኸውን ጥረ ገንዘብ እውን ረኺቦም እዮም።

ዘመድ እዚ ፖለቲከኛ፡ ኮኬይን ዝተባህለ ዕጸፋርስ፡ ይጥቀም ምንባሩን እንተኾነ ግን ኣብ መሸጣ ከም ዘይተዋፈረ ንፖሊስ ቃሉ ሂቡ። እቲ ኣብ ገዛይ እተረኽበ ገንዘብ ዕጸ-ፋርስ ንምግዛእ ኢለ ዘቐመጥክዎ እዩ ድማ ኢሉ። እቲ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ሽወደን ግን፡ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com